መጋረጃ ይቅንጠጥ ኣኺሉ መዓልቱ
ኤርትራዊ ይዛረብ መዓጹ ካብ ተኸፍቱ
ክንደሻዕ ኽትሕባእ ኣብ ቀሚሽ ክትኣቱ
የብቅዕ ናይ ብርዒ ይቀላዕ ኣስማቱ፡

ኣሰየ ኣሰና ኣስማዓኒ ጥዑም ወረ
ኣንታ ክንደይ ጥዑም ወለላ መዓረ
ሓድሽ ንፋስ ብባሕሪ ዝተሰገረ
ፎርዖን ያኢ ኣብ ዱባይ ሓደረ
ኣንታ ክንደይ ይነፍዕ ነዚ ዝሓበረ
ሽሙ ይረኸብ ነዚ ዘበሰረ
ኣማኑኤል ጅግና ብዓልስረ፡፡

ወዲ ኣፎም ወዲ እምበይተይ መድሂነ
እንታይ እዩ ዝበሃል ዘለ ሎሚ ቕነ
ሓቂ ድዩ ኣእዛነይ ዝሰምዖ ነይሰኣነ
ንኽኣምኖ ኣሸጊሩኒ ርእሰይውን ደነነ
ኣንታ እንትይ ኣስማዕኩምኒ ሎሚ ቕነ

ኣሳሪ ፋረ ኣንበሳዶ ዘይተባህለ
ወዲ ሓርስ ነብሪ ዶ ዘይተባህለ
ንዓኻ ዝወለድት ማህጸንዶ ዘይተባህለ
ልዕሊ ስድራ ዶ ዘይለዓለ
ልዕሊ ፈጣር ምበር ክብ ክብበለ
ልዕሊ ሓዳርዶ ዘይተሰቕለ
ንምስክር ኣንስበሳ ተኩሱ ከይቀተለ
ዝበልካዩ ይኹን እናተባህለ
ዓመታት ሓሊፎም ብዘይ ፈዳይ ሕነ
ጎበዝ ኤርትራ ብስንክኻ ርእሱ ኣድነነ

ኣዴ ኤርትራ ርእሳ ተጛዕሚማ
ናታ ከይኣኽላ ጛላ ተደርሚማ
መዓስ ኣቡኡ ተወዲኡ ጛልጛላ ተድጊማ
ኤርትራዊት ኣደ ሓዘን ኮይኑ ሸኽማ
ንዓኻ ክትሰምዕ ኣእዛና ጸሚማ
ሓሶት ተዲሪራ ሲኢናቶ! እቲ ግርማ
ክንዲ ዘስነቀት ብበትሪ ተደርዒማ
ውሒዱኒ እንተበለት ሕንቃቐ ተሰሊማ
ዕበየለይ ንገሰለይ ናይ ዝበለት ስኢናቶ ጻማ

ገዛኣ ጸሚዩ ወላድ መኻን ኮይና
ፍቕሪ ደቃ ጠምዩዋ ኣብጸምጸም በይና
ደቃ ኣጥፊኣቶም ትበኪ ደኒና
መዛርብቲ ነይብላ ሰማዒ ስኢና
ደንቢኣ ፈራሪሱ ተደጊሙ እቲ ኻና
እዚ ኹሉ ንፈርዖን ኣሚና
እዚ ኹሉ ንኢሳያስ ኣሚና።

እንታይ እየ ሰሚዔ ሎሚቕነ
ፎርዖን ያኢ ሓገዝዶ ለመነ
ኣንታ እዚ ዕቡይ ኢዱዶ ሰኣነ
መዘኽተም ህጻናት ብዓልቅነ
ጀግና ስንኩል ብኣኻ ደነነ
ወዘሪት ኤርትራ ኮይና ማእምነ
ጎበዝ ሃገርና ካባኻ በነነ
ኣብ ማእሰርቲ ክንደይ ተኻዘነ
ክንደይና ክንቖጽሮ ብኣኻ ዝሓዘነ
ምሁር ርዒዱ ኣእምሮኡ ምስ ማሰነ
ሓሶት ተዛሪቡ ፈዚዙ ብልቡ ቃዘነ።

ኣቕኒዑ ከይከይድ ርእሱ ምስ ደነነ
ብዓል ንብረት ንብረቱ መኸነ
መርዓዊ መርዓቱ ሰኣነ
ሕጽይቲ ሕጹያ ተድጙነ
ወላዲ ዉላዱ ሰኣነ
ወላድ መኻን ኮነ ሓዘነ ቓዘነ
ሃገርና ጌርካያ ኣይሓምለ ኣይሰነ።

