መርከብና ጓል ኣዱሊስ ዙላ፡

መቦቆል ታሪኽና ራእይ ወለድና፡

መርከብና።

ታቦት ባንዴራና ሓበን ናይ ህዝብና።

መርከብና።

ዋሕስ መኣድና፡ ግራትና ዓውድና፡

ንስኺ ሙርኩስና ተስፋ ኤርትራና።

መርከብና።

እምባሕ’ሞ በሊ ድምጽኺ’ስምዕና

ንረብሓ ህዝብና መጻኢ ዕድልና

ኣንፈት ክኾነና።

…….

መርከበይ!

መርከበይ ናተይ፡ ቀንዴል ዜግነተይ

መልክዕ መንነተይ፡ ሰላም ቅሳነተይ

ከም’ቶም ኣቦታተይ ክሳብ ግዜ ሞተይ

ኣብ ዓደይ!

ክቐስን ሂወተይ ኣባኺ እምነተይ፡

መርከበይ ናተይ፡ ዕጣቐይ ቅናተይ።

ኣብ ሎሚ በጺሑ

ዝባኑ ረቒቑ ኤርትራውነተይ ናብ ባሕሪ ጠሊቑ ናብ ባይታ ወዲቑ።

ባህገይ ተኾሊፉ ትጽቢተይ ሃፊፉ።

……

መርከበይ!

መርከበይ መለይ፡ ንስኺ መሰለይ

እምባሕ’ባ በሊ  ሽግረይ ጸገመይ

እንተበለየለይ ደሃይ ግበርለይ፡ መርከበይ ውነይ።

መስዋዕቲ በዚሑ ዘይንጹር ዕላምኡ

ቀይሩ መልክዑ ሓዲሹ ዛዕብኡ፡

ገዛውቲ ዓንዩ ቤትማሕቡስ መሊኡ ፈቐድኡ

ስደት ተለሚዱ ፍታሕ ተቖጺሩ

ሂወት ሰብ ሓሲሩ ሕጊ ተደምሲሱ፡

 ዘመን መሳፍንቲ ተመሊሱ መጺኡ።

መርከብና

መርከብ-ጸግዒ፡ እንተ’ለኺ ትሰምዒ

ናይ ባህግና ዋዒ፡ ናይ ቃልስና ቀውዒ፡

ንፋስ ወሲዱዎ፡ ሑጻ ደፊኑዎ

ማያት ቀይሕ ባሕሪ ፉዱስ ጸልሚቱዎ።

መርከብና።

ሃገር ብሃገሩ ብልሓት ተሳኢኑ፡

ጎምበለ ምስ ጎርዞ

ከም ናይ ሙሴ ጉዕዞ የናዲ’ሎ ምህዞ

ኪኖ ምድሪ ባሕሪ  ርሑቕ ስግር-ማዕዶ

ቁሊሕ ይብላ’ሎ ሓዊ ዝተኣጉዶ፡ ቴንዳ ይኹን ኣጉዶ

 

መዓልቦ ጎድኒ ኣጎዛ መዋድቖ።

….

መርከብና!

መርከብ ናይ ኤሪትራ ጓል ዳህላክ ናኹራ

ደሃዩዶ’ለኪ፡ ዚ’ኹሉ መከራ

ትቕህም’ያ’ምበር ዘላ ሃገር ብሃገራ።

…..

መርከብና

ክትሓፍሪ ክትኮርዒ፡ ክትስሕቂ ክትነብዒ

ኣብ’ቲ ጸምጸም ባሕሪ ጽን ኢልኪ’ሞ ስምዒ፡

መርከብና።

ምስ ምሕምባስ ዓሳ መዛሙር ጨራሩ፡

ክንዲ ዝጻወቱ ክንዲ ዝዕንገሉ

ማይ ባሕሪ ዘቕቢቦም ይስንጠቑ’ለዉ።

መርከብና።

ይበሃሉ’ለዉ፡ ደቂ መን’ዮም’ዚኦም

አረ በየን’ዮም መጺኦም፡ እንታይከ’ዩ ሽግሮም

መርከብና።

በ’ማኢት በሽሓት ከይተጠራጠሩ ናብ ባሕሪ ዝጥሕሉ፡

ሰብኣይ ምስ ሰበይቶም ሕጻን ምስ ዕሸሎም፡ እንታያ’ሎ ኣብ ልቦም።

ጽንስ’ከ በልዎም ቅድሚ ስርዓት ቀብሮም

ለበዋ ተ’ለዎም መዝገብ ክፈቱሎም።

ንገሩሎም ሰቦም መርድእ ለኣኹሎም፡ ዓዶም ኣብጽሑሎም

ይብሉሎማ’ለዉ ንጉሶም ዓለሞም ኣቡኖም ጳጳሶም

እዝስ ዘሕፍር’ዩ ኢሎም ውራዮም ጠንጢኖም ኣብ ሓዘን ቀንዮም።

…..

