ኣብ ኖርወይ ተመስሪታ ሓዳሰ ማሕበረ ሰብ
ካብ ፖለቲካ ነጻ ዝኾነት ንኹሉ ትስብስብ
ባህልናን ንድሕነት መንእሰያትናን ክትሓስብ
28/01/2012 ፈስቲቫል ጸዊዓ ደቃ ክትእክብ

ምስ ኣሕዋቶም ኣሓቶም ኣቐዲሞም ክላለዩ
ሓቢሮም ክመያየጡ ምእንተ ህዝቦም ክዓዩ
ህግደፍ መሰኽላባቶም ዘባላሸውዎ ከዐርዩ
ይኣኽለካ ወጊሑዩ ደርሆ ጽባሕና ኖቍዩ
ሕጅስ ንዓደይ የብለኒሎ ክብሉዮም ዘምሰዩ

ኳይላ ተጀመረ መመረቕታ ሓዳስ ማሕበርና
መግለጫ ተሳኢንዎ ሕለሚ ድዩ ጋህዲ ጠፊኡና
ዓሰለ መንእሰይ ብየማነ ጸጋም ሻሕሉ ከቢቡና
ከምዝስ የለን ፍስሃ ወሰላምዩ ዝተሰማዓና
ነዚኦም ምስ ራአናስ ተበራቢሩ ፍናንና

ካብ ትሮንድሃይም ዋሓዙ ዑቑራት ሓይሊ
ሕጂዩ እዋኑ መን ምኳኑ ጸላኢኡ ከለሊ  
ዋሓዙ ድማ ካብ ከባቢ ኦስሎ ብዕሊ
ካብ ሽወደንውን ነይረሙና ሓደ ሓይሊ

ነጻ ማሕበረሰብ ኤሪትራውያን ኣብ ኦስሎ
ዝኣክል መሪቕና ሓሊፍና ታይና ክንብሎ
ጡርኑፋት ሓይሊ ኮርዒዳ ሽማግለ ኦስሎ
ቀዳም ምሸት ኣምሲልኩማ ንህቢ ዝዓሰሎ
ንህግደፍ ርእሱ ኣሕቢጥኩሞ ክሳብ ዝኣኽሎ

ኣስደሚሙና ምስ ረአና መንእሰይ ክዕጠቑ
ደጊም ዓወትና ኣኺሉዩ ጸሓይና በሪቑ
ተሪፍኩም ዘለኹም ቅሮቡና ካባና ኣይትርሓቑ
ምስ ህግደፍ ኣይትመራስሑ ሞያኹም ኣጸብቑ

ኣይሰማዕካን ዲኻ መቕዘፍቲ ናይ ሲናይ
ኮላሊቱ ተጠቢሑ ዝሽየጥ ዘሎ ከም ብዕራይ
ዕድሉ ከፊኡ ድሕረኻ ዝኾነ ሕሰም ግዳይ
እዚውን ይሓልፍ እናለ ሂወቱ ዘጥፍኣ ኣብሲናይ
ሕጂእውየሉ ከይትሓፍር ከይትጣዓስ ዳሕራይ

ካራን ሴፍን ስሒሎም ኣብ ሲናይ ዝዓረዱ
መሻርኽቲ ህግደፍ ጨካናት ሰብ ዝሓርዱ
ኮላሊት ሰብ ሸይጦም ገንዘብ ዘዋልዱ
ደም ሰብ እንተዘየፍሰሱ ዝሓሙ ዝዓብዱ
ከምዚኦምዮም የዕሩኽ ህግደፋይ ኣይግዱ

ነጻ ማሕበረ ሰብ ኤሪትራውያን ተተኺሉ
ብቆራጻት ኣባላታ ካብ ሓቂ ነቕ ዘይብሉ
ብትባዓት ዝተንስኡ ንህግደፍ ከፈሽሉ
ኣፍ ልቦም ገቲሮም ሸለብገልብ ዘይበሉ
ደቂ ሓራስ ነብሪ ዕድመ ሃብኩም ደውበሉ

ንቕድሚት ነጻ ማሕበረ ሰብ ኦስሎ   
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
31/01/2012 Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...