መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ሳልስቲ እዚ ንሓያሎ ዓመታት ኣደስኪሉዎም  ዝጸንሐ  ብዕድመ ዝደፍኡ  ገዳይም ተጋደልቲ ከይተረፉ፡  ነናብ ኣሃዱታቶም ክርከቡ ብምእዛዝ ወርሓዊ ደሞዞም ኣብ ኣሃዱታቶም ምስ ኣተዉ ጥራሕ  ክኺፈሉዎ  ኣዚዚ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡  እቲ  ስርዓት፡ ነተን ኣብ ሚኒስትሪታት ዝሰርሓ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ እውን ከይተረፈ ብሓይልታት ይውድበን ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።  ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ'ቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንኣጀማምራኡ ብዝምልከት ዝተኻሰሳሉ ኣብ ግንባር  ጸሮና  ዘጋጠመ ንጹሃት ዜጋታት ክልቲኡ አህዛብ ዝቐዘፈ ኩናት፡ " ኩናት ተኣዊጁና ኣሎ፡ ብሕጂ እውን ናይ ኩናት ሓደጋ የንጸላልወና ኣሎ!" ብምባል ንዜጋታት ኣብ ሻቕሎት ሸሚሙ ስግኣት ዘሪኡሎም  ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ ርእስ'ዚ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ኣሃዱታቶም ርሒቆም ዝጸንሑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝቐልጠፈ ነናብ ቦተኦም ክምለሱ ብምእዛዝ፡ ነቶም ብግፍዓዊ  ምሕደራ እቲ ስርዓት ተማሪሮም ብኢደ ዋኒኖም  ካብ ኣሃዱታቶም ንዝኾብለሉ መንእሰያት ብምግፋፍ ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ኣብ ዝርከብ ቦታ ኣኪቡዎም ምህላዉ  ምንጭታትና ኣረጋጊጾም።

እዚ ስርዓት፡  ነቲ ዳርጋ ብምሉእ ድምጺ ኣባል ሃገራት ዝሓለፈ፡ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸሶ ርኽበታትን እማመን መርማሪት ኮሚሽን ንምጉልባብ፡ ናይ ኩናት ስግኣት ከምዘሎ ብምምሳል ህዝቢ ንምርባሽ ብፍላጥ ብዝኣልሞ ዘሎ ናይ ራዕዲ ዘመተ፡  ህዝቢ፡ ምስ ኩሉ እቲ ኣብ መላእ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረታት ሃለኽትን ናህሪ ዋጋን  ዕለታዊ ህይወቱ ንምምራሕ ተሸጊሩ፡ ዕለተ ለውጥን ድሕነትን ክቀላጠፈሉ ይጽበ ከምዘሎ ምንጭታትና ኣረዲኦም።