ህግደፍ ሸቃጥ ኩሊት
ብደቅ ሰብ ኣይትጻወት

ረኻቢት መከራ ተካሊት ኣደ
ውሉዳ ብህግደፍ ምስ ሰንበደ
ናተይ ብዝበሎም ምስተዋረደ
ኣብ ዘይፈጽጦ ዓዲ ሃጺሉ ኸደ

ሽግሩ ከቃልል ኢሉ ዝተሰደደ
መልኣከ ሞት ተቐቦሎ ዝገደደ
ህግደፍ ዝወለዶ ሲናይ ዝዓረደ
ኣድብዩ ተጸብዩ ብሴፍ ብጉራደ
ናረአ እና ሰምዐ ብደዉ ተሓርደ

ወዳ ኣፋንያ ብልባ ዘይቀሰነት
እንታይ ይካየድ ዘይፈለጥት
ንኣምላኻ እናለመነት ብጸሎት
ወዳ ክነብር ብሰላም ኣብ ስደት
ታይ በለት ሞይቱ ምስ ሰምዐት

ኣውያት ኮነ ሓዘን ርእሳ ነጸየት
ሰማዒ ኣብ ዘይብላ ሃገረ ባርነት
ዕጡቕ ስረ ዘይብላ በዓል ሓሞት
ኩላ ብህግደፍ ሪዒዳ ዝባህረረት
ንይምሰል ጥራይ ስረ ዝተዓጠቐት

ናረአና ናሰማዕና ሰብ ክሕረድ
እንስሳ ቆጺሩና ህግደፍ ዕቡድ
ኩሊትና ሸይጡ ክሳዱ ከርጉድ
ሰይጣን ዝሰረሮ ተረግመ ዕብድ
ዓለም ምስ ኣገዶ ኹሊት ክነግድ

መጻወት በደው ራሻይዳ ገሩና
ነዛብእ ብሔረ ኤርትራ ይብሉና
ህግደፍ ዝተላወጦም ብበንዚና
ካልእ የለን 8ተየን ብሔራትና

ክምኡውን 8ተየን ኣውራጃታትና
ኣይጎድላ ኣይውስኻ ፈቲና ጸሊእና
መን ፈቒዱሉ ህግደፍ ዝውስነልና
ድቓላ ዓረብ የለን ኣብ ብሔራትና

ገዳፊ ዝለኣኾም ህዝብና ከንብዑ
ውዕል ምስ ህግደፍ ተሰማሚዑ
ንንጹህ ህዝብና ብኣብረ ከጋፍዑ
ሓሪዶም ዘዝወለድናዮም ክበልዑ

ደቀን ዝጠፍኡወን ይበኽያ ይነብዓ
ምናዳ ምናዳ ወለዲታ ሕጻን ቆልዓ
ኣወ ንመላእ ዓለም ኣብኪያ ኣንቢዓ
ጨካናት ከውሒ ልበን ግን የጣቕዓ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...