እዋን ተዓዲላ፡ ጋንታ ኢቦላ ተሳዒራ።

 
  ኢቦላ-ኢቦላ! ሕማም ላዕልን ታሕትን  
 
ፈቐዶ ከተማን ገጠራትን፡ ከበሳን ቆላታትን
 
ካብ ሕጻናትን ዓበይትን፡ ቆልዑትን ኣንስትን
 
ማይን እኽልን ከይኣኽላ፡ ደምን ረሃጽን፡ ንብዓትን ሓሞትን ዝቑቕ-ዝቑቕ ኣቢላ
 
 ሓኻይምን ሕሙማትን ኣረሓሒቓ፡ ሓጹርን፡ ዶባትን፡ ሰንጢቓ፡
 
ክትፈላሊ ከምዘይቀነ’ት ስጋን ነብስን
 
 ሎምስ፡ ብቐትሩ ጽልግልግ ኢሉዋ፡ ትብላ’ላ ዕግንግን።
 
ኣብ ምቕልቃላ፡ ንፋስ ተወጢሓ ከም ኣሞራ
 
ካብ ሰራለዮን ክሳብ ናይጀርያ፡ ካብ ጊኒ ክሳብ ላይበርያ፡
 
ንመራፍእ ረጋጊጻ ንኸኒና በታቲና
 
ኣብ ቁንጣሮ ሰሙናት ኣእላፍ ኣፍሪቃውያን ብምቕታላ፡ ዓለም ሙሉእ ኣሻቒላ፡
 
ንመጻሕፍትን ሊቅነትን ክትወጣጥር ኣቤት ጉድ ከምዘይተባህለላ፡
 
ደጊም’ሲ ናብ ባይታ ወዲቓ ክትጎሓፍ ቀሪባ’ያ ንማይበላ።
 
ይቀላቐላ’ሎ! ይበሃል ስለዘሎ ከም ኣለክሳንደር ፍለሚን ዝውለደላ።
 
እሞ ምናልባት ኣብ ሓንቲ ዓለም ንነብር እንተ’ሊና’ሲ
 
እዛ ካብ ኤርትራ ኣፍሪቃውያን’ዮም ዝበሃለሎም፡
 
ኣእላፍ መንእሰያት ሓሓኒቓ፡ ካብ ሱሮም ቦርቊቛ
 
ኣብ ጀላቡ ጨፋሊቓ፡ ውቅያኖሳት ክትስንጥቕ-ክትጥሕል ዓመታት ኣድሪቓ
 
ሕኒን ትብል ዘላ ሕማም ላዕልን ታሕትን፡
 
ምእንቲ ከሕጽረላ ኢቦላ እንተንብላ፡
 
ሊቃውንቲ ሕክምና ናይ ኤርትራ፡ ካብ ርእሶም ክሳብ እግሮም ጻዕዳ ነጸላ ተወንዚፎም
 
ከም መዛኑኦም፡ ከም’ዞም ኣብ ግምባር ኢቦላ ንሪኦም ሊቃውንቲ ዓለም ገጾም ዶኾን ምኸድኑላ
 
ካብ ምድርቤት ክሳብ ውሻጠ፡ ጸረ-ባልዕ ምእንቲ ክነጽጉላ።
 
ወይስ ስለዝሓለፉ በዓል ዶክቶር ሲላ
 
ይዋእ ኣስመራ ዝምርምር ክሳብ ዝውለደላ፡ ዝወግእ ትረሚቺና
 
ፈለስቲ’ዮም ዝመስሉ ደብተራ፡ ምናልባት እንተተመሰለላ
 
ተኣምረ-ማርያም ዝደግሙላ፡ ዝሑል ማ’ጨሎት ዝነጽጉላ።
 
ከመይ’ሲ፡ ይዘግሑ፡ እዞም ጀነራላት ናይ ናጽነት ከም’ዛ ዝረብሑ፡ ኣብ ዓድን ዓውድን ምስ ፈልሑ
 
ጭራሽ! ካብ መዓስከር ወጺኦም ክሳብ ቤትጸሎትን ዩኒቨርሲትን ምሰ’ሳፍሑ፡
 
ፍልስፍናኦም ወዲቑ፡ መዓልቱ’ሕሊፉ፡ ኣብ ዘስፈልዎ ዕማም ዘይነፍዑ።
 
ማዕረ-ማዕርኡ’ኳ ደኣ፡ ለይትን ቀትርን መናፍሖም ምስ ነፍሑ፡
 
ከም’ዛ ዓንቀጽ እንዳ ወ’ለዝጊ ዘግፍሑ
 
 ሰበስልጣን ሃይማኖት’ዮም ዝጠጥዑ፡ በብኹርንዑ።
 
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዋን መኣስ ጥዕዩ፡ ኣንፈት መጽኢ-ዕድል’ኮ’ዩ ዘምቢዑ
 
