ቅዱስ ይመለስ ንኣዱ

ብነጻነት ክነብር ሕልሙ ተጋሂዱ

ስድራ ኮይኑ ወሊዱ ዘሚዱ

ሕጉ ክገብር ባህሉ ልምዱ።


ሰናይ ይመለስ ንሃገሩ

ምስ ህዝቡ ኡማኡ ሓቢሩ

ኣብ ገዛውቱ ኣድታቱ ሰፊሩ

ጭቆና ኣላሽ ይበል ሓቂ ስኢሩ።


ኣኽባሪ ስድራኡ ይመለስ ንመሬት

ሞት ክትከውን ቅብጸት ዘበት

ኣዱንያ ኮይና ንህይወት ነጻነት

ሞት ሃው ኢላ ናብ እርበት።


ፍሕሹው ይመለስ ናብ ሃገረሰብ

ኣዝማድ ተኣከቡ ኩሉኹም ቤተሰብ

ርሑቕ ይቕረብ ዝኸሰረ ይኽሰብ

ተላገብ ንዘልኣለም ናይ ሓቂ መርበብ።


እርኑብ ይመለስ ንመዲና

መጽሓፍና ይነበብ ይረአ ፊደልና

ኣይኣበረትን ተመጊባ ሃጢራ ገዛና

ብየማነ ጸጋም ዝተረኽበ ስለ ዘምጻእና።


በኣል ሃይማኖት ይመለስ ንመስጊድ

ሰላቱ ክገብር ኩሉ ጊዜ፡ ኣብ ኢድ፡

ሓጎጽጎጽ ዘይብሉ ኩሉ ጊዜ ስኢድ

እምነቱ ሓድነት ኢማን ተውሒድ።


በኣል ሃይማኖት ይመለስ ናብ ቤተ ክርስትያን

ምስ ሰብ ደብሪ ክጽሊ ሃገራውያን

ምስ ሰብ ኣስመአ ሃገራዊያን

ብቁንጣሮ ዝእመኑ ግዱሳን ቅዱሳን

ብመርታ ብመሬት ወስኹ ምስሳን።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...