ሰኑይ ርእየያ
ኣብ ምፍላሙ ሰሙን
ከይትጅምር ብህድኣት
ዘይኣመላ ሓንጊዳ
ህውከት ዕግርግር
ግፋ ተራእዩዋ
ምሽባር መንእሰይ
ጌራቶ ስራሓ

‘ንተበልኩ ትሓይሽ
ገዲዳ’ታ ሰሉስ
ናይ ኣዴታት ብኽያት
መሲሉዋ ሙዚቃ
ትዘናጋዕ ኣስተርሕያ
ተኺላ ጓይላ

ናይ ረቡዕ ንበይኑ
ምእሳር ሓዊሳትሉ
ክሲ’ብሉ ፍርዲ
ዳጒና ህዝቢ
ወጊና ምስ ዓማጺ 
ተቐያይማ ምስ ፍትሒ

ሓሙስ’ውን ኣይሓዘነትን
ኣብ ክንዲ ትብል ዓገብ
ተቐቢላ ካብ ረቡዕ
ንጹሃን መንእሰያት
ኣብቲ ቤት መቑሕ
ኣቢላቶም ኣሕቅቕ


ኣርባዕቲአን ሓንጊደን
ዓማጺ ምግልጋል
ከም ቁምነገር ቆጺረን
ይብላ በቃ ሸበድበድ

ዓርቢ ግና ለቢማ
ምስ ውጹዓት ወጊና
ወጽዓ ህዝቢ
የእትዩላ ጓሂ
ከልበትበት ገዲፋ
ህውከት ኣወጊዳ
በቃ ሰጥ!
ስቕ…….ህድኣት
ምጽማው ከተማታት
ከም ኣርማ ቆጺራ

መርኣያ ሓዘና
ጽምዋ መሪጻ
እወ ነቲ ውጹዕ
ክትህብ ኢላ ተስፋ
መርኣያ ስምረት
ንናይ ጽባሕ ዓወት
ንስለ ቀዳመ ሰንበት
ኮይና ገንሸል

ስብሃት ገ
ለካቲት 8-2012