ኣብ መግለጺ ቁጽሪ 1 ብምዑታት ጀጋኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ መደብር ዕደና ቢሻን  መደበር ኣጽዋር ከባቢ ማይ ዕዳጋ /እንደኣመሪካን/ ብስርሒት ኣግእዞ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ምግላጽና ይዝከር፡፡ ቅድሚ እዚ መግለጺ ምዝርግሑ ገለገለ መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራ፡ ኢትዮጳያን ሱዳንን ዝተፈላለየ ወረታት ክፍንዋ ቀንየን፡፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ግዚኡ  ንዘይምሕባር ጠንቂ ምዕፋን ናጻ ፕረስ እቲ ጉጅለ እኳ እንተኾነ ንሚስጥራዊነት ፈጸምቲ ስርሒት ተባሂሉ  ዝተፈጠረ ምድንጓይ'ውን እቲ ካልእ ምኽንያት'ዩ ኔሩ፡፡ 

ዕለት 01/04/2015 ድሕሪ ምግላጽና ግን ብሓደ ተቓዋሚ ሓይሊ እየ ናይ ዝብል ውድብ መርበብ ሓበሬታ ኣቢሉ ነቲ ዘይድፈር ዝመስል ዝነበረ ዝደፈሩ ጀጋኑና ዝኽሕድ መግለጺታት ምውጽኡ ተዓዚብና፡፡ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ ፈጻሚ ስርሒት ካልእ ኣካል ምኻኑን ምንጭታቱ ካብ ኣስመራ ከምዝገለጽሉን ይሕብር፡፡ ካብቲ ስርሒት ርሒቕካን ብድሕሪ መጋረጃ ኮይንካ ዘዝመሰለካ ኣብ ገጻት ኮምፕዩተር ምጥቃዕ ንረብሓ መን ምኻኑ ግን ዋድሕ ኣይኮነን፡፡ ብወገንና ግን ዘዝመስለካ ምዝርጋሕ ከም መሰል እንዳተወስደ ጭብጢ ዘይብልካ ምዝርጋሕ ዕንቅፋት ናይ ለውጢ ካብ ምኻን ዝሓልፍ ፋይዳ ክህልዎ ከምዘይክእል ንነግር፡፡ እንተ ንኩውንነት'ቲ ፍጻመ ግን ነቲ ብቐረባ ዝዕዘብ ህዝብን ፈጸምቱን እንተሓደግናዮ ይሓይሽ፡፡ 

ተሓጓሚ እንኮሎስ ተሓዚ….  ከምዝበሃል ባዕሉ'ቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ጉጅለ ንእሙናት ኣባላቱ ኣኪቡ ብወግዒ ዝገለጾ ኪሕድካ ሃረምትኻ ካልኦት እዮም ዘስምዕ ኣምባሳደራት ናይቲ ጉጅለ ድዮም  ዋላ ካልእ ምኽንያቱ ዘይርደኣካ መግለጺታት ምሃብ ኣይኮነንዶ  ብህዝቢ በቲ  ጉጅለ'ውን እንተኾነ ተቐባልነት ከምዝሰኣነ ደጊምና ንገልጽ፡፡ 

 ጉጅለ ኢሰያስ ሰምበት ዕለት 05/04/2015 ከም ዓንዲ ሑቖኡ ንዝወስዶም ኣሃዱታት ጸጥታ (ሓለፍቲ ክፍልታት ሃገራዊ  ድሕነትን  ጸጥታን) ኣብ ከተማ ከረን ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ ዕደና ቢሻን ከባቢ ማይ ዕዳጋ እንዳ ኣመሪካን ዘይዕውት ፈተነታት ከምዝተኻየደ ኣሚኑ፡፡ ፈጸምቲ እቲ ፈተነ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ብኢትዮጵያ፡ ብኤርትራውያን ተጻባእቲ ጉጅለታት ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝነብሩ ውልቀ ዜጋታት ከምዝተፈጸመ፡፡ እዞም ጸረ መንግስቲ ዜጋታት  ሕነ  ናይቲ ዝፈረሰ ኣባይቲ ንምፍዳይ ኢሎም  ፍሹል ፈተነታት ከምዘካየድዎን፡ ንምቁጽጻሮም ድማ ከቢድ ከምዘይኮነ ብዕሊ ተገሊጽሎም፡፡ 

