ኣንታ ወለ’ዝጊ ኣለኻዶ ብሓቂ
ምናልባት እንተጥዒሙካ
ይብርትዓና’ሎ’ሞ ፖለቲካ
ክንምህለልዶ ዳግማይ ምጽኣትካ
እንታይ ይመስለካ!

እብለካ’ለኹ ብኡነት
ብተስፋ ብእምነት
እነተተረኺቡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት
ካብ ስደት ካብ ውርደት
ክንፍትንዶ ክንሃርም መለኸት
ከነዕርግ ጸሎት
ድምጽና እንተተሰምዐት
ኣብ ሰማያት ኣብ ገነት።

ወለ’ዝጊ ኣለካዶ ደሃይ
ናይ’ዚ ኹሉ ዘሎ ስቓይ
ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ
ተሳኢኑ ከምዘሎ ዘራይ።

ትዝ ኣይብለካን ወለ’ዝጊ
ቲ’ዓሚ ዓሚ ክትከውን መድሓኒ
ተወጢሕካ ኣድጊ
ምስኣተኻ ዓዲ
ከተበስር ለውጢ ተመርኲስካ ዘንጊ
ክትውጥሮም ነቶም ሊቃውንቲ  ሕጊ
ኣየ! ሽዑ ዝነበረ ወግዒ።

ኣቤት በል ተረኺቡ ዘሎ ሎሚ
ወረ ኽን’በካ ወለዝጊ
ድሕሪ’ቲ ኹሉ ዘሕለፍካዮ ሃልኪ
ወያ ዝተኸልካያ ዓንዲ ዝገደፍካያ ቐልቢ
ከምዘይበቕዐት መዕቆቢ።

በልስ’ኪ!
ብድድ እንተትብል ካብ’ታ ዘለኻያ ዘውዲ
ምረአኻ ኔርካ ጥራይ ጉርደ ምርዲ
ሽዑ መሕጸርካዮ መዓልቲ ፍርዲ።

ሕራይ’ምበኣር ወለ’ዝጊ
ደሃይ ግብሪ’ኻ ኣይትደንጒ።

ምናልባት ግን ቀልጢፍካ ክትምለስ እንተወሲንካ
ምእንቲ ኽንቅበለካ ሓብረና ኣቐዲምካ
ከም ቀደም ከይመስለካ።

እዛ ዝብለካ ትኹንካ መለበሚ
ደሓር ከይተዕነኒ።

ተማላእ ሓለንጊ
ኣይኣኽለካን’ዩ ዘንጊ
ዓዲ ተወሪሱ’ዩ ብጸይቂ።

ሕራይ’ምበኣር ወለ’ዝጊ
ደሃይ ግብሪ’ኻ ኣይትደንጒ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ (02/12/12)