ምምሕዳርን ኣቐራርጻ መንግስትን ብንግሁኡ’ዩ ቀቢዑ።
 
ሕጂ ግን፡ ጓሎም ወዶም ዘዝበጽሑ፡ ተማሂሮም ክንዲ ዝነፍዑ ኣብ ቅርዓቶም ክንዲ ዝተብዑ
 
 ተመራሪሖም ካብ’ንዳኦም እንክጠፍኡ
 
ምርኣይን ምስማዕን ደንጽይዎም፡ ወዮም ፈለስቲ ተላዒሎም ኣበ’ሎ ሓውኻ ክሳብ ምባል ካብ ተጣርዑ፡
 
 እንተስ ክሙግት፡ እንተስ ዋሕስ ከትክል-ክዓግት፡ ነጸልኡ ዓጺፉ ኣነ’ምረቕ ዝብል ኮተት
 
ምእንቲ ክብል ከተፍ፡
 
 ጨው ቀትሪ ኣብ ልዕሊ ዝባን-ናሕሲ እንዳ’ባት ነብሲ፡ ተጠሊዕካ ተሰምዕ ዘለኻ ፈላሲ፡ ንኣይ ድኻ?
 
በል’ባ ንተሓድሶ ካበ’ንቀልካ’ሲ በጃኻ፡ ምስ’ዛ በዓል ልደት
 
ክንዲ ናብ ጸሎት ናብ ክሪስ’ማስ-ሾፕ ከየ’ንግሀ ኣምልኾት፡ ምእንቲ ክስስን ሃይማኖት
 
ድገመለይ ምህሮኻ።
 
ኣሰር’ቲ ውዑይ ባህግኻ ከም ደወል ካተድራለ ሰዓቱ ከምዘእኸለ ገው! ቀነው! እናበለ
 
ደመና ለውጥን ዕርቅን፡ ዕምብረ ሰላም ክመስል ሰማይ ምስከደነ
 
ክጎሓፍ’ዩ ናብ ማይ በላ ናይ ሓሳባት ቁንቁነ።
 
ሓቅ’ሓይሽ፡ ፈለማ’ኳ ድምጽኻ ምስ ሰማዕኩ ኣነ
 
ማሕረስ ውዒሉ ብድኻም ከም ዝተሳዕረ ሓረስታይ፡
 
ኣብ እግሪ ሽባኻ’ጽሊለ ከጥምት ከምዝጸናሕኩ ኣንቃዕሪረ
 
መቓልሑ በርቲዑ፡ ምሒር ልዒሉ፡ ምስ መዛሙር ረጋቢት-ጨራሩ
 
ፈቐዶ መሮር ስንጭሮ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ድራሮም ዝምእርሩ፡ ተጸምቢሩ፡
 