ይቀላዕ መጋረጃ ንዛረብ ብሃገርና
ይኣኽለና ዝበኸናዮዶ ምኣስ ውሒዱና
ንዛረብ ደቂ ኣደይ ሓደ ከይፈርሕና
ንዘርዝሮ ዝሓለፈ ምረት ናይ ውሽጥና
የብቅዕ ይኣክል ማንታ ዝልብና
ንዛረብ ኩላትና ተኸባቢርና
እቲ ምንታይ ክነብር ኮሪዕና
ጭዋ ባህሊ እኮ ኣለዎ ሃገርና
ንድለዮ ዳምዳም ኢልና ኩላትና
ፍቕርን ስሓቕን ጠፊኡዎ ዓድና
ሳላ ፎርዖን ዘኽቲሙ ልብና
ምትእምማን ጠፊእዎ ገዛውትና
ጥርጠራ ሰፊሩ ኣብ ቀልብና
ብትብዓት ንቀራረብ ፍርሒ ኣጥፊእና
ቅንዕና እዩ ሓይሊ ዝኾነና፡፡

ይቀንጠጥ መጋርጃ ይገለጽ ልብና
ንቀረብ ካብ ሕጂ ንጽባሕ ከይበልና
ፎርዖን ኣይምለስን ሰጊሩ መንቀና
ኣብ መሮር ሓዲሩዩ ኣርሒቑ ጠፊኡልና
ንሕሰብ ግዜ ከይነውሔ ተቐላጢፍና
ብዓል ሓርገጽ ኣለዉኮ ኣብ ማእከልና
ፎርዖን ዘዕበዮም ተኻሉ ኣለሊና
ከይንግራህ ደቂ ሃገር ንርገጽ ኣጽኒዕና
ዝፈላሊ የብልናን ክላትና ኣሕዋቲና
ከበሳ ኮነ ቖላታት ሃገርና
ክርስትያን ኮነ ኣስላማይና ዓድና
ዓፋር ናራ ኮነ ኩናማና ህዝብና
ጀበርቲ ቢለን እንተሎ ሳሆና
ሰፊሕ መሬትዩ ሃገር ኣሎና
ዝደለኻዮ ዜፍሪ ማሕረስ ሓሪስና
ሓጺን መጺን ኣውራቕ ዝሃብትና
ወደባትና ንኽፈቶ ዕርቂ ጌርና
ጎረባብትና ኩላቶም ኣሕዋትና
ዓዓድና ሒዝና መመሬትና
ንንገድ ኩላትና ሓቢርና።

ንትምህርቲ ንበገስ ነጥፍእ ድንቑርና
ዝተማህረ ህዝቢ ዝደኸየ ነይራኣና
ድንቁርናዩ እቲ ዓቢ ጸላኢና
የጽንዕ ተመሃራይ ፈላጥ ክኾነልና
ይንገዱ ነጋዶ ይስገሩ ዶባትና
መራኽብ ይሓምሕማ ኣብ ባሕርና
ዓስታት ፍርያት ደሰታት ንብረትና።

ይቕንጠጥ መጋርጃ እዚ ኸዋሊና
ኣርሒቕና ንጠምት ዓቢ ንእሽቶና
ንዛርብ ናይ ጽባሕ ሓቢርና መኺርና
ኣደልዲልና ንርኤ ዓፍፍራ ከይረገጽና
ንካታዕ ክኽፈት ኣእምሮና
ድሕሪ ኢሳያስ ክንነብር ሓቢርና
ይኣኽለና ብዙሕ ኢናኮኮ! በኺና
ዕርቂ ይስፈር ኣብ ኩሉ ልብና
ሰናይ ዘበን ይድበን ደበነ ሰማይና
ክዘንብ መንፈስ ቅዱስ ክወርደልና
ሽሻይ መሊኡዩ ፍቐሪ ሒዝና
ሽግርና ክውዳእ ኣብ ዋግዋጎ በጺሕና
ክበርህ ጀሚሩ ጸሓይ በሪቑልና
ህጻናት ይዘምሩ ዕንበባታት ሃገርና።።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ስዉኣትና ንዘልኣለም ይዘከሩ

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣሜሪካ
23 ማዝያ 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...