ልደተ-ጥምቀት
ቅነ ኣውደኣመት
ምስ’ቲ ኹሉ ጸሎት
ንስራሕ ንጽሬት
ብዝነበረ ሸበድበድ
ኣስመራ ናይ ቀደም
ሎሚ እንተተዘከረት!

ሓተላ ዘለዋ ግለት
ቆርበት ዘለዋ ቖርበት
እና’ተባህለ ብሕምቶ ብዱለት
መጋርያ ምስማሞቐት
ዕዳጋ ምስዓመረት
ዝነበረ ክብረት፡

ሎሚ እንተተናፈቐት
ካብ ማይ ተመናይ ክሳብ ገጀረት
ካብ ጸጸራት ክሳብ ማይ ጥምቀት
ካብ ጎዳየፍ ክሳብ ዓዲ ስሄል
ካብ ፓራዲዞ ክሳብ ሓሊበት
ካ’በኽራይ ክሳብ ሰምበል
ልክዕ ከም’ዛ ደወል፡

መስሓል ካራ!
ዝብል ስምዕታ፡
ኣንጎሎ ብኣንጎሎ
ፈርኔሎ
ብላይ ኮንጎ
ድኒሽ ፖሚዶሮ
ደርሆ ምሰ’ንቋቑሖ
ካብ ካንቸሎ ናብ ካንቸሎ
ድምጺ ዕዳጋ ከቃልሖ
ከምብሓዲሽ እንተንሰምዖ፡

ቤላ ሮባ
ብዓካት ብጋባ
መኾስተር እስኮፓ
ኣብ ዓንቀጽ ኣብ ቀረባ
ይብሉ ከምዝነበሩ መርሓባ፡

ዶልሺ ምስ ጀላቶ
ኣብ ኮምቢሽታቶ
ኪኖ’ታ ቤትሮ
መሊኡ ዕትሮ
ክጽበ ዓዳጎ
እንተንዝክሮ፡

ዙርያ ምስ ጥልፊ
ዒላም ምስ ኩሕሊ
ዱባ ምስ ዙኲኒ
ተሰሪዖም ማዕረ ባኒ
ማዕጾ-ማዕጾ ክብሉ ዓድጉኒ
ሕጂ ድማ እንተዝብሉ ኣይትረስዑኒ!

በታ ብሽክለታ
ዘይብላ መሰታ!

እዚ ኹሉ ምስተሰከመት
ተደፊኣ ትድይብ ናይ ሓዝሓዝ ዓቐበት
ተቐይዳ ትወርድ ናይ ጸጸራት ቁልቁለት።

ከም’ዚ’ናበለት ዝነበረት ሂወት
ከም’ዛ ሕጂ ብእንዳ ዝናን ባህታን ከይተዳህለት
ቁልዕነት ሓዲሽ ክዳን ምስተኸድነት
ብተስፋ ከተማዕዱ ንንእስነት።

ንእስነት
ከም’ዛ ሎሚ ብመንቀሳቐሲ ወረቐት
ፍሕት ስኢና ከይተቐየደት
ብናጻ ኣገልግሎት ብባርነት
ድቃስ ስኢና ከይሓደረት
ብጠመንጃ ከይተለለት
ናብ ሙሉእ ዓለም ከይተበተነት
ብፍቕርን ትምህርትን እና’ዕለለት
ትምዕብል ከምዝነበረት
እንተተዘከረት ብኡነት
ኣስመራ ናይ ቀደም
ኔሩዋ’ዩ ፍሉይ መቐረት
ናይ ምዕባለ ሕመረት
ዓንዲ ማእከል ሓድነት
ንጽባሕ ዝኸውን ኣብነት።

Daniel T Teclegiorgis (01/10/12)
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.



Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...