ኣብ ምዝዛም እዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት፣ ዓመተ 2015 ኣብ ኤርትራ ሃገርና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈለየ መልክዑ ንፖሎቲካውን ጸጥታውን ቁጠባውን መዳያት ዝምልከት ዘይልሙድን ኣተሓሳሳብን ኩነታት ይንጸባረቕ ከም ዘሎ ንኹሉ ዜጋ ብሩህ እመስለኒ። መበገሲ ናይዚ ክኣ ብሰንኪ ኩነተ ህላወ መራሒ ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክኸውን ከሎ፣ ከምዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝውረየሉ ካብ ኩሉ‘ቲ ናይ ሃገር ምምሕዳር እንተላይ ካብታ ብዙሕ እዋን ዝንገረላ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቱ ኮይና ዝጸንሐት ዲጋ ዓዲ ሃሎ’ውን ከይተረፈ ብምኽዋሉን ምስዋሩን፣ ገለ ሰባት ብሰንኪ’ቲ እህህታ ህዝቢ ኤርትራ ዝመበገሲኡ መርገም ተወሲኽዎ ብቐደሙ’ውን ብእልፊ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሕማም ዝተኸበ  ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ኣኺልዎ’ዩ ተደኒሱ እንክብሉ፣ ገለ ድማ ኣይፋሉ! ኣርሒቑ እምበር ገይሹ ክብሉ ይስምዑ’ለዉ። ብዝኾነ እቲ ይኹን እቲ ንሓቅነቱ ብዝምልከት ብሰንኪ እዚ ኣብ ሃገርና ብዘይ ሕጊ ተኾይጡ ዝጸንሐን ዘሎን ውልቀ መላኽን ዓፋንን ጃንዳ፣ ህዝቢ ኤርትራ እኹልን ርጡብን ሓበሬታ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ኣብ ዓቢ ሻቕሎትን ስክፍታን ተሸሚሙ ከም ዘሎ በብወገና ንርእዮ ዘለና ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ እምብኣር ብዝተኻእለ መጠን እቲ ኣሎ ዝብሃል ጭቡጥን ርጡብን ሓበሬታ ንምምእራር ብዝተገብረ ጻዕሪ እንሆ ካብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንፍትሒን ለውጥን ጠጠው ካብ ዝብሉ ተቓለስትን ደለይቲ ፍትሒን ዝተረኽበ ሓፈሻዊ ጸብጻብ’ሞ ንቐደም በሉ፣-

እዚ ሓበሬታ’ዚ ብቕድሚ ትማሊ ዕለት 11/11/2015 ዝተረኽበ ኮይኑ ኣቐባሊ ሓበሬታ “ዓዲ ብናህ ሪ ዋጋ ተናዊጻ” ክብል ኢዩ መረርኡን ሓበሬታኡን ዝጀመረ። ንሱ ንቁጠባውን ፖሎቲካውን ጸጥታውን ጉዳያት ዝምልከት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ክኣ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፣-

  • ንቁጠባ ዝምልከት ኣብዘን 4 መዓልታት።  ዝተማልአ ዝርዝር እኳ እንተዘይሓዝኩ ስእሊ ንምሃብ ግን ፊኖ ንኹንታል 6000 ናቕፋ፣ ሓንቲ ባኒ 4 ናቕፋ፣ 300 ናቕፋ ዝነበረት ዘይቲ ናይ ቀበሌ ብሓንሳብ ናብ 500 ናቕፋ ደይባ፣ እቲ ከይተዓሸገ ብኪሎታት ዝሽየጥ ክፉእ ማኮሮኒ ከይተረፈ ካብ 50 ናቕፋ ናብ 120 ናቕፋ ዓሪጉ፣ እዚ ዝብሃል ዘሎ ማኮሮኒ ቀለብ እቲ ስኡን ቀለብ ድኻ ኢዩ ነይሩ። ብዝኾነ ናህሪ መሊሱ ዝቕጽል ኢዩ ዝመስል ምኽኒያቱ ኩሎም ሃለኽቲ ነገራት ገና ካብ መኻዚኖ ከይወጹ ክሽየጡ ጀሚሮም ኣለዉ።”·

  • ንኣገልግሎት ኤለክትሪክ ዝምልከት እንተኾይኑ ዝተለምደ እኳ እንተኾነ ካብ ትማሊ ዕለት 10/11/2015 ምሉእ መዓልቲ ክሳብ  ሎሚ ረፋድ ኣየነበረትን። ብዛዕባ  ምስዋር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምልከት’ውን  ወዮ ድኣ ከምቲ ልሙድ ምድንጋር ናይ 03 ከይከውን ንጠራጠር እምበር  ናብ ኢማራት ክገይሽ’ዩ ይብሃል ኣሎ። ብኻልእ ሸነኽ ክኣ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኢዩ ሰፊሩ ዘሎ ይብሃል፣ ምስኡ  ተኣሳሲሩ ቅድሚ 4 ወይ 5 ሰሙን ኣቢሉ ዝንገር ዝነበረ ድማ ናብ ዓዲ ሃሎ ነንዝመጸ  ሓላፊ “ ኣንታ ሰራቒ ን ካልእን ዝብሉ ጸርፊ እና ኣሰከመ ይሰዶም ነይሩ ይብሃል።

  • ብዛዕባ ምቕያር ባጤራ ናቕፋን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጸ ሽግርን ምትፍናንን’ውን  ኣብ ህዝቢ ብዙሕ ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። ከምኡ’ውን  ገንዘብ ብሚሊዮናት ናብ ባንክ ዘእትዉ ብዓይኒ ጥርጠራ ይርኣዩ ኣለዉ። ንኣብነት ሓደ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ከባቢ 30 ሚሊዮን  ዝኣክል ገንዘብ ናብ ባንክ ምስ ኣእተወ  “በል ኪድ ድሓን ርኢናልካ ኣለና” ኢሎም  ብኽፉእ ዓይኒ እናጠመቱ ኣፋኒዮሞ፣ ንሱ ክኣ ብፍርሒ ተዋሒጡ ኣሎ ይብሃል። ዝያዳ ግን ንሰብ ኣርሚምዎ ዘሎ እዚ ወዲ 27 ዓመት ቆልዓስ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ከ ካበይ ኣምጺእዎ ዝብል’ዩ፣ ፍረ ብልሽው ምሕደራ ሃገር ክኣ እዚ ኢዩ።

 ንምዝዛሙ እዚ ሓበሬታ እዚ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብዕለት 11/11/2015 ዓ.ም ዝተረኽበ ኮይኑ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምዕባለታት እንተሎ ኣብ ዝቕጽል እናተኸታተልኩ ክሕብር ክፍትን‘የ የቐኒየለይ!

 ኢሳያስ ኣስፍሃ።

 

                                                                                                                      


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...