ናጽነት እንታይ´ዩ
 ትርጉማ ?

ሃገር እንተተጓሒፉ ቁዋማ
መሰል ሕዝባ እንተ ተሓሪማ
ሰብ እንተ ሓሲሩ ከም ሃመማ

ናጽነት  እንታይ´ዩ ትርጉማ

ፍትሕን ሕግን እንተተጣሒሱ
ገባቲ ብሓይሉ እንተነጊሱ
መሰል ሕዝቢ እንተተጋሂሱ

ናጽነት  እንታይ´ዩ ትርጉማ

ገሊኣ ኣብ እስሪ ቤት እንተሰፊራ
ገሊኣ ናብ ስደት ደብ እንተሰጊራ
ገሊኣ እንተኾይና ቀለብ ኣሞራ

ናጽነት  እንታይ´ዩ ትርጉማ

ወዲ ሃገር ኣብ ሃገሩ እንተፈሪሑ
ሓጽ እንተኢሉ ሃገሩ ራሕሪሑ
ገባቲ ብትዕቢት እንተተነፊሑ

ናጽነት  እንታይ´ዩ ትርጉማ

ዓይንና እናራኣያ እንተተዓሚተን
ኣእዛና እናሰምዓ እንተጸሚመን
መልሓስና ብጥዑያትን እንተተቖሊፈን
ኣእምሮና ብብርሃኑ እንተጸልመተን

ናጽነት  እንታይ´ዩ ትርጉማ

አረ ናይ መን ናጽነት ኢና እነብዕሎ
ናይ´ቲ ንሕዝቡ ዝኸድዐ ዒንክላሎ
ሃየ እንዶግዳ ! ሓቢርና ያዕ ንበሎ

ዓወት ንጭቁን ሕዝብና
ውድቀት ንዝኸድዑና

ብኣብርሃም ተኽለ
22.05.2009


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...