ድምጺዶ ሰሚዐ ድምጺ ናይ ዳኒአል

ኣሌክስዶ ኣድህዩ ምስ ኣማኑኤል

ኣማንዶ’ሞ ኮይኑ ሓቂ ነይትሕበል

“ኣለና“ ኢሎም ኣሰናታት ድሃዮም ይገንፍል።

 

እወ፡-

ወቕዒ ገዛእትና ክልተዩ ኣፉ

ዜጋታት ካብ ምህሮን ዕብየትን ምስ ኮለፉ

ብጉልባብ ኣገልግሎት መናእሰይ ካብኣንጸፉ

ኣይደንጎየን ምሕደራኦም ቅጽበት ተጸይፉ።

 

ገለን ተዓኹሊሉ ብጥምየት ተዓጺፉ

ገለን ተሓይሩ ሓመድ ተነጺፉ

ኣዒንቱ ንሂለን ምስ ተኸፍተ ኣፉ

ጋህስታት ሰታሪኡ ምዉት ተጸፍጺፉ

እዝግዮ በለ ህያው መስርዕ ተሰሊፉ።

 

ገለን በተግ በለ ነንኣንፉ

መኣዝን ጉዕዞኡ ፍጹም ዘየተስፉ

ካብ ሴፍ ሃሃዲሙ ብሴፍ ተሰይፉ

ወዮ ክብርታትሲ ኣካን ተጸንፊፉ።

ሽዑ፡-

 

ኣብ ሰሃራታት እንክስጣሕ ተገይጾም ንዝስሕቑ

ብጥፍኣት ደቂ-ዓዶም ከበሮ ዝድስቑ

ተንኮሎም ከይቅላዕ መንደቖም ዝልቕልቑ

መቓልሕ ካብተሰምዐ ክንደይ ከይሞቑ

ቀሪባ’ያ እታ ግዜ በግማዶም ክሕነቑ።

 

ስደት ንቡር ነይሩ ግዝኣት ዝፈጠሮ

እቲ ናህና ነገር ግና ጭብጢ ዝምስክሮ

መንእሰይ በበሪሩ ዶባት ዘሳገሮ

ህዝብና ኣስሕዩ ዘእተወልና ሰሃሮ

ጥጅእ ተንኮል ኢዩ’ኮ ጽንተትና ዝመዓሮ።

 

ናህና በይኑ ኢዩ እንታይ ክዝረቦ

ጭኑቕ ገዛኢና ዓቕሉ ዝጸበቦ

ቅልውላው መንነት ገጥሚ ዘላቕቦ

ሃብትና ዘሚቱ ኣእትዩልና ዓጸቦ

ዓጽመ ስጋ ግሂጹ ስለዘየዕገቦ

ኣካላትና ዝሸጠ መዳርግቲ ዘይርከቦ

ወለዶ በሊዑ ዘባደመ ዓደቦ

እንታይከ ክንብል እንታይ ክዝረቦ።

ኣባና ዝወረደ ክንደይከ ክንብሎ

ኩሉሳዕ ምሳና ካላእ ይሰበሎ

ነውራም መናውርቲ ቀባኢ ጸለሎ

ጨካን ደመኛ’ዩ መዓልቱ ኣይንዓሎ

ደጊም ክደሃኸ’ዩ ብደዉ ንክዕሎ

 

ዕድመኣ ሓጺር’ዩ መሓውር መለኽቲ

ሰላም ዝሓረማ ሰፈር ኣጋንንቲ

ሲኦል ዝመንደቓ ናይ ሰይጣን በዓቲ

ወራሲ’ዃ የብላ ኣይርስቲ ኣይጉልቲ

ክትድሰቕ ኣለዋ ህግደፍ መባኹርቲ።

 

ክገሃድ“ዩ ጉዳ ክቕላዕ ገና ገና

ሓደን ወዲ ማእከል ካልእ ወዲጓና

ኣስላመ-ክርስትያን ኢላ ክትገምዓና

ሓደ ሙሉእ ኣካል ብወገን ተጎዚና

ብመርዚ ፍልልያት ዘሪጋ ጥምረትና

ደጊም ትድሃካ ድኣ’ታ ሓያል ቅልጽምና።

 

