እንተትልወጢ ብዛላ’ምበሳ
ምሃለዎዶ ጣዕሳ?
ኣዋሳ ናይ ሲዳሞ ኣዋሳ
ንኸብካብ ናይ ናጽነት ንንግሳ
ምእንቲ ኽትኮንለይ ጥቓ ድግሳ
እንተ ዝልውጠኪ ብዛላም’በሳ

ምሃለዎዶ ጣዕሳ።
ናጸነት ጓል ናቕፋ
ብጉልባብ ናይ ባደመ ተጠሊፋ
ብእንዳ ዝናን ባህታን ተጓሒፋ
ኣብ ሲናይ ተገሪፋ ከም ቆጽሊ ረጊፋ
እንተ ረኸበት ካብ ቦዶዊን ዘናግፋ
ሃሰስ ትብል ዘላ መንገዲ ተስፋ
ኣዋሳ ድያ ነቒላ ክትድግፋ።

ናጽነት!
ንኽብለኪ ናጽነት
ብሓቂ ድየ ብእምነት
መምዘኒኺ’ባ ንገርኒ ብኡነት።

ዝሓሰብኩዎ ካብ ዘይኮነለይ
ዝረኣዮ ምስ መስከረ ዓይነይ
ዝሰምዖ ምስ ደገመ እዝነይ
ደጊም!
ከይዳህሰስኩ ብኢደይ
ኣይገብረለይን’ዩ ከብደይ
ኣይቅበልን’ዩ ልበይ
ብእንዳ ዝናን ባህታን ተገፊፉ’ዩ ቐልበይ።

ናጽነት መስክሪ ውዕሎኺ ንገሪ
ኣስፊሕኪ ምኸሪ ንሲናይ ዘክሪ።

ከመይ ኔሩ መገሻ
ካብ ቦሌ ንኣዋሳ
መንቀሳቐሲ ወረቐትኪኸ ኣበይ’ያ ተሓዲሳ
ኣብ ኣዋሳዶ ኣብ ዓዲ ሓውሻ!
ወያ ሰናይ ዘመን ክትመጽእ’ያ ግዲ ተመሊሳ።

ትጎዪ’ላ ኣዋሳ
ካብ ኩላተን ርሒሳ
ንሃረርታ ክሒሳ
ንመንእሰይ ደቢሳ
ንለውጥን ዕርቅን ተበጊሳ።

ጎይታ ሰላም ይቐድሳ
ብመዓርን ጠስምን ይሞግሳ
ኣብ ግዜ ሰላም ክንበጽሓ ክንምለሳ።

ኣዋሳ ናይ ሲዳሞ ኣዋሳ
እንተ ዝልውጠኪ ምስ ዛላም’በሳ
ምሃለዎዶ ጣዕሳ።
ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ
11-28-2011
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...