መርከብና!

ሕጂስ ግደኺ’ዩ ኣለልይዮም ድምጾም ፍለጥዮ

ድላዮም ሰላም’ዩ ድላዮም ለውጢ’ዩ፡ መኣስ ተጋግዮም።

መርከብና።

 ደቂ ህዝቢ እዮም እንታይ’ዶ በዲሎም ንርብዒ ዘመናት ፈቲኖምኮ’ዮም።

ምእንቲ ናጽነት፡ ተላኢኾም’ዮም፡  ክሳብ ዝስልክዮም።

ኣብ ሎሚ በጺሖም

ዓቕሎም ምስጸበቦም ነፊጾም ተ’ወጽኡ ከመይ ዘይብከዮም።

መርከብና።

…..

ለውጢ ክምእርሩ ርሒቖም ተ’ኸዱ፡ ኣይትገግይዮም።

ደቂ ባጽዕ እዮም እዞም ዝብከዮም ደቂ ዓሰብ’ዮም እዞም ዝብከዮም፡

ኣብ’ቲ ገምገም ጥልያን ጠፊኣ ጸሓዮም

ሰላም’ዩ ድላዮም።

መርከብና።

ምስ ሞቱ ኮይኑ’ምበር፡ ይመስገን ፈጣሪ

ረኺቦም’ዮም ዜግነት፡ ዜግነት ናይ ክብሪ

ጳጳስ ዝባረኽዎ ዘለዎ ፍዮሪ፡ ብናይ ፈረንጂ ባህሊ ተዘኪሩ ቀብሪ፡

ዝውረስ ብሕድሪ።

……

መርከብና!

ጓል ናቕፋ ቃሩራ፡ ምልክት ጽንዕትና።

ሰለል’ሞ በሊ ቀላይ ቀላይ ዙሪ ጥሩምባኺ ንፍሒ ሉቸኺ ወልዒ

ኣብ’ቲ ቐይሕ ባሕሪ መልሕቕኪ ወርዊሪ

ድምጽኺ ይሰማዕ እምባሕ ጥራይ በሊ

እዝኒ’ለዋ ፍቕሪ።

መርከብና!

መርከብ፡ ደቂ ሽዕብ-ናቕፋ ደቂ መረብ-ባርካ፡

ደቂ ሰምሃር-ሰንሒት ደቂ ደንከል-ሰቲት፡

መርከብ፡ ደቂ ኸረን-ቢዘን  ዓራርብ መተተን

መርከብ፡ ደቂ ሓልሓል-ሳሕል፡ ደቂ ፍልፍል-ባጽዕ

መርከብና።

ደቂ ሓኒሽ’ዮም ደቂ ሓኒሽ ዙቑር፡

ኣብ’ዛ ዓለም ባቡር ከም ናይ ኣዳም ፍጡር

ሓርቢቱዎም ንቡር ስኢኖም መቓብር

መርከብና።

ዝነገሰ ይንገስ ዝወረደ ይረድ

እዚዶ የጋብር ኣብ ገዛ የሕድር?

ምስ ቆልዓ ሰበይቲ ህልኽ ዘየናብር።

መርከብና!

መርከብ ደቀ’ስመራ ሰሓቕ መፈጠራ

ፍታዎም ጸወታ ፍታዎም ዘቐራ።

እንድዕሎም ሎምስ ዛ’ዕድሎም ሞይታ

ብ’ንዳ ዝናን ባህታን ዓዲ ተዘሚታ ከተማ ጸልሚታ

መብራህቲ ጠፊኣ ተዓጽያ ማይቡንባ

ተቖጺሩ ዛዕባ ናይ ፕረሲደንት ዘረባ።

መርከብና።

ሓዳስ ኤርትራና ከቢዱ ሕማማ ዓለም ኣገሪማ

ከም’ዚ ንዕዘባ

እንተ ጸኒቱ ህዝባ ጽባሕ ንግሆ መን’ዩ ኽርከባ።

መርከብና።

በዓል ዝናን ባህታን እንታ’ዩ ራእዮም፡  እንታ’ዩ ድላዮም።

ወሰኖም ዘይሕዙ ኢዶም ተሓጺቦም

 ምኣኸሎምንዶ፡ ዝሓለፈ ሕሰም ትምህርቲ ምኾኖም

ዘየማኽሩ ህዝቦም ባይቶ ን’ረድ ኢሎም፡

ክሳብ መኣስ’ዮም ከም ደቂ ሕድርትና ክሓልሙ ንበይኖም።

ሕማም ተ’ኾይኑ ግን ማ’ጨሎት ነጺጉ ምሕረት የውርደሎም።

…..

መርከብና!

