Early Birds

ነዊሕ’ዩ ጌሩ እዝነይ ካብ ዝኾርዕ
ወጊሑ ድዩ’ታ ጩቕጭቕታ ዝሰምዕ
እስኪ ኣቱም ናእሽቱ ውጽኡ ንገደና
ኣትየን ከይህልዋ’ዘን ኣዕዋፍ ዓድና
ኣዕዋፍ ሃገርይ ብስራት ዘይሓልፈን
ቖጽሊ ኣውሊዕ ከይህሉ ተቀርቂሩ ኣብኣፈን
በዚ ሓደ እዝነይ ሰሚዔ’የ ወረ
ተንስእ ኣንታ ጭቑን ቀርቦ ዝማረ
ናይ ክልተ- ሺሕ ዘመን ወርቃዊ  ቢተይ
ተገምቢዩ ኢሎማ ኣርሒቁ ካብ ቤተይ
ሓሶት እንተበሉ እቶም ዝመሽመሹ
ሓቦ እንተኣሊዮውም ምስኡ ይግሹ
እዚ ኹሉ ንሕና ንስኻ፡ ንስኻ ንሕና
መጋይሽቱ ኩኑ’ምበር በጻሕትስ ኣለና

መረጸ ኣስመላሽ
April 23, 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...