ወርሒ ምስወጽአት ብቐዳማይ

ኣንቃዕሪረ ሰማይ ሰማይ

ዝረኣኹዎ ላዕላይ ቀላይ!

ይዕንድርሉ ደቂ ጸሓይ

ልክዕ ከም’ዞም ኣብታይ

ይጓየዩ ላዕላይ ታሕታይ።

 

ናይ’ቶም ከዋኽብቲ ስነስርዓት

ምስ’ቲ ንፋስ ዝነበረ ህድኣት

ኣቤት ክጽብቕ ኩሕለይቲ መርዓት

ኣቤት ክሰፍሕ ሰጥ ዝበለ ቅርዓት።

 

ኣብ’ቲ ቅርዓት ዘሎ ኽብረት

ዝረኣኹዋ መሲሉኒ ንናጽነት

መዝሙር ልደት እናዘመረት

ምስ መላእኽቲ እናነጠረት።

 

ቡን ምስ ዕጣኑ እናደከረት

ናይ ሓዲሽ ዓመት ምስተቖነነት

ምስ ዝናን-ባህታን ከምዝፈለለት

ካብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ከምዝፈገደት

ሰማይ ሰማይ ትጥምት ከይደነነት

ናብ’ዛ መሬት ደሃይ ደቃ ከይገበረት

ትኮሓል ትስሕቕ ከይሓፈረት።

 

ነዚኣ ምስረአት

እዛ ኸብደይ ተገማጠለት

ልበይ ተሃወጸት ከበሮ ወቕዐት

ካብ ሰፈራ ከም ዝሞሎቐት

ፈር-ፈር በለት ኣንፈጥፈጠት

ሰብነተይ  ፈርሐት ተጠራጠረት።

 

ዋይ’ዛ ናጽነት!

መቐረት ላዕላይ ሰማይ ካብ ጠዓመት

ክትወርድ’ያ ብሓቂ ናብ’ዛ መሬት

ከተጥፍእ!

ናይ ናብራ ድኽነት

ናይ መግዛእቲ ባርነት

ናይ መንግስቲ ስድነት።

 

ወይስ!

ክትጽበየና’ያ ኣብ’ቲ ገነት

ድሕሪ ሞት ንዝህሉ ሂወት

ዝኸውን ስንቂ እና’ዋህለለት

ተጠራጢረ’ምበር  ብኡነት

ብመልክዕ ናይ ናጽነት።

 

እንተተገሪምኩም ከም’ዚ ኸማይ

ልዕሊ ህድሞና ዘሎ ሰማይ

ልዕሊ ኣመሪካ ዘሎ ብፍላይ

ልዕሊ አውሮጳ ዘሎ እንኮላይ

ኩሉ ማዕረ …. ይመስል ማይ-ማይ

ፈጣሪ ዘይምሕማይ።

 

እንተ’ታ!

ትሕቲ ህድሞ ዘላ ምድሪ

በብዓዳ ዘላ ግብሪ

ኣብ ስዑድያ ዘላ ተምሪ

ኣብ ኣመሪካ ዘላ ኽብሪ

ኣብ አውሮጳ ዘላ ፍቕሪ

ኣብ ሲናይ ዘላ ረመጽ-ጓህሪ

ኣብ ኤርትራ ዘላ ናይ ስታሊን በትሪ

ናይ ሰብ’ዩ ኣይኮነን ናይ ፈጣሪ።

 

ስለ’ዚ!

መዋዕልና ከነስተማቕሮ

ናጽነት ክትወርድ ካብ’ቲ መሳቕሎ

ኣብ’ዛ ዕዳጋና ክትረክብ መዋዕሎ

ብወፈራ ዓደ’ቦ እንተዝግምጠል ህድሞ

ንቖልዓ ንሽማግለ ምኾነ መዓቑቦ።

ክሳብ ዝርከብ ሓቦ ዝግምጥል ህድሞ

እንተ ተሳኢኑ መሳልል መዳይቦ

ሰማይ ዝኣከቦ ነነጢርና ክንስዕሞ

ይፍጠረልና ….. ለልብና ዝብህጎ።

 

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

Daniel T Teclegiorgis

(This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...