ሓቂ መሲሉና ብዕልልታ ተቐቢልና
ከም ጀጋኑ ሰቒልናዮም ኣብ ርእስና
ብሳላኹም ወጊሓ መሬት እናበልና
ሳዕሲዕና ጨፊርና ሓጎስና ገሊጽና

መላእ ኤርትራ ብሓጎስ ኣጥለቕሊቓ
ካብ ጫፍ ክሳብ ስግር ባሕሪ ኣፍሪቃ
ብዓለማ ተበሲራ ብተለፎን ጠዋዊቓ
ሰላም ኮይኑ ንግዜኡ ጸሓይና በሪቓ

ቁሩብ ማዓልታት ኣተንፊስና ብቑጽሪ
ክሳብ ሰላሕ እናበሉ ዘእቱዉልና ቁሪ
ኣጆኻ ህዝበይ ተዳሎ ዝዓነወ ከነዐሪ 
ክሰብኩ ሓገዩ ከም ሰብ ጽቡቕ ግብሪ

ህግደፍ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክፍክር
ሃገር ክሃንጻ በለ ከም ኣስያ ሲንጋፖር 
ኣቤት ጉያ በፍራዛ ኩዒትካ ክትፍሓር 
ህዝቢ ዓሻ መሲሉዎ ብቐሊል ዝጥበር

ፈሪሑ እምበር ብጠጠዎም ምሸጦም
ዘይፈለጡ ጌና ብሕቡእ ከም ዝስሕቖም
ብዘይካ ገንዘብ ምዝራፍ ኣበይ ክርዶኦም 
ጀጋኑ ዘረከቡና ሃገር ንዕዳጋ ኣውሪዶም

ካውኡ ሓሊፎም ናብ መሸጣ ደቅ ሰብ
ኩሊት ንዕዳጋ ኮይናላ ዓባይ መኽሰብ
ንሃብታማት ወጊሑሎም ንሰብ ገንዘብ
ኩሊት ዝሸጡ ዘለዉ ጥራይ ንተዓዘብ

ሃብታማት ኣክቶራት ነጋዶ ኣብ መስርዕ
ኩሊት ኤሪትራዊ ክገዝእ ሚለዮኑ ክድፍዕ
በዶዊን ራሻይዳን ግብጻውይን ንኸልምዕ
መደበሩ ኣስመራ ትእዛዝ ካብ ሽፍታ ባጽዕ

ህግደፍ ተጸኒሖም ሰብ ከም ዝበልዑ
ሩጉማት ዘርኢ ምጻት ዘመን ዝጸዉዑ
ሰዓብቲ ኣጥሪዮም እናጸነትና ዝስዕስዑ
የሕዝኑና ኮንቱ ዝሃለቑ ተካላት ቆሉዑ

ጸዊኻ ነይውዳእ ረሳሕ ታሪኽ ህግደፍ
ጸረ ራህዋ ህግደፍ ትወዳኣዮም መንደፍ
ሓሳዳት ጽቂ ህዝቢ ዱሑራት መኻልፍ
ተረጋጊጹዩ እንከለኹም ከምዘይ ሓልፍ

ንጣር እኽሊ የለ ንጣብ ዝስተ ማይ
ሃገርና ጸልሚታ ብመሬት ብሰማይ
ንኩሉ ሓርቢትዎ ነስላማይ ክስታናይ
ማዓልትኻ ተጸበ ህግደፍዊ ጣልማይ  

ዘመነ ባዕዳውያን ኩሊትና ዝተሓለወ
ንብረት ኣይተንከፈ ገዛውትና ኣይኣተወ
ደፊሩ ደቅና ኣይዓመጸ ጥሪትና ኣየዕነወ
ብጎሮሮና ኣይሓዘ ንባህሪያዊ ኣይዓጸወ

ምሕደራኹም ዓለም ዘሰከሐ ንዑቓት
ተሰሚዑ ዘይፈልጥ መግዛእቲ ጥሜት
ካባኹምሲ እንስሳ ይሓይሽ ድኹማት
ብበለጽ ቀዳሞት ናይ ሓንጎል ድኻታት

ጡፍ.ኡልና ብዝመጻእኩሞ ሕለፉ
ህዝብና ብሰላም ክነብር ተሓቛቝፉ
ነጻነት ዘምጻአ የለን ኣውኡዩ ተሪፉ 
ኣጥፊእኩሞም በጃ ህዝቦም ዝሓለፉ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተሰፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
12/05/2012 Norway      


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...