ሕጂዶ ንበል ኡይ - ተገቲርና ዓውዓው
ኩሉ ምስተሐርደ - በብተራ ከም ላም
ኩሉ ምስ ተነጽገ - ሃገራዊ ሰላም
ብዓሌት ኣውራጃ - ፈላሊኻ ምጥላም
ሽግር ናይ ትማሊ - ከይኮነ ፍጹም ሓራም
ንጽባሕ ትውልዲ - የፍርሕ ከይላሓም።

ትማሊ ዝተዘርአ - ክፉእ ምፍልላይ
ሎሚ ንሓፍሶ - ብሕቡእ ከይንርኣይ
ጽባሕ ንዝርግሖ - ንሃገራውያን ንጽሃት
ስልጣን እዕቢዱ - ከነጥፍእ መንእስያት
ስኣን ሲኒት ሒዛና - ንጋዓዝ ብሕብረት
ንድሕሪት ንሳለ - ዓለምና ንቕድሚት።

ብሃይማኖት ኣቲኻ - ህዝቢ ምፍልላይ
ንሬሳ ወዲ ሰብ - ኒዒቃ ምድርባይ
ሕማም ናይ ገፋዕቲ - ኣየስትን’ዩ ማይ
ደም ህዝቦም እንዳመጸዩ - ይመርጹ ምቕናይ
ሰዓብቶም ይገዱ - ንዝድርብዮም ምጽላይ
ካብ ሕሉፍ ዘይመሃሩ - ሃገሮም ንምዕባይ
ህዝብስ ቀቢጹ’ዩ - ካብ ኣቶም ምጽባይ።

ኣብ ስደት ኮይንካ - ኣብ ርሑስ ጠለል
ባንዲራ ሃገር ተዓጢካ - ምስሳዕ ምድባል
ባንዲራ ሃገር ተወንዚፍካ - ፈታዊኣ ክትመስል
ብቪድዮ ክትቅረጽ - ክትጋየይ ክትዘልል
ስስዐ ዘይገብሮ የለን - ትልፍልፍ ትህልል
ብሽግር ሃገርካ - ክትሽቅጥ መዋእል
ከይፍለጥ ተንኮልካ - ብኽፍኣት ዕንኪሊል።

ብግዱዳት መንእስያት - ዶላር ከተዋህልል
ኣብ ደገ ወጻኢ - ክተሽርፍ ክትምውል
ባንዲራ ተዓጢቕካ - ንይምሰል ትዘልል
ስዓት ነቁዩ’ዩ - ደቂስካ ከይትሓልም
ኣውያት ናይ ውጹዓት - ከዘኻኽር ግድን
ብደም ዝጠልቀየ ዶላር -
-    መተርኣስ ከምዘይኸውን።

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና 04/15/2012 “


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...