ክቡራት ተኸታተልቲ መፍተል ሓበረታ፥ ብባህልና ኣደታት ደቀን ከመርዕዋ ከለዋ ካብ ክቱር ሓጎስ ዝነቐለ ’’ሎሚ ዓይነይ በርሀ እናበላ ይለሃያ’ሞ ኣንስቲ ዓዲ ኮታ መጸበቕቲ ጉዳይ ከኣ ብተራኤን እንታይ ኢልክዮ ኢኺ ንሎሚ ዘይኮነየ ድርብይዮ ናብ ዕነ’’ እናበለ ይውድሳኣ’ሞ ርኸባ ኣይትስኣና እናተበሃሃላ ዕሙር ውራይ የሕልፋ። ሎሚ ከኣ ተረካቢ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራዊ መንእሰይ ንህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ስቅያት ኣብ ሕልናኡ ሰሪጹ ስል ዝሃወጾ ኮታ ሓሳረ-መከራ ስለ ዘስቖርቆሮ እንሆ ኣበየኩርናዕ ዓለም እምቢ ንምልኪ እናበለ ነንሕድሕዱ ዝጫነዊሉ መረዋሕ ሓርነት ይድልቕ ኣሎ’ሞ ሎሚ ዓይነ በርሀ ዝበሃለሉ ወቕቲ ምርኣይና ዘሓብን እዩ።

ውይልኻ ጠላም ኣማዕዱ ኣስተብህሎ

ነጋሪት ተገሲሙ ተጀሚሩ ንቕሎ

ውሑዶ ተጸሚሙ ዝሓለፈ ይኣኽሎ

መንእሰይ ተበራቢሩ ይሃምም ኣሎ

መባእታ ክሕንጽጽ ጀሚሩ ውዕሎ

ይሃምም ኣሎ’ወ ይሓንን ኣሎ

ሓይሊ መንእሰይ ዝረሰነ መቑሎ

መሓውር ምልኪ ሓምሺሹ ክነቕሎ

ሰራውሩ በቁሱ ንቑልቁል ክተኽሎ

ምልኪ ክመሖ ክጥበስ ክቑሎ

ነበረያ-ነበረ ክኸውን ፈጺሙ ክዕሎ

 

መንእሰይ’ዩ መትኒ መኣዝን ሰታሪ

ገመል’ወ ንሰርወታት ወዲኑ መተኣሳሰሪ

ዓንዲ ሕብረተ-ሰብ ንኹሉ ጸዋሪ

 

ኣካላት ወለዲ ብእህህታ ጠውሊጉ መጽጉዑ

ገጽ ኣደታት እወ ብጸረርታ ንብዓት ነቒዑ

ዕሸል መንእሰይ ብያሒት መግዛእቲ ለፊዑ

ብዘይውዕለት ሕቖኡ ተጎዚዙ መንኩቡ ተመኒዑ

ኣብ ምድረ-በዳ ሲናይ ብልዕቲ ኣካላቱ ተመንዚዑ

እንሆ ሎሚ  መናእሰይ ብድሆ’ሎም ነዚ ዘጽንዑ

ብቑዱስ መንፈስ ነንሕድሕዶም ተጫንዮም ይጸዋውዑ

ዓጋቲ የብሉን ዝደቀሰ ኣንበሳ ሽጉ እንተወልዑ

ብርሃውሃው’ሉ ጨረርታ ፋናኡ ናብ ክሉ ተላቢዑ

ወይልኹም ደድሕሪ ምልካውያን ተኹድዱ ተጣቕዑ

 

ሓራስ ዋዕሮ ደሃይ ሃቢ

ተዓጺፍካ ድቃስ ኣይጠቐሞን ንኸልቢ

ቅያ ኣሕዋትኪ ኣሐድሲ ተዛረቢ

መረዋሕ ተምትምዮ ንኹሉ መኤከቢ

ምስ ሓየት ሓውኺ ተሳማምዒ ተላዘቢ

መሽቀቑ ከይፈኩስ ተቐነቲ ኣርክቢ

ዝተወልደ/ት ሕጻን ኣስተርሕዩ/ያ ክዓቢ/ክትዓቢ

 

መዓር እንተበዚሑ ይጉምድድ

ንኽትበልዖ የብለካ ስግድግድ

ቀታል ሰብ ብዝኾነ ይስንብድ

ኣማኒ የብሉን ዝእብድ

ወትሩ ዕንይንይ ዕብድብድ

ክንዲ-ዝምሕር መሊሱ ይገድድ

ቂምን ቅርሕንትን የራጉድ

ሓሓሊፉ ህውከት ይኣጉድ

ደም ደቂ ህዝቢ ስድሪ ነይሰድድ

ኩርንኩሪት ኣሲሩ የንከርድድ

ትዕቢት ግናይ’ዩ ካብ ክብረት ናብ ሕስረት የውርድ

 

2011 መንእሰይ ደወል ደዊሉ

ብድሆ ኢሉ ጭማራኡ ኣልዒሉ

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን በሓደ ተላዒሉ

ንሽግረ-መከራ መዓልቦ ክገብረሉ

 

ኣስተውዕሉ መናእሰይ ጫማኻ ይመስል ኣብ እግርኻ ዘይኣቱ

መሊኦም ኣለዉ ተቓወምቲ መሰል ብስም ህዝቢ ዝጻወቱ

ሓለይቲ መሲሎም ንውልቃዊ ዝና ኮነ ንጉጅላዊ ረብሓ ዝበላሓቱ

ንበሃሎ ዘይፈልጡ ወትሩ ምስ-ምስ ንዝተቐልቀለ ፋና ዘጸልምቱ

ጫራ ነብሪ ኣይትሓዝ እንተሒዝካ ኣይትስደድ ብማለት መክቱ

 

ናይ ምድንጋር ተመኩሮ ኣሎ ተሓራሪጉ

ተተቲዑ ዝመጸ ብመዓት ተንኮል ተረግሪጉ

ከይትግይኡ ጽፍጹፍ’ዩ ኣይለሓጽን ተማሂጉ

ኣይጠስጠሰን’ሎ ጌና ኣይቀሃመን ሃጉጉ

ትልኽ ይብል’ሎ ጌና ከኾልሰኩም ኣመንጊጉ

እዋና እዩ በልዎ ኣይትነጻጸሉ ስመሩ ዕጎጉ

ዝናሳሕ ሓብሕቡ ዝወራዘ ግዳ ንጸጉ

 

ገብረሂወት ውልደሚካኤል

2012/01/03 ስቶክሆልም

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...