ተስሚዑኒ’ንበር

ስቓይ ናይ’ቲ ሓወይ

ኣብተን ኣሳእኑ

ምስ ኣእተኹ ኣእጋረይ

ሰሚዐዮ’ወ እህታ

ናይ’ታ ፈቃር ሓፍተይ

ግና ብውሽጠይ ተመንየ

ዓው ኢለ’ውን ጸልየ

ሕማቕ ሕልሚ እንተዝኸውን

ብጋህዲ ዘይበጽሐ

….

ካብ ግፍዒ ክሃድሙ

ከናድዩ ፍትሒ

ተቐቢሎምዎም…. እዝጊሄር ዘይፈርሑ

እንታይ’ከ ክገብሩ

ዓቕሊ ጽበት እንድዩ

ኣብ’ቲ ውሽጢ ዓዲ

ፍትሒ ምስ’ሰኣኑ

መሰል ደቂ ሰባት

ልክዕ ከምዚ ቆርበት

ክግፈፍ እንዳረኣዩ

ከመይ ኢሎም ተኾርምዮም

ተረኦም ክጽበዩ…

እንበር ንሶም’ሲ

ኣይምበተኹን ፍጹም

ካብ ረመጽ ናብ እሳት

ክዘሉ ኣይምመረጹን

……

በርቲዑኒ ጓሂ

ከመይ’ከ ዘይጉሂ

ከመይ ዘይስምዓኒ

ምቃለይ እንድዮም ጎነይ

ኣፍንጫ እንተተሃርመት

ዓይኒ’ንድ’ዩ ዝነብዕ

ኣጻብዕቲ ክቕርጠም

ኣፍ’ንድ’ዩ ዘቛስት

ከመይ ዘይስምዓኒ

ሰንጢ ክትወናጨፍ

ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ

ተመሪሓ - ብጨካናት ኣእዳው

እስምዓኒ’ወ እብለኒ ስቕጥጥ

…..

ከመይ ዘይስምዓኒ

ክፈስስ’ቲ ደም

ኣነ’ኳ ዘቃሰትኩ

ምስ ኩሊተይ ከለኹ

ትንፋስ ሓጺሩኒ

ዝኾነ ኹሉ

ኣብ ኣእምሮይ

እንዳሰኣልኩ

ብጓሂ እንዳተኾምተርኩ

እታ ፈቃር ሓፍተይ’ሲ

ስምዒታ ከመይ ኔሩ…

ጸገም’ዩ ምግማቱ

ሓዋ እንዳረኣየቶ

ክቦጃጀል ነብሱ

እንታይ’ኮን ነቢዓትሉ

እንዳፈለጠት ንጽባሒቱ

ተርኣ ሙኻኑ

ትንፋስ…. እንዳበለት ትልኽ

ክፍሊ ኣካላት ክምንጨት

ክጥርነፍ በበይኑ

እሞ’ኸኣ ኣብ ዓዲ ሃገር

በእዳው ጨኻናት ጓኖት

ኣይተራእየን’ኳ ኣሕዋት

ኣይተገብረን ቀደም

ኣብዛ ንነብረላ ዓለም

ወሪዱ ዘሎ ኣባና

ኣባና ኣብ ኤርትራውያን

 

…..

ኣይመድለዮን’ኳ …ዋጋ ዕዳጋ

ኣብ ገዛእ ሃገርካ ክትሓትት መሰልካ

ፈጣሪ ዝሃቦ ከመይ ሰብ ይወስዶ

ኣላህ ዘይበቐቖ ከመይ ሰብ ይቑጥቦ

ነዛ ምትንፋስ ያኢ….ፍቓድ ተደልዩላ

ከም ውሕሉል ስራሕ’ሲ

ነዚ’ኸኣ ጃህራ

….

መንእሰያት ኤርትራ

ጽልምት እንተዘይብሎም

እቲ መጻኢ ተስፋ

እምበይ’ምመረጹን

ክረግጹ ሰሃራ

ኣባዮም ኣሕዋተይ

ኣባይአን ኣሓተይ

ኲይኖም’ባ ….ድራር ኣሞራ

ኲይኖም’ባ…መረስረሲ ሑጻ

……

ኣነስ እነሀኹ

አስምዕ ኣበሳ

ዕድል’ውን ረኺበ

ከእዊ ኣብ ክንድኦም

ኣባይኦም ድኣ ንሶም

ብዕብሱ ኣፎም

ዘምርሑ ናብ ጉግጓዶም

ብዕብሱ ኣፎም

ዘምርሑ ናብ ጉድጓዶም

 

ኣነ ዝገርመኒ

ዝያዳ ዘንብዓኒ

ናይ’ቶም ሕልንኦም ሃሳስ

በሃልቲ ኢና ሃገራውያን

ኣፎም ኣውጺኦም

እንቋዕ ኣሰይ ዝብሉ

ፍጹም ዘይስቆሮም

ቅሩብ ዘይርህርሁ

ኩሊት ናይ ኣሕዋቶም

ዕዳጋ ወሪዱ

ጓና አንዳተዋገየሉ

ኣይረኣናን ዝብሉ

ወረ ጽባሕ ንግሆ

ኣበይ’ዮም ክሰፍሩ

ኩሉ ምስሓለፈ

እንበር ናይ ሕጂ’ሲ

ትዕዝብቲ’ዩ ትርፉ

……

ሕጂ እንኪብል

ይተሓሎ መሰል

ዋዛ ደኾን ይመስሎም

እቶም ክሕደት ኣመሎም

ብጭፉን ዓይኒ

ዝግህሱ ፍትሒ

ሰኣን ምስትውዓል

ዝድግፉ ዓማጺ

ኣይተገብረን ኢሎም

ብሓዎም ዝፈርዱ

ሓበላ ዓይኒ

ክሽፍኑ ዝፍትኑ

…..

ንሶም ደኣ ሓቖም

ዘይተኣደነ መሰል

እንድዮም ዘስተማቕሩ

ኣብ ዓዲ ፍትሒ

ብምቾት ተኾዲሞም

ተበዲልና እንዳበሉ

ኣየ በዓል ኣምሰሉ

ናይ ሰቦም ዘይሓስቡ

…..

እቲ ሓዎም ከኣ

ተመራሪሑ ምስ ሓፍቱ

ከርተት ክብል

ከናዲ መሰሉ

ዝሓረሞ… ኣብ’ቲ ዓደ’ቡኡ

እስከ እንታይ ኣለዎ

እንተተመነይሉ

ከምቲ ናቶም… ከስተማቐር ፍትሒ

ካብ ዝፈርድዎ… ክግዛእ ብዓማጺ

……

ኣሕዋትና’ዶ ኣይኮኑን

ዝብጽሑና ሓደ

ኣሓትና’ዶ ኣይኮናን

ዝተማናጠልና ጡብ ኣደ

ከመይ ዘይንሓዝነሎም

ወረ ዘይንጣበቐሎም

ነቶም ዝሓቐቑ

እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ……

እንዳበሉ

…..

እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ…..

እንዳበሉ

 

ስብሃት ገ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...