ተበራበር፡ ወዲ ሃገር!
ከመይ አለኻ: ወዲ ሃገር!
ሓሲሙዋ’ሎ ዓድኻ: ድሃያ ግበር!
= . . . . . . . . .++ . . . . . . . . . .=
ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ወዲ ሃገር
እንታይ  ኰንካ ኢኻ ዘይትባራበር?
ሕዝባ ይጸንት አሎ እዛ ሃገር!
ገሊኡ ብጥሜት፡ ገሊኡ ብጓሂ፡ ገሊኡ ብዓረር

ገሊኡ ከም ጠበቕ፡ ኣብ መንቀራቐሮ
ኣብ ጎዳጕዲ ዒራዒሮ
ከመይ’ሉ ኽጾሮ?!
ገሊኡ አብ ገልዓሎ፡ ማይ ስኢኑ መተርከስ ጎሮሮ

ገሊኡ ኣብ ግብ ዝበለ “ኮንተይነር”
ኣብ ገዛእ ሃገሩ፡ ብደዉ  ክቕበር!
ሓውካ ይጠፍእ ኣሎ ካብ ሃገር
ናብ ዘይፈልጦ ምድሪ ክስደድ ክሳገር
ይበርስ እዩ ዘሎ ወዲ ሃገር
ኣንታ ወዲ ሃገር!
ነዚ እነዳ ርኤኻስ፡ ከመይ ኢለካ እዩ ደቂስካ ዝሕደር!?
ሓውካ ፈሪሑ ክሽቚረር
ካብ ዓዱ ኽባረር

አብ መገዲ ስደት

ከም እንስሳ ሓሲሩ፡ ክማታተር!
ንሱን ክቕበር
አካላቱን ክነብር
ሕይወት ሰብ ከናብር!
ኣንታ ወዲ ሃገር!
ነዚ እንዳ ርኤኻስ ዓይንኻ ተዕውር!
ካን ደቂስካ ኽትሓድር!
ዘይትባራበር!?
ከም ቀደምካ ዘይተሓብር?

ዘይትእከብ፡ ፍታሕ ክርከብ
ኡይ! ዘይትብል ረዳኢ ኽትረክብ
ክቡር ወዲ ሃገር፦
ወዱን ጓሉን፡ ከይሞተ ክቕበር
ገሊኡ ድራር ዓሳ ኾይኑ፡ አብ ዘይፈልጦ ባሕሪ ክስወር
ገሊኡ ተጨውዩ፡ ከም አቕሓ ተሸይጡ፡ ብዘይ መኽሰብ
ኣብ ዘይከፍሉዎ ክዕሰብ
ንስኻ፡ ብሓላፊ ረብሓ፡ ብገንዘብ ክትጥበር!?
ገሌኻ ኸኣ ንሥለጣን ክትመጣጠር?
ጥልዕ ምልዕ ክትብልስ ዓገብ!
ዘይትዛባዘብ!?

ንዓ ወዲ ሃገር! ንቡር ግበር!
ካብ ድቃስካ ተበራበር’ሞ
ናይ ለውጢ ማዕበል ፍጠር
ሥ..መ…ርርርርርር!!
ንድሕነት ሕዝብኻ፡ ንስለ ኽብሪ ሃገር
ታሪኽካ ጽሓፎ፡ ንዓ ቊም ነገር ግበር
መኻይድኻ ኣለሊ፡ ሥመር!
ናይ ዝሓለፈ ይትረፍ፡ ናይ ዝመጽእ ምኸር

ንዓ ከም ሰብ፡ ተላዘብ
ስማዕ ተሰማማዕ
ተገጣጠም፡ ተሰጣጠም፡ ሕበር!
ሥመር! ስለ ደቅ ሕዝቢ ደቅ ሃገር

ዓቢ ምስ ንእሽቶ፡ ገዲም ምስ ሓዲስ፡ ሥመር!
ክስታናይ ኣስላማይ፡ ሥመር!
ወዲ ቆላ ምስ ወዲ ከበሳ፡ ሥመር!
ሥመር! ስለ ሕዝቢ፡ ስለ ሃገር

አብ ሓደ መስመር፡ ተር.ር.ር…! በል

ሥመር!
ተኣከብ፡ ተጠመር
ሓቢረካ ተኾመር


ምስ ሠመረካን ምስ ደልደለካን

ገጽካ ናብ ዓዲ ግበር
ንቕድሚት ተወርወር!
ዝዓግተካ የልቦን፡ ጥራሕ ሥመርርርር!
ካብ ጸልማት፡ ናብ ብርሃን ክትሳገር
ተበራበር፡ ሥመር!
ትንሣኤ-ሙታን ክትገብራ ነዛ ሃገር
ሰብስ ኣብ ዓዱ፡ ከቢሩ እንተ ነበረ እዩ’ምበር
ናብ ዓዲ ሃገር ክሳገር!?

ካብ ሓርፋፍ ናብ ከርፋሕ
ክእሰር-ክፍታሕ፡
ገሊኡ ኽጥባሕ!
ከም ሥጋ ኽምተር!?
ኣንታ ወዲ ሃገር!

እሞ እዚ እናርኤኻስ ትድቅስ!?
ሕልናኻ ዘይትወቅስ!?
ንዓ ሥመር!
ሥመር! ስለ ሃገር
አብ ሓደ መስመር
ተር ከም ዓተር!
ተኣከብ፡ ተጠመር
እምባ ኹን፡ ተኾመር

ምስ ሠመረካን ምስ ደልደለካን
ገጽካ ናብ ዓዲ ግበር
ንቕድሚት ተወርወር
ዝዓግተካ የልቦን፡ ጥራሕ ሥመርርርር!
ወዲ ሃገር! ንዓ ሥመር!

ነዛ ሕስረት ደቅ-ሃገር፡ ነዛ መከራ
ንስደት ክንሰዳ
እታ እትነብዕ ዘላ ጓል ምስ አሕዋታ
ክትምለስ ንዓዳ

ኣታ ወዲ ሃገር፡  ብዓል ዋዕላ
ነዛ ሥቓይ ደቂ ሃገር፡ አቕልበላ
ንምኽሪ ወረጃ አስተውዕለላ
“ሠሚረ እየ፡ ኣብ ሓደ መስመር” በላ
ነዛ ሃገር፡ ተስፋ ምለሰላ
ኩልኻ ወዲ ሃገር አብ ዘሎኻ አሊኻ
ወይ ሥመር፡ ፋሕ’ዩ ጸላኢኻ
ወይ ክትጠፍእ ኢኻ!
ዋዛ ድኣ ይመስለካ ይኸውን እምበር
እንታይስ ተሪፉካ!
ኣብ አፈርክቡ እንድኣልካ ዘለኻ!
ወዲ ሃገር!
ኣየ እዛ ናትካ ነገር!
ካብ ተተኣኪብካ ትከራኸር
ዘይትላዘብ!? ዘይትፋቐር?!
መርምር ሕልናኻ
ዝገደፍካ ገዲፍካ
ተወሃሃድ፡ ሕበር፡ ሥመርርርር!!!!
ብዓንቶቦኡስ እነታይ ዝፈላሊ ኔሩካ?!
ተጋጊኻ!

ኣባ-ሥመር


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...