መኣዳ ወዲኣ … ናይ ሎሚ በሊዓ

ንእዋን ቀጺዓ …  ንጽባሕ ወጺዓ

ትርአ ከሲዓ።

 

መን ይብልዋ’ዚኣ … ክትፍክር ተጠሊዓ

ላሕቲቱ ጎሮሮኣ … ሓጒቡ ሕቖኣ

ናይ ሕጂ ወጽዓ … ከይተሰመዓ

ግርም ኣለኹ ትብል ኮሪዓ።

 

ሃየ በሊ ሎሚ …. ተመሃሪ ተመከሪ

ካብ ትማሊ

ተማልኢ ፍዮሪ … ዝወልድ ዝፈሪ።

ኣስተውዕሊ … ኣስተባህሊ

ሸተት ከይትብሊ … ብዝረገፈ ቆጽሊ

ብናይ ትማሊ … ኣሳሒታ ቁሪ

መደናገሪ’ዩ … ንውዑይ ዘላሊ

ንንኡስ በራሪ።

 

በዓል ቤታ ንሕጂ … ዝናጠር ከም ፈንጂ

ዝመራመር ከም ፈረንጂ

ንጽባሕ ዝኸውን ዝተክል ዓንዲ

ግራት መስተርሆት ዘጸብቕ ዘቖንጂ።

 

በሊ ‘ትማሊ’ … ንሰብኪ ምሰሊ

ተቐየሪ …. ተመሃሪ

ብጉራ ብዝና ኣይትተሃመሊ

ተመስገን ምባል የብሉን ነውሪ።

 

ደሓር ከይትድፈሪ

ብናይ ለውጥ ሓለንጊ ከይትሕመሊ።

 

ምናልባት!

 

እንተረፊዱ ምድሪ

እንተ ተጸንቂቑ ዓቕሊ

ምጉሓፍ’ወን ኣሎ ብዘይቀብሪ።

 

ጨው ቀትሪ

ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ቁሪ

ከም ናይ ትሩቡሊ

ሓመድ ኣዳም ዘንፍግ ግብሪ

ከይልክመኪ ተለመኒ

በጃኺ ‘ትማሊ’

ምስ እዋን ተዋስኢ .. ተበራበሪ

ንለውጥን ዕርቅን ርዒምኪ ሕደሪ።

 

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ።

(11 – 06 - 11)

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...