“ኤሎሀ-ኤሎሀ፡ ላማ ሰበክታኒ”! ጸሎተይ ሰሚሩ ሕጅስ ሰሚዕካኒ!
ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ተመንየካ’ንድየ ብለይቲ ብኣውሊ
ተቐልቂልካ’ምበኣር ጀሚርካ ፍትሊ
ክትንቁ ሰሚዐ ብላዕላይ ብታሕታይ
ተበጊስካ’ምበኣር መተካእታ ተስታይ

ወርሒ ድያ ደሚቓ ጽሓ’ዩ በሪቑ
ሰንሰለት ዕጣቑ ዘይብተኽ መሽቀቑ
ከምኡ ኢና ጌርና ዘብ-ዘብ ኣርኪብናዮም
ተመለሱ ክብሉ እምብለይ ኢልናዮም

ኣንታ ዋሕስ ድጊ ውሕስነት ሃገሩ
ሰልቲ ናይ መስኖና ልምጽምጽ ግንባሩ
ወለሽ ሳዕሪ ድሙ ዘፈርፈር ጐተና
እልል በላ በለን ንመጽእ ኣለና

ኣንጸርጺርካ እንዲኻ ልብኻ ነዲዱ
ማህጸን ኣዴታትካ ንሓራጅ ወሪዱ
ናይታ ለዋህ ኣደ ናይታ ዝሓምበሸት
ሓቂ መሲሉዋ ጐደና ሓርነት

እንተ ክትዛረብ ተወዲብካ ፈክር
ንሱ’ዩ ‘ቲ ምስጢር መለኽቲ ዘባህርር
መንፊት ኣይትረስዕ ጸጸር ከይሰልኰና
ኣብዘይኣትዎ ‘ይብሉን ናይ ህግደፍ ከኒና

ኣተኣሳስሮ ምስ ታሪኽ ቃልስኻ
ካብ ዘየሎ ‘ይኰንካን ትጅምር ዘለኻ
ብሃር ዝደኸመ ኣቦ ‘ለካ ዓቢ
ዓይኒ ማይ ፍለጦ በይንኻ ‘ይትዘምቢ

ክላ ድሕሪ ደጊም ይትረፍ ሃበስ ቀደስ
ዑበል ሰቲ መረብ ወፈር ተመላለስ
ቦ ግዜ ለኩሉ ብዓል ሸለብ-ገለብ
መንእሰይ ኣርኪቡ ብቕልጽም ዝዛረብ

ዓይንኻ ጠማቲ እዝንኻ ሰማዒ
ንታሪኽ ዝተርፍ ክትምዝግብ’ያ ብርዒ
ዋልታ ናይ ውጹዓት ፍረ’ዛ ጸጋይት
ዘይነጽፍ ማህጸና ወላድ ኤሪትራዊት

አንታ ውልዶ ሰዊት ለይለይ ሳዕሪ ደንደስ
ጋልብ ብዳንጋኻ ‘ታይ ዝዓብስ ፈረስ
ንገሮም ንህግደፍ መልእኽተይ ኣንብቡ
እሱራተይ ፍትሑ ሬሳኹም ኣክቡ

ይኣኽለኩም በሎም ንውጹዓት ምህሳይ
ክርድኡ መታን ሓረግ ቃልሲ ዋርሳይ
ኣበስር ህዝብኻ ደጊም ተሰራሰር
ታሪኽ ሂቡካ’ምበር መንእሰይዶ ‘እሰር!

ድምጽኹም ሰሚዖም ኰይኑ መጺኦምዶ?
ሸበድ-በድ ኣብዚሖም ምድረ-በጋሚንዶ
ኣእዛኖም ወዲቑ ኣብቲ ማርቻ ፔዲ
ናይ ሓሳዊ መግደፍ ዝለመደት ከብዲ

መሬት ጠሊማቶም ህግደፍ ጒድ ሰሚዕና
ዋርድያ ዝበዝሑ ካብቶም እሱራትና
ስግንጢር ልማዶም እንዳ መን ኣመኖ
ዘይበደለ ‘እሰር ዝበደለ ‘ፍኖ

ኣለኻዶ ክብል ኣነ ወግሐ-ጸብሐ
ደድሰራሕክዎ እንዳተፈንጠሐ
ደንጒኻና እንዲኻ መሪሩ ዘበኑ
‘ታይ ተሪፉና ድዩ እቶ-እቶ ኰይኑ!

