ዶክቶር ስዩም  እሩም ኣንደበቱ
ሃተፍተፍ ዘይብል ምስ ትዕግስቱ
ወዲ ከንቲባ ሓረጎት ያኢ ሞይቱ
ኣርኪብዎምዶ ነቶም ኣቦታቱ
ነገስታት ኢትዮጵያ መዋስብቱ
ትግራይ ትግሪንኚ መዋልድቱ
ወሊዱዩ ኣንጊሁ ብጊሓቱ።

ወዲ ዓደይ!
ኣርባዕተ ኣስመራ ዝዓድኻ
ሰራየ ሓማስየን ኣከለጉዛይ ትውልድኻ
ንዝተረፈ ተርክበሉ ኣብ መውስቦኻ
ወዲ ደጋን ቖላን ኢኻ
ሬስኻ ኸይዱዶ እንዳ ኣቦኻ
እዋንካ ኣኺሉ ጨሪሽካ ተፋኒኻ።

ንስዩም ሓወይ ክነግረሉ ናቱ
ኣብ ብሉጽ ኮለጅ ኣመሪካ ዝትምህርቱ
ኣብ ዓልም ዓበይቲ ኣለዉ መማህርቱ
ጃንሆይ ዝሸሞ ኣብ ንግስነቱ
ቁምነገርኛዩ  ኣብ ግዜ ንእስነቱ
ንህዝቢ ዎሎ ነጊሩሎም ጥምየቱ መዓቱ
ናይ ተመሃሮ ባህርዳር ዝተኻፋለ ብሰዓቱ
ኣብ መሬት ኮፍ ኢሉ ዝዝቲ ምስ የሕዋቱ
ኣውዮብስ ሰታዮ ኣምጸኣሎም ንዓዶም ዘእቱ።

ክቡር ዶክቶር! እዛ ደብዳቤ ተማላ ኣለይ!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

“ተላኣኸና ኣብ ኢድካ ተኾልኮላ!!!!
ናብ ስውኣት ኤርትራ መዕረፊ ግበረላ
ትሕዝቶኣ ቅልዕቲ እያ ሕብእብእ ዘይብላ

ሰላም ስዉኣትና ኹሉኹም ብጠቕላላ
ብዲሕሬኹም ሃገርና ባንደራ ሰቒላ
እንተኾነ ዜግነታ ኮነ መንነታ ተመንጢላ
ጀጋኑ ደቃ ኣብ ቐይዲ ተእቱላ
ለባማት ሰበ ስልጣን ኣትዮም ኣብ ሸላ
ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተዳጉኖም ኣብ ቆላ
ዊዓ ተወሲዶም ተቐልዉ ከም መሸላ
ዒራ ዒሮ ብሙሁራት መሊኣ ኣላ
ፎቆድኡ ዶባት ምድሪ ቆላ
ኣስካሬን መንእሰይ ተዘርጊሓላ።
እንተ ዘይሰማዕኩም ሕጂ ክነግረኩም
ኣነ ከይነግርኩም ኣርሒቕኩም ሰፊርኩም
ሕጂ እንሆ እዛ ደብዳቤ ትንገርኩም።

ስደት ዝነበሩ ኣይተመልሱን ብኹሎም
ጠጦው ኣይበለን ምስዳድ ብደቂ ዓድኹም
ህዝቢ ኣይጠዓሞን ብድሕረኹም።

ናፍቖትኩም ጠፊኡና ምስቲ ፍቕርኹም
መንሞ ተሪፉ ኣይተሰድን ከይንብለኩም
ኣብ ማእሰርቲ ሊብያ ይጠንሳ ኣሕዋትኩም
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉ ስድራኹም
ኣብ ሑጻ ምደርበዳ ይድፈኑ ህዝብኹም
ኣብ ሲናይ ይዕመጻ ኣዋልድኩም
ልብን ኩሊትን ይሽየጥ ናይ ደቂኹም
ጛኖት ኣይኮኑን ኣዝማደይ ኣዝማድኩም
ኣብ ስደት ክጸንቱ መንእሰያት ሃገርኩም
እንተ ዘይሰማዕሚዕኩም ኣቐዲምኩም
በዚ እሙን ዶክቶር ቡስጣና ይብጻሕኩም።

ሕክምና የልቦን ብድሕሬኹም
መሰል ደቅ ሰብ ጠፊኡዩ ስለ ዘየልኹም
ድኽነትን ጸገምን በዚሑዎ ዓደቦኹም
ፍትሒ ኣልቦ ኮይና ኣስመራኹም
ባርነትን ዉርደትን ተሰከምቲ ስድራኹም
ሓምሳ ሽሕ ክፈሉ ይባሃሉ ወለዲኹም
እንተ ንስኻትኩም ኣርሒቕኩም ሰፊርኩም
ጅግንነት የለን ብድሕሬኹም
በላዕ ጉቦ መሊኣ ሃገርኩም
ዓቕሊ ጸቢቡና ኢና ልኢኽናልኩም
እንታይ ክንገብር ድቃስ ከሊእናኩም
ፍለጥዎ ጸገምና ኣንብብዎ ኹሉኹም።”
ካን ኣብ ዓልም ዘለና ዘይጠዓሞ ህዝብኹም)

ስዩም ሓወይ ቀንደል እኮ ኔርኻ
ብዙሓት ኔርና ንጥምቶ ኣካያይዳኻ
ትጽቢት ነይሩና ክንምራሕ ብበዓል ከማኻ
ኣምላኽ ኣይፈቐዶን ክረብሕ ዓደቦኻ
ሓደራ እዛ`ደብዳበ ኣብጽሓለይ ኢኻ።

በል ድሓንኩን ኣኺሉ ጉዕዞኻ
ሰብ ኣይነብርን በጺሑ ታራኻ
ነቦይ እዝጊ ንገረልና ሽግር ዓድቦኻ።

ኪድበል ተበገስ ካብ ኣኸለት ሰዓታ
ክርስቶስ ይቀበልካ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ
ኣደይ ማርያም ትቀበልካ ኣብ ቅናታ
ጽንዓት ይሃብኩም፡ ስድራ ቤት ብምልእታ።

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣመሪካ

12 ለካቲት 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...