ኣስመራ ኸተማ

ናይ ቀደም ስማ ኣፍሪቃዊት ሮማ

ርእሺ ኹለን ትርከብ ኣብ ዝባን ጎቦ ተኾዲማ

ዘይተድክም ተኾሊላ ዘይትምኖ ተሳዒማ

ብጽርየትን ብስርዓትን ንኹላተን ቀዲማ

ጸሓይ ንግሆ’ምሲሎም ሸሊሞማ

እቶም ጻዕዳ ገጾም ደቂ ሮማ

ኣስመራ ኸተማ።

 

ኣነ ዝደሊ!

ካብ በለዛ መብራህቲ

ኣበ’ባሻውል ቡቁልቲ ምስ ሞኽባዕቲ

ናይ ካራቨል ስፓጌቲ ናይ’ንዳ ስድስቱ  ኮተለቲ

ናይ ሳንታ ፋሚልያ ትምህርቲ ናይ ቤት ገርግሽ ኣትክልቲ

ብቦጥ ብኻሮሳ ጽሩይ ማይ ክሰቲ  ዘይብሉ ዓለቕቲ

ናበይ ከይዱ ናይ ቀደም ኣስመራ ጽብቕቲ

ድምጽኺ ይሰማዕ ኣንቲ ለምለም ሰቲ

ኣብ ናይ ለውጢ ዓውዲ

ዘሰስን ምህርቲ።

 

ኣነ ዝናፍቕ!

ናይ ካተድራለ ናታለ

ብፕያኖን ደወልን ዝዓመረ

ናይ እንዳ ጎላ ሓኸለ ናይ ገዛ ብርሃኑ ብርለ

ናይ ደናዳይ ኮሞደረ ናይ እንዳ ኣልፋ ፓነ-ቶነ

እንዳ ኣለም መሓረና ደስታ-ካራሜለ

ኣስመራ ወሓለ ንኣኺ ዝኣመነ

ናበይ ከምዘበለ

ኣለኪዶ ወረ።

 

ኣነ ዝዝክር

ናይ ሕጻናት ኮከደ

ናይ ጎራዙት ጭንጭራ ዓበደ

ሽሕ’ኳ እግረይ ኣርሒቑ እንተኸደ

ቅርዓትኪ’የ ለሚደ ኣይቀሰንኩን ተሰዲደ

ወላ ጁባይ መሊኡ እንተኸበደ

ኣስመራ ክብል’የ’ኮ ዓቢደ

ምስተሳእነ ግደ።

 

ብባጽዕዶ ክጅምር

እንዳ ገርግሽ ክስዕም

እንዳ ሸኽ ዥሚል ክሰግድ

ንፍቕሪ ኣሚነ ክመስል ክዝምድ

ከትክኸሎም ዕጣን ክውልዓሎም ዑድ

ሰማይ ዝዓርግ መናፍስቲ ዘዕግብ

ኣድባራት ቢዘን ዘውርድ።

 

ብጎዳየፍዶ’ሕሸኒ

ቀልጢፉ እንተሰለጠኒ!

ንሳንታ ኣንቶንዮ ጥቓ እንዳ ባራቶሎ

ናይ ኣሞረ መድሃኒት ኣጥመኒ ክብሎ።

ኣብ ሲነማ ኢምፐሮ እንታይ ከምዘሎ

ጸወታ ረጋቢት ከም ቀደሙ እንተ’ሎ

ኣስመራ’የ ወይኖ ደሃይ እንታያ’ሎ

አረ ምስመን’የ ዝመኽሮ

ሓርቢቱኒ’ሎ።

 

ላዕላይ ድዩ ታሕታይ

ካበየናይ’ዩ ዝምረጽ ኣየናይ

ክመክርዶ ምስ ኣረጋዊ ኩሕላይ

ዕሉል ባሕታዊ ምስ ተመን መንደላይ

ወዲ ማይ ተመናይ ዝመስል ኣምበላይ

እንተ ዝብለኒ ሕራይ ምጾሞቕኩሉ ጽራይ

ምገበርኩሉ ውራይ ኣውዲቐ ብዕራይ

ከቃጥበኒ ጓል ዕዳጋ ሓሙስ ጸሓይ

ከብልዓኒ ናይ ዓዲ ስሄል ስርናይ

ኣስመራ ደምሃይ።

 

ኣነ ዝምነ

እንከለኹ ክበልዕ

እንተሞትኩ ክጸድቕ

መጋርያይ ከማሙቕ

ምስ ደቀይ ክውዕል

ምስ ወለደይ ክስሕቕ

ተማሂረ ክፈልጥ።

ኣነ ዝጸልእ

መኣዱ በሊዑ ስንቂ ደቁ ዝሰርቕ

ጠበንጃ ዓጢቑ ንግድን ዕዳጋን ዝስርንቕ-ዝሓንቕ

መንቀሳቐሲ ወረቐት እንዳበለ ልቢ ሰብ ዘድርቕ

ኣብ ኮምቢሽታቶ ዓሪዱ ነጋሪት ኲናት ዝድስቕ

ብሃውን ብመድፍዕ ፐላሶታት ዘውድቕ

ንሱ’ዩ ዘገርም ዘጨንቕ።

 

እንተዘይተደናጊረ

ክፍትንዶ ምስ እዋን ተመሳሲለ

ዝገበርኩ ጌረ መንቀሳቐሲ ወረቐት ረኺበ

ክኣቱ ነ’ስመራ ብመንደፈራ’ቢለ በዘቕዘቕ ተሳፊረ

ሰበረ ቆጺረ ንኺዳነምህረት ሰምበል ሞባአይ ኣንቢረ

ማ’ጨሎት ጋብር ደርዓንቶ ነ’ስቢዳለ ኣቐቢለ

ብቲራቨሎ ክሓልፍ ካሮሳ ሰሪረ።

 

ወይስ ክጅምርዶ ብደቀምሓረ

ባኮ ቢሽኮቲ ናይ እንዳ’ባሓበሽ ኣንጠልጢለ

ሾመንተ ታዕሪፋ ከፊለ ኣውቶቡስ እንዳ ሳልባቲ ተሳፊረ

ናይ ተመሃራይ ሰድያ ተዓዲለ ከም’ቶም ሙሉእ ዝኸፈሉ ከቢረ

ኣቤት ክጥዕም ዝነበረ ሽታ ጽርግያ ናይ ደቀምሓረ

ብእቶን ፋብሪካ-ቢሽኮቲ ዝተዓጥነ።

ተሃዊኸ’ለኹ ኣነ

ክበጽሕ ከተደራለ ደወል ከይተደወለ

ክሕውሳ እዛ ቢሽኾቲ ናይ ደቀምሓረ

ምስ’ቲ ሽሻይ ናይ ናታለ።

 

ክኣቱ እንዳ ባደረ

ቦኖ ፌስታ ከይተባህለ

ሕውስ ክብል ጸሓይ ከይመረረ

ከርክበሉ ነቲ ሰሓቕ ናይ ጎምበለ ታሕጓስ ናይ ወሓለ

ንቡር ክረክብ ዓውደ ዓመት ዝዘከረ።

 

መንእሰይ

ብጥይትን ብዱላን ከይተሃድነ

ብዛዕባ ቺናማን ኣሞረን እንዳዕለለ

እንተ ዝርኢ ፒኮሎ ዝቐሰነ

ጀዙ ባምቢኖ እንታይ ምበለ

ኣበ’ስመራኸ ክንደይ ዕልል ምተባህለ

የውግሓዮ ብገለ።

Daniel T Teclegiorgis (

12-24-2011

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...