እቲ ጉባኤ ጉቡኡ ፈጺሙ
ሓሚቑ ጸቢቑ ተዛዚሙ
ንዓኹም መሪጾም ተደምዲሙ
ከም ደቂእነ ብሓደ ዕመሙ
ብስምምዕ ንቕድሚት ሰጉሙ
ተጠንቀቑ ሰብ ከይተቐይሙ
ከይሓሚኹም ምሰናይ ቀመሙ።

ሓሚቑ ጸቢቑ ጉባኤ ሓሊፉ
እቲ ስራሕ ጊደኹም ተሪፉ
ነቲ ህዝቢ ብሓደ ጠርንፉ
ወገነይ ወገንካ ከይትሃርፉ
ሓፋሽ ክሰዕበኩም ተገፊፉ
ዲሞክራሲ ህዝብና ሃሪፉ
ተነፊዕኩም ታሪኽኩም ትገድፉ።

ከይመስለኩም ዝዓበየ ሽመት
ዓቢ ስራሕ‘ዩ ኣይኮነን መዝነት
ጓሶት ሓፋሽ ኢኹም ክትኮኑዎ ድሕነት
ሓደ ኣካል ኩኑ ብሕውነት
ክትምስገኑ ብህዝቢ ብእምነት
ኣድሕንዎ ካብ ስውር ባርነት
ተነፊዕኩም ክትኮኑ ኣብነት።

ተቐበሉ ክብለኩም ሓደራ
ረኣይዎ ሽግር ናይ ኤርትራ
ኣደ ጎበዝ ኣርባዕተ ቀቢራ
ኣፍልባ ትወቅዕ ኣንጸርጺራ
ተመስግኖ ነቲ ሕማቕ ናብራ
መንግስትና ትብል ኣንቃዕሪራ
ብውሽጣ ግን ኣምዑታ ሓሪራ።

ኣስማት ወይ ጭርሖ ክራቐቑ
መለመኒ ገንዘብ ክጥይቑ
ምእንቲ ንህዝቢ ከጨንቑ
እቲ ሓፋሽ ትዕዝብቱ ጸንቂቑ
ንመን ከምዝነግሮ ተጨኒቑ
ተኾምቲሩ ከም በረድ ሓቒቑ።

ዓመት ዓመት ገንዘብ ከደንፍዑ
መመሪጾም ኣስማት ይጽውዑ
ደረፍቲ ሰዲዶም ይስዕስዑ
ንምሸቱ ገንዘብ ይስልዑ
እቲ ዘይመጸ ይብሉዎ ከዲዑ።

ሓዳሽ ጭርሖ ኣላ ተወሊዳ
ተጠሚቓ እንቢ ንእገዳ
ኣየ ህዝቢ ሽግር ዝወረዳ
መኸተ ወዲኣ ነዚ ተፈሪዳ
ክትፍጽሞ ኣሎዋ ዝወረዳ
መደምደምታ ዘይርከቦ ዕዳ
ዘይጨረሔ ይብልዎ ኪሒዳ።

ኣነ ክነግረኩም መጨረሽታ
ንህዝብኹም ኣርግጽዎ ባይታ
ንክነብር ብሰላም ብደስታ
ህዝቢ ክትመጻኩም ተጎቲታ
መገዲ ሃብዋ ሓቤሬታ
ንሰማማዕ ንግደፎ ሕሜታ
ህዝብና ደኺሙ ብሃንቀውታ።

ክንድሺሕ ገብረዝጊ
ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጀርመን