ስኒት


ስኒት አደ ፍቕሪ - አደ ሕብረት
ናይ ፍትሒ መሰረት - ናይ ማዕርነት
ጠማሪት ኣካቢት -  መሳነዪ ዜጋታት
ናይ ሰላም መቐረት - ትርጉም ንህይወት
ኣበይ ተሸሪብኪ? - ካብ ኤርትራ መረት
መንእሰይ ክጸንት - ከምርሕ ንስደት
ኣኺሉኪ ድዩ?
ጸሊእኺና - በዚሑኪ ጥልመት።

ስኒት ኤርትራውያን - ዝነበረ ክብሪ
ስኣን ፍትሒ ሕጊ - ዝኸውን መመሓዳሪ
መብጽዓ ተጠሊሙ - ቀይርዎ በትሪ
ነጻነት ተገፊፉ - ባርነት ሰፊሩ
ሃገር እንዳዓንየት - እንዳራኣዩ ዝዓወሩ
ስኒት ተመለሲ - ክማኸሩ ክበራበሩ
ንግፍዒ ቦንቂሮም - ብሕጊ ክቕይሩ
ምድረበዳ ባሕሪ - መንእሰያት ከይሓሩ።

ስኒት ንዒ’ባ ግደፊ - ገዛኺ ሕደሪ
ደቅኺ ተሪፎም - ብዘይ አደ ፍቕሪ
ጉሂኺ ምስከድኪ - ብስራሕ ኣነዋሪ
ገዛኺ ለኩትኪ - ገዛ ሰብ ክተጉሁሪ
ጋኖት ክማሙቖም - ደቅኺ ንቁሪ
ዓገብ’ዩ ጌጋ - ዘይፈትዎ ፈጣሪ
ስኒት ተመለሲ - ንስውኣት ሕድሪ።

ስኒት ኒዒ’ባ ግደፊ - ገዛኺ ተመለሲ
ደቅኺ ኣኪብኪ - ድለይሉ ፈውሲ
ብዝሓለፈ ጉሂኺ - ብዙሕ ኣይትጠዓሲ
ዘይጋገ ዘይሰርሕ - ምኻኑ ፈሊጥኪ
ደቅኺ ብዕላማ - ብሕብረት ሓቁፍኪ
ንሰላም ንስኒት - መገዲ ሓንጺጽኪ
ይኣክል በልልና - ንግፍዒ ሰቢርኪ።

ስኒት ንዒ’ባ ግደፊ - ለብሚ ኣስተውዒልኪ
ንሃላይ መኺርኪ - ንንፉዕ ደጊፍኪ
ንንእሽቶይ ሚሂርኪ - ንዓበይቲ ኣኽብርኪ
ንጸሊም ንቐይሕ - ከደራይ ከይበልኪ
ንሓጺር ንነዊሕ - ማእኸላይ ከይበልኪ
እስላማይ ክርስትያን - ጾታ ከይፈለኺ
ብማዕረ ረኣዮም - ብፍትሒ ዓይንኺ።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል
“ሕልና - 10-06-2013”

{jcomments off}


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...