እዝጊ ዝሃበኒ መንግሥቲ -
ሓላዪ ኃላኒ
ሕሳብን ስብሳብን ከየእርገኒ
ናይ ልበይ ፈሊጡ
መውረዲ ማይ
ጊርባ ይኸድነኒ
ብምልዓል እምኒ
መንኵበይ ከይምለጥ
ሳርሶ ይኾነኒ
ምስ ሓላዪ መንግስተይ
እንታይ ከይጎድለኒ
ኵሉ ባዕሉ’ሎዎ
እንታይ ከፊኡኒ
አረ ዝገርመኒ!
ሓሳበይ ከይተረፈ
ዝፈልጦ ይመስለኒ
ናይ ልበይ ቦግ ኣበላ
“ስግረ ዶብ ሓሲብካ” ምስ በለኒ
“ወይ’ቱ ጉዳም
ሸሪሎዋ ዛገዳም”
ተባህለ ያኢ
እዝጊ ከርኢ
መን ዘይጸላኢ
መንከ ዘይደማዒ
ሓሳበይ ዚፈልጥ መንግሥቲ
ፈጢሩለይ ያኢ
ናይ ከበድይ መርሚሩ
ናይ ልበይ ዝርኢ
ዘይተረአ
ዘይተሰምዐ
ወላ ኣብ ወጻኢ።
ኣምላኽ ዓዲሉኒ
ሸውሃተይ መዚኑ
ድራረይ መጡኑ
ዝሰትዮ ዓቂኑ
ዘአንግድ መራሒ።
እዙይስ በይኑ
እዩ በይኑ
ኣየ ሓልዮት
ኣየ እንግዶት
ዘቕንእ ንጓኖት
ከምዝ’ስ ይርከበዶ ኣብ ምድረ ገነት?
እንድዒኸ ኣታ እንድዒኸ!
ብህርፋን ዓሳስ ማይዶ ዓሚዀ?
ሓሪጭ ሓሪሙኒ ወላ ዚሓሰኸ
ጽጋብ ሰርኒቑዎ’ሉኒ ፍጹም ከይሓነኸ።

አረ እንታይ ጉዱ?
እንታይ ጉዱ?
ነፍስኹም ሓኺኽኩም
ባዕላትኩም ፍረዱ!!!
ሰብ ክምለኽ
ኣብ ጣዖት ትሰግዱ
ስርየት መስሉኩም
ብደም ኃው ትነግዱ
እዚኳ ኪውሕድ
ልቢ እንተሓንጊዱ
ሰብ ኪስጠ ከም ጕዚ ተቐዲዱ
ጓል ሃገር ክትግሃስ ኣብራኻ ርዒዱ
ጽልኣት እዝጊ ኣባና ግሂዱ
መግሃር ሓዊ ተኣጕዱ
“ወዮ መቓብርናስ
እና ሞቐ ከይዱ”[1]
መን ከምዚጥበስ ባዕላትኩም ፍረዱ!
አረ እንታይ ጕዱ እንታይ ጕዱ
ወላዲ ኪግፋዕ ብገዛእ ውላዱ
ዓጽምን ደምን ዘወፈ እዙይ ኰይኑ ኢዱ
ሓላይ መንግስትና ሥጋ ሰብ ለሚዱ
ጐርዞ ጊላዋ ነፈጸ ጠፍአ ተሰዲዱ
እንታይ እሞ ይግበር ተፊኡዎ ዓዱ።
 
 
 



[1] “ኑሮ ካሉት መቃብር ይሞቃል” (ምስላ ኣምሓርኛ)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...