ንኺድ ንብል’ሞ ጅምር ፍሕት-ፍሕት
ከም ቀርኒ ናይ ኣጣል ንድሕሪት ንጥምት
መዋእል ሓሊፉ ክንፍንጣሕ ክንእከብ
ብዓወት ዛዚምና ንሳ’ያ ትንበብ

ምዃን ኣይሓመቕናን ሒዝናያ ጸኒሕና
ጒዳመኛ ገመድ ከይተበትከትና
‘ቶም ዘፋነናዮም እንተ ዝምለሱ
በሉ ንቀያየር ኢሎም ምኸሰሱ

ንሱ’ዩ ዓቕምና እንካ ተረከቦ
ታሪኽ ኣቦታትካ ብግቡእ ኣንብቦ
ኣሽሓት ከፊልና ገዛእቲ ክጸድፉ
ዕዳ ደሞክራሲ ንዓኻ ተሪፉ

ኣበይከ ክእቶ ግዜ ዝፈረዶ
ካባኻ ‘ይሓልፍን’ዩ ምዓንጥኡ ማእዶ
ከይምርሽ ምሳኻ ከምቲ ናይ ቀደመይ
ተወላዊለ ‘ንድየ ጠርጢረያ ብርከይ

ክብጻሕ’ዩ ኩሉ ኣጆኹም ጀጋኑ
እርድኣና’ዩ ቋሕ-ሰም ምዓስ ኰይኑ
ኣይ ኰነን ኤርትራ ናይ ትማሊ ዕሸል
ዘመናት ዘሕለፋ ይብላ ‘ለዋ ኰለል

ህግደፋዊ ስርዓት መደበር ኣበሳ
ምሃያ ከድዓት ጥርዝያ ንሬሳ
ብኢዱ ዝጅምር ተናኻሲ ከልቢ
ተዓዘብ ምንእሰይ ናይ መለኽቲ ረቢ

ጀጋኑ ኣቦታትኩም ኣነ ‘ሓልፍ ይብሉ
ህግደፋውያን ክኣ ኣሕዋቶም ይቐትሉ
ዝፈረደ ይፍረድ ብሕጊ ብስርዓት
ከምኡ’ዩ ዝንበብ ደብተር ናይ ውጹዓት

ቃርሳ ናይ መለኽቲ ኣብ ገደል ቍርቍስ
ምጽዳፉ ነይተርፎ ኣብ ገምገም ዝድቅስ
መንእሰይ ነቒሉ ሸቲት መተርኣሱ
እንታይ ክደርፉ’ዮም ብዓል ንሱ-ንሱ

ዋላ ትጽበብ እምበር ከም መንገዲ ጻጸ
ኣበይ ከየምልጥ ሓፋሽ ዝረገጸ
እንቋዕ ኣርከብካለይ ተመንየካ’ንድየ
ደጊም ኣይጠፍእ’ንዩ ናይ ቃልስና ሆየ

ሳዕስዕ ይከኣሎ መንእሰይ ተኪእካ
መሰነይታ ዘንጊ ኣብ ኢድካ ዓቲርካ
ኩሉ ብጠጠውካ ስብራ ሽማግለ
እንታይሲ ክግበር ስዓት ምስ ኣኸለ

ቀርኒ ላም ዝፈሊ ብጥይቱ - ሰርቢ ማይ ምስላ ‘ቦታቱ
ኣርክብ! መዛኑኻ ወድብ - መክት! ጸላእትኻ ከትክት
ረ.ክ.(ባሻይ)

24-02-2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...