ንኦሪት ንምምሳል ከም ኢያሱ
ዝስቀል ሰቒሎም ምስ ነገሱ
ናይ ጸሓይ ዑደት ክቕይሱ ….. ምስተንቀሳቐሱ
ኣብኣ ነቒጾም ……. ከይተጣዕሱ
ናብ ልቦም ከይተመልሱ … ብዝሑልን ውዑይን እናተሓመሱ
ሕጂኸ ምስመን’ዮም ክበኣሱ
ኣብ እርጋኖም ሰማይን ምድርን ዘካውሱ።

እሞ ሎምስ ከኣ ንዳግማይ ትንሳአ ኣብ ሰሙኑ
እዞም እንዳ ዝናን ባህታን እንታ’ዮም ዝብሉ?

ንኸደናግሩ ሓሚምና እናበሉ ….. ኣደታት ከሻቕሉ
ከምዘይቀነዩ ተሓቢኦም ከዕልሉ ….. ኣንሻቦም’ዮም ኣርእስቲ ዝቐየሩ?

እሞ ድማ ምስ’ቲ ወዲዮሴፍ ምንኣስ ሓው ዘይብሉ …. ክወዳደሩ
ድዮም? ……. ዳግማይ ትንሳአ ምሰ’ብዓሉ
ኣብ ሳልሰይቲ ሰንበት  ዝተቐልቀሉ።

ኣየ እንዳ ዝናን ባህታን ዝገብሩ
ሕማምን ሞትን ደኣ ንቡር እንዳኣሉ …. መኻውሎ’ኳ ዘይርከበሉ
ይዋኣት’ሲ እቶም ዘይቅረቡሉ።

ግደ ሓቂ ግን ምስ ወዲ ዮሴፍ ካብ ዝከራኸሩ
እንዳ ዝናን ባህታን  …… ምስ ህዝቦም እንተዝመኽሩ
ኣብ’ዛ ዓለም ምኸበሩ ኣብ መወዳእታ ድማ ብዕምባባን ፍዮርን ምተሳእሉ
ብቐሽን ዓለምን ተኸቢቦም …… ብጸናጽልን መጥቅዕን ምተቐብሩ።

እንተ ብዛዕባ ትንስአ ግን እተን ክልተ’ኳ በዚሐን
ንሳተን ንመዋእል ኣብ ዓውደ’ዋርሕ ተሰጢሐን
ደባትርን መማህርን ኣድኪመን ኣሰኪሐን
ንኽንደይ ተመራመርቲ ኣእሚነን ኣፍሪሐን
ክሳብ ሕጂ ብምስጢር’የን ጸኒሐን ክሳብ ዝምለስ ዋንአን
ስለ’ዚ ኣይልብን’ዩ ኣይቀልብን ጽግዕ ምግዕ ኣብ ጥቐአን
ስለዘይትድገም ከምአን።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ
04/28/2011


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...