ብሽያጥ ኣካላትና ዕዳጋታት ካብ ዓመሩ

ነይተወድአ ጽንተትና ትርፎ ተጀሚሩ

ክስነድ’ውን ኣለዎ’ዩ ታሪኽ ንምግባሩ

ድሮ’ዃ ንዛንታስ ኣበዃውሕ ተወቒሩ

መፍትሒ’ሞ መንእሰይ ካባኻ’ዩ ንሓዋሩ።

 

ቀደምሲ መንዶ ነይሩ’ዩ ዘይንስኻ

ዓወትና ዝተረኽበ ብመስዋእትኻ

ሃገር ተጠዊራ ብሳላኻ

መድሕን ዋልታ ሃገር ብጻዕርኻ

 

ንስኻ ሕጊ ፍትሒ ማዕርነት

ንስኻ ቅዋም ዲሞኽራሲያዊ ሰረት

ንስኻ ቁጠባ ናይ ናብራ ውሕስነት

ጭቡጥ ርእሰ-ማልና መሰረተ-ህንጸት

ተሰካም ሕድሪ ልኡኽ ናይ ስዉኣት

ኣማን በጃ ህዝቢ ሃገራዊ ድሕነት።

 

ኣንታ ኣነሞኒ ዕንድዕለይ

ሕማቕኩም ክሰምዕ ሕሰም መናእሰይ

ዘኽታም ከይትኾኑ ከይትወርሱ ናተይ

ይጭኹትር’ቲ ገጸይ ይጸበኒ ዓቕለይ

ጽቡቕኩም እንክሰምዕ’ሞ ይድበስዩ መንፈሰይ።

 

ዝኾነ እንተኾነ ኩሉ ተሰጋራይ

ዓቕሊ ለምኑላ መከረኛ ነፍሰይ

ኩሉ ከምኡ እንድዩ ዝኸፍኣኒ በይነይ

ሓንሳብ ዶኾን ኮይኑ ዕጫ ተሰባራይ

ምብራቓ’ኮ ኣይተርፍን ዝዓረበት ጸሓይ።

 

ኣብቲ ስግር ማዕዶ ኣበይ’ሞ ክብሎ

ዳስና ካብ ተሰርሐ ግርማ ዝዓሰሎ

ትንሳኤ መንእሰያት ክዕለል እንከሎ

ማሰዶ ክብለሉ ወይስ ህጡር ኣውሎ

ትርፎ ክፍኣተኛ ህግደፍ ዝበከሎ

ኣትዩ ክቆጻጸ ዘይብህግ መን ኣሎ?

 

በሉ እምበኣር፡-

 

ናጽነት ኣጥፊኡ - ገጹ ዘይኣስር

ሕድሪ ተሰኪሙ - ሓሳባት ዘይቛጽር

ተጊሁ ዘይወፍር - ገጢሙ ዘይስዕር

ተቢዑ ዘይፍክር - ብነብሱ ዘይሓድር

ግዳይ ሕልናኡ - ብተግባሩ ዝዓብር

ንያቱ ዝነጸፈ - ጸገም ዘየሳግር

ከይንኸውን ምእንቲ - ሃየድኣ ንስመርርርር!

ስለዚ መንእሰይ ንኡስ ባህ ኣበሎም

ገና ብወስታኻ ድሮ’ዃ ቆዚሞም

ከም መስቀል ዝረኣየ ኣሻብ ተራቲዖም

ራዕዲ ተተርቢዑ ከነስፍን ሰላም

ብሓባር ክንቆጻጸ ኣብ ሃገርና ለምለም

በሎም ድኣ በሎም ስምረት ኢያ ትኣኽሎም።

 

ዓወት ንሓፋሽ!

ዓወት ንመንእሰያት ኤርትራ

ዓወት ን24 ግንቦት

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት

 

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...