መርከብ ደቀምሓረ፡ በ’ኪ’ለኹ ኣነ፡ ሓላው ኳና ኾይነ

ክሳደይ ኣድኒነ፡ ናይ ሲናይ ናይ ባሕሪ ምዉታት ዝፈቅድ ኣብ ዑና ሰፊረ

እንታ’ድየ ጌረ፡ ጽልኢ ተሓጺረ፡ ዘቃብር ስኢነ፡

ናይ መሬት ኩነኔ ኣቤት እዋይ ኣነ

ጎረቤት ከምዘይብለይ ዝነብር ዘኽቲመ

 መርገም ድዩ ዕጫይ ዝጠለመ።

መርከብና።

 ተደናጊረ’ምበር ታ’ይዶ በዲለ ኣነ

ዝኽእሎ ፈቲነ ኣማራጺ ስኢነ ተስፋይ ምስ ቆንቆነ

ኣርሒቓ ትወስድ መርከብ እንተተሳፊረ

ነውሪ’ብሉን ፈተነ።

መርከብና።

……

ዘርከበ ጽዒና ጸልማት ተጎልቢባ ለይቲ ተበጊሳ

ኪኖ ዛላምበሳ ዘላ ላምፐዱሳ ምይሕ ዝብል ፋኑሳ

ጎዶቦ ትመስል መጋርያ ለኲሳ ዘሕደረታ ተስፋ ንእስነት ቀሺሻ

ሕጻን ሽማግለ ትውሕጥ ኮሊሳ ክጭቅን’ዚ ኸርሳ

መኣስ ኮን’ኸውን ዘጣዕሳ።

…..

መርከብና

መርከብ ዓዲ ዃላ ጨው’ሞ ጸዓኒ ስገርዮ ሩባ

ማያ’ለዋ መረብ እዝኒ’ለዋ ገረብ

ሓቂ ዘይንዛረብ ኣይንቀራረድ።

….

መርከብና

ቅልቅል በሊ’ሞ ጥሩምባኺ ንፍሒ

መኻይን ጸውዒ ቀብሪ ኣሰምዒ፡

ኦ’ቶቡስ ኔራ’ያ ኦ’ቶቡስ ኣበራ

ኦ’ቶቡስ ኔራ’ያ እንዳ ሱናባራ

ኣብ መርዓ ኣብ ሓዘን ካብ ሸዋ ነ’ስመራ ሳልስቲ ምብራራ።

መርከብና።

ኦ’ቶቡስ ኔራ’ያ፡  በዘቕዘቕ ሳልባቲ

ካብ ዓድዋ ነ’ስመራ ወፊራ ትኣቲ፡ ቀትሪ ይኹን ለይቲ

ተማኽር ተዛቲ ኣብ ግራት ልፍንቲ።

መርከብና።

…..

ኦ’ቶቡስ ኔራ’ያ፡ ኦ’ቶቡስ ጎናፍር

ባጉም ባጉም ትብል ካብ ባጽዕ ነ’ስመራ ከም’ዛ ዑፍ ትነፍር

ካብ ባሕሪ ናብ ምድሪ ሓደራ ተብጽሕ።

መርከብና።

ኦ’ቶቡስ ኔራያ ኦ’ቶቡስ ሳታየ

ጽዒና ትማላእ ዓካት ፍረ ዓየ

ኣቑርደት ተሰነይ ባርካ ዝፈረየ።

ጎልጎል-ሳዋ ዝረኣየ ክንደይ ዘይጎየየ

መሬት ክወግሓሉ እናተጸበየ።

መርከብና።

ኣብ ሎሚ በጺሕና

ኦ’ቶቡስ ገዲፍና ንኣኺ ምእማ’ና ተጋጊና ዲና

መርከብና።

መን’ዩ ጠሊሙና ንስኺዶ ኢድና

መን’ዩ ጠሊሙና ንስኺዶ ኢድና?

መርከብና።

ኣሓተይ ኣሕዋተይ ሓቂ’ሞ ንዛረብ

ማያ’ለዋ መረብ እዝኒ’ለዋ ገረብ

ኣይንቀራረድ ጥራይ ንቀራረብ።

መርከብና።

ንበሃሃል’ሞ ብናይ ሓባር ጉዳይ

ሉቸ’ለዎ ኣባይ።

ንሰብ ጽቡቕ ድላይ መሊኡ’ሎ መዳይ

ሓሳባት ንምእላይ

ክሳብ ላምፐዱሳ ገዛ ዳ’ደናዳይ ከይተሰግረ ቐላይ

መሊኡ’ሎ መዳይ ንሰብ ጽቡቕ ድላይ።

መርከብና።

የርሕወልና ሰማይ የርህዎ ብምድሪ

ይፍጠረልና ለባም መራሕትና ዘብሪ።

ህውን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

 ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ

                                                                                    This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...