መጋረጃ ይቀንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ

ኤርትራውያን ንዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ

ክንደይሻዕ ክንሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክንኣቱ

ይኣክል ናይ ብርዒ፡ ይገለጽ ኣስማቱ

ሩባታት ዓድና!!!!

ተቐበሉ ኣጋይሽ ሩባታት ዓድና

ኣይንድይብን ንዓዲ ካብ በልኩምና

መጻእናኩም ዓቢ ንእሽቶይና

ተዓጠቑ ሃየ ድኣ ተቐበሉና።

ኣስመራ ብዘይማን ጨንያ

ዓቢ ምስ ንእስቶ በኽያ

ነብሳ ካብ ትሕጸብ ኣጽቢሓያ

ምሕጻብ ኣካላት ሽማ ሪሒቓያ

ጥዕና ካብ ሃገር ጠፊኣያ

ማይ ምሕጻብ ነውሪ እያ።

ከተማ ዕጠቁ ንሩባ

ማይ ኣሎ ኣብ ሩባ

የንቖልቑል ካብ እምባ

ንዑ ዉሰዱ ብኣልባ

ማይ ካብ ከበረ ካብ ጸባ

ወዘራዝር ዓቕሊ ኣይተጽብባ

ውረዱ ንሩባ! ዉረዱ ንሩባ።

ንጉስ ሃገርና ወዲ ኣስመራ

ይነብር ኣብ ሓሶት ኣብጉራ

ንዝሓስብ ክሳዱ ይምንጥራ

ንለባም ኣእምሮኡ የደንቑራ

ንዝተዛረበ መልሓሱ ይኹምትራ

ርእሱ ዘቕነዔ ኣብ ዒራዒሮ የስፍራ።

ግዜ ረኺቡ ጽቡቕ ሓሲቡ

ተሓጉሹ ሓልዩሉ ንህዝቡ

ኣብ መንበር ተረፊዑ ጸጊቡ

ስምዑ! ንዝብሎ ተኣከቡ

ኣነ ዝበልኩዎ ኣንብቡ

እስከ ሓንቲ ሓቂ ርኸቡ

ኩሉ ዝብሎ ጸገም ዓንቢቡ

ማይ ደሊኹም ንሩባ ኣርክቡ

እንተ ካባይ ዕደ ትረኽቡ።

ሩባታት ተማዓዱ በጃኹም

ኣጋይሽ ተቐበሉ ሓደራኹም

ተጎሮ ብተጎሮ ኮይና ዓድኹም

ተዓገሱ ኣሕጽብዎም ኢኹም

ትእዛዝ ንጉስ ኣኽቢርኩም።

ሩባት ዓድና ስምዑ

ወዘራዝር ዓይነን ቆሊዑ

ህጻውንቲ ሙዕጉርቶም ቆርቢዑ

ክዳውንቶም ብልዛይ ተጠቂዑ

መዓጉርቲ ኣቦታት ተላጊቡ ጸኒዑ

ጨኪንኩም ማይ ከይትጭንጉዑ።

ቐጻዕ ንጉስ ምስ ነገሰ

እኽለማይ ሃገርና ሃሰሰ

ሕጊ ዓደቦና ምስ ተጋህሰ

እምነት ህዝቢ ምስ ኣፍረሰ

ጎበዝ ሃጽ በለ ዶብ ጣሓሰ

ገለን ኣብ ፈቐዳኡ ደሙ ፈሰሰ

ኣብ ጎላጉል ኣዕጽምቱ ከስከሰ

ድራር ኣዝብእ ኮይኑ ተኸስከሰ

ጂግንነት ሃገርና ዕርድታት ዘፍረሰ

ይነብር ፈቐዱ እና ፈለሰ

ዝጠቕሞ ንጉስ ስለ! ዘየንገሰ።

ሩባታት ሃገርና ሕዘኑ

በጃኩም ነብሲ ኣድሕኑ

እንተኺኢልኩም ድነኑ።

ንህዝብና ማይ ጸሎት ኩንዎ

ኣእምሮ ልብን ፈውስዎ

ካብ ዕብዳን ኣድሕንዎ

ካብ ጋንየን ሰውርዎ

ኣእምሮኡ ኣጥዕይዎ

ኣሕጽብዎ! ሕጽብዎ!

መድሃኒት ኩንዎ

ጽምኣቱ ኣርውይዎ

ኣጠልቕይዎ! ኣጥልልዎ

ንኽሓስብ ልቢ ሃብዎ።

ህዝብና ሕሰቡ ኣብ ሩባ

ኣብ ጽምዋ ኣብ ትሕቲ እምባ

ንኽትወጹ ካብ ዓዘቅቲ ካብ ጸበባ

ከይሓለኻ ኣይርከብን ጸባ

ንዓበሎ! ንሓውካ ሓሳብ ሃባ

ሓብሪና ክንገላገል ካብ ጸበባ።

ንጉስ ሃገርና ካብ ኣዘዘ

ዝዓበየ ዝነኣሰ ከይፈዘዘ

ኣብራኽ ጉብዝና ከይደንዘዘ

ይተዓጠቕ በብዘለዎ ከይቀዘዘ

የፍልጥ መን ምስመን ክዋዘ።

ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ

ምልኪ ይፍረስ

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና

24 ጥቅምቲ 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...