Cause       عاوز

እደሊ ሰላም ኣብ ሃገረይ
ክነብር ምእንቲ ምስ ህዝበይ
እደሊ ኣማን ኣብ ኣደይ
ክነብር ቀሲነ ምስ ወለዲ ኣዝማደይ
እደሊ ነጻነት ኣብ መሬተይ
ናጽነት ክብረት ስለዝኾነ እድመይ።

እደሊ ክርኢ ኣሕዋት ተመሊሶም
እደሊ ክዞሮም ኣኣብ ገዛውቶም
እደሊ ክምሳሕ ኣብ ኣውደ ኣመቶም
እደሊ ክድረር ኣብ ኢዶም ኣብ ቤቶም።

እደሊ ክኸይድ ናብ ቁርኣንና መስጊድና
እታ ካብ ገዛና ንላእሊ ትናፍቐና
እታ መሰረት ህይወትና ዋሕስ መጻኢና
ብኣኣ ተሰሪትና ብኣኣ ዝቖምና።

እደሊ ክኸይድ ናብ ቤተክርስትያን
እታ ከም ባባ ኣጠላህ ሓና ንሪአላን
ኣይትስተ ኣይትስከር ዝበሃለላን
እታ ጽቡቕ ምኽሪ ልቦና ዝስመኣላን።

እደሊ ክኸይድ ናብ ቤት ትምህርተይ
ክዝክር ህይወተይ ጊዜ ንእስነተይ
ክዝክር ኣእሩኽተይ መተኣብይተይ
ክረኽቦም መማህራነይ እቶም ወለደይ።

እደሊ ክሽትት ኩርሽ ቤት ትምህርትና
ዶክተራት ሓካዮም እሱ'ዩ ፈውስኹም ኢሎምና
ገለ እንተሓሚምና ገለ እንተሒዙና፡
ሓቆም'ዮም ከም ዝኽሪ የለን ዘሕውየና
እሱ ስለዝኾነ ዝኽርና እሱ ታሪኽና።

እድሊ ክኸይድ ናብ ድራማ
እደሊ ክርኢ ፊልም ኣብ ሲነማ
ሓራም'ዩ ኣይትበሉ እንተለዎ እላማ
ቁምነገር እንተለዎ ማሕበራዊ እመማ።

እደሊ ክኸይድ ቺቸሮ
ክርኢ ጋንታና ስኢሩ መን ኣሎ ዝስእሮ
ጋንታና ዝገብሮ መን ይኽእሎ መን ይገብሮ
ቲፎዞ ተሓጉሱ ዝወርድ ክሑንጉሮ።

እደሊ ክኸይድ ናብ ሃገረሰብ
ክሃድም ካብ ናይ ከተማ ክትመት ሓሳብ
ክምገብ ምኡዝ መግቢ ክሰቲ ሓሊብ
ትኡም ንፋስ ከተንፍስ ትእና ክረክብ።

እደሊ ክኸይድ ናብ ስድራ ስዉኣት
ክዝክር ምእንቲ ናጽነት ከመይ ከምዝመጸት
ክፈልጥ ክርዳእ ብበኣል መን ከም ዝመጸት
ክበጽሕ ስድራ ጀጋኑ ስድራ ክብረት።

እደሊ ክበጽሕ ናብ ኣካለ ስንኩላን
ስኩጆኹም ዘቕንኣኒ ምስክር'ዩ ልሳን
ስኩጆኹም ምስክር ናጽነት ወግኣዊ ልሳን
ኣነ ግን ነብሰይ ሽኮርያ ሰውነት ብኡሳን።

እደሊ ክበጽሕ ናብ ቀበሌ ከፍቴና
ክነግሮ ከመይ ከምዝነበረ እዚ ወሬና ጉቤና
ኣድና ክንገይሽ ይሕለፍ እናበለ ዘትከኸና
ብዘይ ሃረጣ ዘይሰርሕ ቶካቶ ጉቤና።


Awwal Care As-hama


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...