ካብ ሰማይ ዝቃላሕ መለኸት መሲሉ’ዩ ኣባህሪሩኒ ኔሩ።
 
ጽን እንተበልኩ ግን ኣበ’ስመራ እንትርፊ’ቶም ኢቦላ’ኳ ዘይትለኽፎም
 
 ካተድራለን ሽባኻን ዝተረፈ የለን’ሞ
 
ኣበ’ሎ ሓውኻ ዝብል ናይ ታሪኽ ትዕዝብትኻ ከተቃልሕ መስቀልካ ተሰኪምካ 
 
ኣብ ዓዲ ፍርሕን ራዕድን፡ ካብ ገዳም ናብ ግዳም ክትወጽእ ዝወሰንካ ፈላሲ ብምዃንካ፡ እዝጊ’ሃብካ።
 
 ኣብ ጎደና ለውጥን ዕርቅን ክትውላዕ’ያ ጥዋፍካ።
 
ስለ’ዚ ምናልባት ዘስገለ እንተ’ሎ ምእንቲ ከቕልበሉ ንደሃይካ
 
 ኣብ’ዛ ሓዳስ ዓመት ብመጥቅዕ ላዕላይ ገዛን ታሕታይ ገዛን፡ ይቃላሕ ብሂልካ።
 
ንኣይ ድማ፡ እዋን ንእብረ ርዒማ፡ ንየማነ-ጸጋማ ክትመሳሰል ፍሕትሕት ምስጀመረት፡ ክኣኽለኒ’ዩ ስደት
 
ሽዑ ታቦተይ ስዒመ ከም ሰበይ ክማኸር’የ፡ ምስ ርሑቕ ምስ ጎረቤት
 
ብዛዕባ መጻኢ-ዕድል ብዛዕባ ሃገር።
 
ቀደም’’ተኾነ’ውን ረብሪበ’ምበር መኣስ ከኒበ
 
ንርብዒ ዘመን’ኮ ብዘይ ንሕስያ፡ ብዘይ መሃያ ተላኢኸ’የ ኣገልጊለ
 
 ብዘይሕጊ ምምሕዳር ሳዕሪሩ፡ ተስፋ ምስተሳኣነ፡ ዓድን ዓውድን ምስ ቆንቆነ እንዳኣለ
 
ብትዕድልተይ ሓሪነ፡ ዝተረፈ እንተ’ሎ ንኺዳነ ምሕረት ሕድሪ’ለ፡
 
ዝተባህለ እንተተባህለ፡ ዝተወረ እንተተወረ
 
 ወላ ጸሓይ መሪሩ፡ መሬት ሲናይ ሓሪሩ እናተቓጸለ
 
ናብ ዓዲ ወለ’ዝጊ ነቒለ ሑጻ-ሑጻ ክሳጉም ዝወሰንኩ ምሒለ።
 
እቲ ምንታይ ብዘይ ገለ ክስታይ ምስታይ ኪነው ባሩዱን ሃሩሩን መዋድቖ ንምንዳይ።
 
ክሰግር’የ ዝፈተንኩ ብኸውታ ብለይቲ፡ ብናይ ወርሒ መብራህቲ።
 
እሞ ምስ ፍርሓተይ፡ ኣብ መንጎ ስግኣተይ፡ ምስ’ተን ደቂ ሕድርትና ናይ ጸልማት መሓልምተይ፡
 
ብዘይ ንብዓት ብዘይ ጸሎተ-ፍትሓት
 
ኣብ እግሪ ግንድዐ ዝተቐብሩ ብጾተይ፡ በዓል መን ከምዝነበሩ ምእንቲ ክዝከሩ
 
ምስ’ቲ ድምጺ ዕንጭራር እንቁርዖብ፡ ምስ ናይ ንፋስ ሸለውለው፡
 
ሓመድ ምድረበዳ እናገጨበ ብዝወርድ ኣሳሒታ
 
ለይቲ ነዊሕዋ፡ ሰብነተይ ርዒዳ ቀጥቀጥ እናበለትከላ፡
 
እወ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ናይ’ቶም ኣብ መንገዲ-ተስፋ መዛትይተይ ዝነበሩ
 
ደወል ደብርኻ ደዊልካ መስክር’ባ፡ ካብ በልካኒ
 
 ክነግር’የ ብወግዒ፡ ደሃይ ሓወይስ ኣለኒ።
 
ከም ዕሊ ከም ባህሊ ብኻልኣይ ቀብሪ
 
ምስ ዓድን ዓውድን ዝዳቐሰሉ ጉዕዞ-መስተርሆት ጥራይ፡ የሕጽረለይ ፈጣሪ።
 
ምስ ምብዛሕ ጀነራላት-ናይ-ናጽነት ዝነገሰት ስርዓት ኣልቦነት’ምበር፡ ኢቦላ’ይኮነትን
 
 ትንፋሰይ ዓፊና፡ ካብ’ንዳይ ነቒላ፡ ሕሉፍ-ሓሊፍዋ ንቡር-ቀብሪ ትኸልኣኒ።
 
እሞ ምስ’ዛ ተዝካር ልደቱ፡ ወለ’ዝጊ፡ ሓሳባቱ’ካፊሉ፡ ብምሕረቱ ምእንቲ ክስብሃኒ
 
ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ደገፍ ምእንቲ ክኾነኒ፡ ድገመኒ፡ ድምጽኻ’ስምዓኒ
 
 ሕዱር ናይ ኣዳም ሓጢኣት’ምበር ሓዲሽ ሕማም-ኢቦላ’ይኮነን ኣንጉዐይ ዝመጽየኒ።
 
ስለ’ዚ ድገመኒ፡ ድምጽኻ’ስምዓኒ፡ ትሕቲ ኩርኳሕ-ተሃድሶ ሳርሶ ክኾነኒ።
 
ኣብ’ዛ ከባብ ዓለም፡
 
ጋንታ ኢቦላ’ኳ ፈኪራ-ሳዕሲዓ፡ ብዙሕ ከይሰጎመት ኢዳ ዝሃበት
 
ዘይቕየር የለን’ሞ ምስ’ዛ ሓዳስ-ዓመት ክወግሕ’ዩ ዝመስል ናይ ብኡነት።
 
ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!
 
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...