ነዚ ክልተ ኣፉ ኣርባዕተ ዓይኑ

ማይ ጨሎት ዝዎስዶ ተሳኢኑ

 

ማሃንዘል ከደ ዓበደ ሓቅታት ከይተላመደ

ትማል ዝበሎ ዘይዝክር ዎትሩ ምስተዋረደ

ሓሶትን ኣሉን ንሓቀኛታት ከጥቅዕ ዝዓረደ

ንኽንደይ ንጹሃት ብዘይ ገበን ንሞት ዝፈረደ

መርገም ህዝቢ ኣይሶዶንዩ ኣብ ዝኾዶተኸደ

 

ጽጋበኛታት ቱሪስቲ እናለ ዘቃለሎም

ብተመልከተለይ ዓሪዱ ከምዘይረሸኖም

$.10.000 ሒዞም ክኣትዉ ጸዊዑዎም

ሕጂ ድማ ዶላሮም መንዚዑ ከዳግሞም

ህርድግ ይብል ኣሎ ዳግማይ ክሕርጆም

 

ካሳ ህግደፍ ቦሮውሮው ኢላ ነኲላ ተቐዲዳ

ዋላ ካብ ጸላእታ ክትልምን ዊጥ ኣቢላ ኢዳ

2% ብምፍርራሕ በፋጣጥ ክኸፍላ ዝተገዲዳ

ዓመታት ገቢሮም ኣልቦ ምስጋና ብዘይ ናእዳ

ሎምስ ዝተኩብ የለን ኩላ ለቢማ ተማዒዳ

ብሳላ ጻዕሪ ተቓወምቲ ብሓቀኛ ፕሮፓጋንዳ

ዝተረድኣ ብቕልጡፍ ሪሒቓ ዓሚኳቶ ኢዳ

ጉዕዞ ህግደፍ ተረዲኣ ከም ዘይብሉ ፈይዳ

 

ህግደፋውያን ሃገር ጽቡቕ ኣላ ትብሉ

ጻድቕ ወኻርያ ጸዊዑኩም ሃየ ተላዓሉ

ራህዋን ጽጋብን ኣሎ ዓድና ንዑባ ንቐሉ

ማና ብሰማይ ብምድሪ ዝቦቐለ ባዕሉ

ይጽበየኩም ኣሎ ብወፈራ ክትዓጽዱሉ

 

ከምታ ትጃሃሩዋን ትሓልምዋን ኣብ ግብሪ

እነሆ መጉዓዚያ ብሰማይ ዝደለየ ብባሕሪ

ብመልሓስካ ሃገር ጽቡቕ ኣላ ናልካ ተውሪ

ምራሕ ክንስዕበካ ኣንታ ሓሳዊ ኣጉል ፈካሪ

 

ህግደፋውያን ናብ ለምለም ዓድኹም ዘይትኸዱ

ካብዘይ ዓድኹም ኮንኩም ትስዕስዑ ተኹዱዱ

ምስ ኣብ ዓዲ ዘሎ ጽጋብ ዝፈንጭሖ ተዛመዱ

ሽዑ ክትፈልጥዋ ከመይ ከምዘላ ኩነታት ከብዱ

 

መጣቓዕቲ ነዚ ቦርኮ ሓሳዊ ተንኮለኛ ማለደቶ

ደስዩ ኢሉኩም ሃገርና ክትከውን ዓዲ ዘራጊቶ

ኣይትብላዕ ኣይትስተ ኮይና ተገሪህካ ዘይትእቶ

ብመቑሕ ተኸቢባ ማዓርፎ ነፈርቲ ኣርያ ፖርቶ

 

ሃየባ ንቐሉ ናብ ምዕብልቲ ሃብታም ሃገርኩም

ሰሰለስተ ገዛ ክትሰርሑ ሶፍያ ዕብዲ ዘለትኩም

ዞጎንፎውን ከይሓፈረ ኣዳዕዲዑ ደጊሙልኩም

ኣሻንጉሊት ባምቡላ ረኺቡ ክጻወት ብኣኹም

ሰብ ዘይኮነስ ከም እንስሳ ዘቤት ተቖጺሩኩም

ህግደፍ ክሳብ ዘለዉ ከም ከብቲ ስታላ ኢኹም

ንግሆ ክንዲ ጸባ ክሓልቡ ገንዘብ ምስ ጥሪትኩም

ከምቲ ኣብ ሲናይ ዝገብርዎ ኣብዚ ኻኣ ንዓኹም

 

ሎሚ ዘይለበመ ኣይንብሎን ኢና ተገሪሁ

ከምኡውን ኣይንብሎን ንሃገር ሓልዩ ጎሪሑ

ዝተዳናገሮም ማለትዩ ኣብዚ ግዜዚ ዝነብሑ

ወይ ከኣ ሓሞት ዘይብሎም ብራዕዲ ዝፈርሑ፣

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

ተስፋማርያም ወልደጊዮርጊስ

06/01/2012

Norway


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...