ሽጣራ ኣስመራ ተበቲኑ።

ተዛረብ ህዝቢ መጋረጃ ተቐንጢጡ

ፎርዖን ኣብ ቅድሚ ቲቪ ኮይኑ
ርኣይዎ ድምጺ ህዝቢ ሓያል ምኻኑ
ተሓቢኡ ከምዝገሸ ንህዝቢ ኣሚኑ
በለ ኣይመትኩን ንዓይ እባ እመኑ።

ሽጣራ ኣስመራ ጥራሕ ዓፍራ
እወ ርኣናዮ ኣብ ቲቪ ኣስመራ
እዚ ፍላስፋ መን ኮይኑ ንዓለም ከበስራ
ብኣኻ ሃገርና ኤርትራ ተሰይራ
ነዚሑ ዝነበሮ መርዛም ጉራ
ኣብ መንበር ኮፍ ኢልካስ ፈኸራ
ንዓለም ከረድኣ ያኢ ክምህራ
ኢኮኖሚክስ 101 ከምይ ይሰርሕ ነግራ።

ፎርዖን ንዓለም ክምህራ
ኣይሓምምን ኣይመውትን ኢሉ ኣበሲራ
መለኮትነቱ ግና ኣተወት ኣብ ጥርጠራ
በልዎ እባ ሰብ ኢኻ ኣየድልን ጃህራ።

በለ ብዙሓት ኣለዉ ጭንቂ ዘስሙዕኒ
እንተ ኣነ ኣበይ ግዜ ኣሎኒ
ክዘውር ቀንየ ስራሕ በርቲዑኒ
ብጋሽ ጀሚረ፡ ጋሕተላይ ኣቕረሱኒ
ኣስመራ ኣተኹ፡ ብዙሕ ደኸመኒ
ድቃስ ስለዝፈቱ ብዙሕ ጥዒሙኒ
ጽንሕ ኢለ ሳባ ቀሰቀሰትኒ
ኣብዚ እንሆ ቡስጣ በለትኒ
በለ ዓሊ ዓብዱ ባዕሉ ዘይህበኒ

እንታዋዩ ረኺበዮዶ ይፈልጥ ገሪሙኒ
መንዩ ዓሊ ዓብዱ ሳቢና ሕሹክ በልኒ
ርኣይ ዮ ህዝበይ ብዙሕ ናፊቑኒ
ኣብ ቲቪ ኤረ ክረኤ ድማ ደልዩኒ።

ወይዘሮ ሳባ ንመጀመርያ ተዘኪራ
ኣፍኣርክቡ ኮነ ምስክነ መዓልቲ ካራካራ
ንሳስ እባ ክንደይካ ብዙሕ ልቢ ገይራ።

ፎርዖን ኣሎ ይነፍር ከም ዛግራ
ኣብ ብርኩ ዘተንፍስ ብዓል ጭራ
ካብ ባርካ ንሳሕል ብለይቲ ነጥራ
ኣይተሳእለን ብቪድዮ ብካመራ
ተሳኢሉዶ ገመል ሰሪሩ ከንፍራ
ጻዕዳ ሓሶት ዘይብሉ ጉራምራ
ጋሽ ተበጊሱ፡ ዓንሰባ፡ መንደፈራ
ዓሊ ዓብዱ በለ ንዓለም ክጥብራ
ፎርዖን ደገመ ሓቅነት ዘይብላ
ጋሽ ኣፍዓበት ድኣ መልኣላ
ጋሕተላይ ቆሪሰ፡ ኣስመራ ወስኸላ
ኣብ ቲቪ፡ ከይርኤ ድማ ከልክላ
እዚ ከምን ንዓለም ኣብ ዚሔላ።


ኣሎዶ መይቱ ኣይኮነን ጉዕዞና
ብሸፋቱ ስለ ትምራሕ ሃገርና
ንጭፍራ ህግደፍ ነዞም ግፍዔኛ
ኣረመንየ መራሒ ተንኮለኛ
ነዚን ጭፍራኡን ጥፍኣቶም የይረኣና
ፍትሕን ስርዓትን ክረክብ ህዝብና
ብሕግን ስርዓት ክካየድ ሃገርና
ብዘይ ዕረፍቲ ከይደቀስና ክንቃለስ ኢና
ግቡእ ፍርዲ ክረኽቡ ህዝብና
ኣቦይ እዝጊ ቁሩብ ተዓገሰና።

ጀነራላት ኤርትራ ክበዝሑ
ሓቦ ዘይብሎም ፍጹም ዘይረብሑ
ህዝቢ ክሳቔ ንሳቶም ዝሰብሑ
ከም ከብቲ ዝጽመዱ ከም ኣርሑ
ሕልናኦም ሸይጣቶም በሊዖም ዝነብሑ
ኩሉ ተማሂሩ ክጎሪሕ ዘይጎርሑ
ሃገርኩም ኣጥፊእኩሞ ተንስሑ
ጳጳስ ረጊሞም ኣብጽሑ
ሙፍቲ ዱዓ ገሮም ኣብ ጽባሑ።

ዝተማህሩ ኣካዳሚክስ ደቂ ዓድና
መንበሪኹም ኣብ ስደት ምሳና
ማንታ ዝልብኹም ጠላማት ኣሕዋትና
ደቕኹም ይማሃሩ ይድንቁር ሃገርና
መንእሰይ ኩላሊቱ ክሽየጥ ኣብሲና
ኣዋልድ ኤርትራ ብሑጻ ክድፈና
ብበደዊንን ብሱዳንን ክድፈራ እናርኤና
ሱቕ ኢልኩም ሓሶት ትነግሩና
ገኤኹም ገዛ ግዝ ኡ ትብሉና
ገልኹም ሲንጋቦር ኮይና ትብሉና
ብወርቂ ታዕታዕ በለ ኣብ ፈቐዶ ጎደና
ባክሳይት ሓጺን መሊኡ ትብሉና
ዑቑር መርገም ዘይብልኩም ሕልና
ደቂ ሓፋሽ ዘርሞዘርሞ ኣጥፊእኩምልና
ንሓቂ ኣይንፈልጣን እናበልኩም ትነገሩና
ብድኽነት እናተገርፈ ዓደቦና
ሎምስ ተዔሽውዎ የልቦን ኩላትና ለቢምና
ተግባርኩም ተስፋ ኣቕበጻ ዓድና።

መጋረጃ ተቐንጢጡ ኣኺሉ እዋኑ
ይኣኽሎ ህዝብና ዝነብዖ ደኒኑ
ፎርዖን ይዘምር ኣብ ድኻኑ
ተሓቢእካ መገሻ ምስጢርኮይኑ
ደጊም ዘበነ ምስጢር ኣኽቲሙ በኒኑ
ይቐላዕ ይርኤ ዝባንካ ደቢኑ
ኪዶ ንናይዝጊ ሓግዞ በይኑ ኮይንኑ
ፍትሕን ስርዓትን ይንገሱ ይሰስኑ።
ሽጣራ ኣስመራ ተበቲኑ፡ ተበቲኑ፡ተበቲኑ።

ዓወት ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ሰውኣትና ንዘል ኣለም ይዘከሩ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
29 ማዝያ 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...