ነዚ መግለጺ ዝሃቡ ሓለፍቲ እቲ ጉጅለ ብር/ ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ብር/ ጀነራል ስምኦን ገብረድንግልን እዮም፡፡ ጎስጓሶም ተኣማንነት መታን ክረክብ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ወከልቲ ሰባት ንዕደና ቢሻ ከይዶም ክዕዘቡ'ውን ተፈቒዱሎም፡፡ እንተኾነ እቶም ክዕዘቡ ዝተላእኩ  ወከልቲ ናይቲ ኣኼባ ኣብቲ ዕደና ዝካየደሉ ቀንዲ ቦታ ከይኣተው ማለት ናብቲ መጻረዪ GOLD,COPPER & Future Zinc plants  ማሽናት ከየጸግዑ ኣብ ጫፍ ዝርከብ እኩብ ሓመድ ኣርእዮም ስለዝመለስዎም ንምጥርጣሮም ዝድርዕ ኩነታት ከምዘጋጠሞም ኣረጋጊጾም፡፡ 

እዚ ጎስጓስ ኣብ ሓለፍቲ'ቲ ትካል (ሃገራዊ ድሕነት) ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ኣብ ሰራዊት ኣብ ገለ ኣሃዱታት ካብ ማእከልነት ሓይሊ ንላዕሊ ኣኼባታት ብምክያድ ነቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝውረ ሓቂ ከምዘይኮነ፡ ብወያነ ይኹን ካልእ ናይ ደገ ሓይሊ ከምዘይተፈጸመ ኣብ ውሽጢ ኣብ ማእከል ህዝቢ ብዝተሓብኡ ንመንግስቲ ዝጻብኡ ገለ ወልቀ ዜጋታት ዝተኻየደ ፍሹል ፈተነ ከምዝነበረ፡ ዘስዓቡዎ ጉድኣት ግን ከምዘየለ ይገልጹ ኣለው፡፡ ቀጺሎም ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ዝምልከት ብዝተፈላለዩ መዓከናት ዜና ዝላባዕ ዝተፈላለየ ወረታት ክሰምዑ ከምዘይብሎም ንህዝብን ሰራዊትን የጠንቅቑዎ ኣለው፡፡  

ገለ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ክንዲ ብዛዕባ “ፍሹል ፈተነ” ንዛረብ ክፍታሕ ኣብ ዘለዎ ቀንድን በዳህን ዛዕባ ንዘቲ ብምባል ኣንፈቱ ክጥምዝዙ ይፍትኑ ኣለው፡፡ እቲ መዛረቢ ዛዕባ ቀንዲ ጉዳይ ሃዳምነትን ስግረ ዶብን  ሰራዊት ናብ ኢትዮጵያ መግትኢ ክግበረሉ ይግባእ  ዝብል'ዩ፡፡ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኢዩ ንዝበልዎ ህድማ ሰራዊት ንምዕጋት ከም መፍትሒ ዘቕርብዎ ዘለው ሓደ እቲ ልሙድ መፈራርሒ ኮይኑ፡ ካልኣይ ንኹሉ ኣባል ሰራዊት ካብ ኣስመራ ወጻኢ ኣብ ካልኦት  ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን፡ መንግስቲ መሬት ከምዝዕድልን በቢዝደልይዎ ዓይነት መንበሪ ኣባይቲ ከምዝሰርሓሎምን፡ ከይሓነኹ ይመባጽዕሉ ኣለው፡፡  ሳልሳይ መፍትሒ ሕቶ ደሞዝን ምዕዳል መዓርግን በብደረጃኡ ክጅምር ከምዝኾነ ኣዛዚ ደቡባዊ እዚ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሙኤል (ቻይና) ዝርከቦም እናዞሩ ክጉስጉሱ ቀንዮም ኣለዉ፡፡ 

ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ /ንቕዘ/ እውን ንገዛእ ርእሱ “ኩሉ ክንገብሮ ዝግበኣና ክንገብር ንዳሎ ኣሎና፡፡ ንስኻትኩም ግን ኣይትህደሙ፡፡ ምህዳምኩም ዘይተርፍ እንተኮይኑ ከኣ ካብ ናብ ወያነ ናብ ሱዳን ህደሙ፡፡” ብምባል ንሰራዊት ቀቢጸ ተስፋ ለበዋ ሂቡ፡፡ ድሕሪ እዚ ጎስጓስ ናይ ንቕዘ  ሃዳምነት ካብ ናብ  ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝምረጸሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ?'' ኢሎም ንዝሓተቱ ኣባላት ሰራዊት ከይሓነኸ ኣብ ማእከል እቲ ኣኼባ ክእሰሩ ኣዚዙ፡፡   

ኣብ ኣኼባ ከረን ንስርሒት  እንዳኣመሪካ ናይ ዝተሃሞኸ ሓደስቲ ኣጽዋር ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለጺ ኣዝዩ ድኹም'ዩ ኔሩ፡፡ እቲ ጉጅለ ኣብዚ ቦታ'ዚ  ዝጎነፎ ኪሳራ ከቢድ እዩ፡፡ እቲ ኣኼባ ካብ  ኣስመራ ንከረን ዝተመረጸሉ እውን ብዘይምኽንያት ኣይነበረን፡፡ ካብ ኣስመራ ንማይ ዕዳጋ ቀረባ ስለዝኾነ ንተሳተፍቲ ከም ናይ ቢሻ ኪዱ ረኣዩዎ ኢሎም ከደናግርዎም ስለዘይክእሉን ምኻኑ ርዱእ ኢዩ።  

 እንዳኣመሪካ ተኸዚኑ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ BM 27 Uragan (9p140) ዝበሃል ወንጫፊ ሮኬት ከበድቲ ኣጽዋር ድሕሪ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ 2003 ዝኣተወ እዩ፡፡ እዚ ከበድቲ ኣጽዋር ልክዕ ስሙ ንምሽፋን “ዘኢትነገር”ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ኔሩ፡፡ “ዘኢትነገር” ዝጸዓና መካይን ብዝሐን ልዕሊ 10 ምስ ተኮስቱን ተተኮስቱን ተሓምሺሹ ኢዩ። ወጋሕታ ሰዓት 4፡30 ምስ ተሃርመ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ትኪን ሓያል ባርዕ ዝፈጠሮ ባናን ህዝቢ ከተማ ደቀምሓረን ማይ ዕዳጋን ከባቢኡን ካብ ገዛውቶም እንዳወጹ ተዓዚቦሞ ኢዮም። ምስ ወግሐ  ኣርሓ ደርሆ ናይቲ ጉጅለ ወይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡  ፍሊጶስ /ንቕዘ/ ፡ ብር/ ጀነራል ብላታን ኣዛዚ ናይቲ ኣሃዱ 74 ምኻኑ ኢዩ ካልኦትን ዜሮም ርእዮሞ፡፡ ዝተቓጸለ ክሳብ ዝጓሓፍን ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእን ዝኾነ ይኹን ሰብ ከይኣቱን ከይወጽእን ትእዛዝ ሂቡ ጉጅለኡ ሒዙ ተመሊሱ።

ድሕሪ እዚ ዝበረኸ መስተንክራዊ ስርሒት ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቶም ምዑታት ጀጋኑ ሰራሕቲ ቅያ መንእሰያት፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ውሽጢ ምስ ህዝቦም፡ ሓይልታት ምክልኻሎምን ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ  ትካላትን ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለው ሃገራውያን  ናብዚ ዝበረኸ ስርሒት ንምስግጋር በብግዝዪኡ ክዓምዎም ዝጸንሑ ቅድሚ ሕጂ ዘይተዘርበሎም ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩን ናእሽቱ ስርሒታት ክፍጸሙ ጸኒሖም'ዮም፡፡ 

 ኣብነታት ንምጥቃስ ካብ 2008 ንደሓር ዝተኻየዱ ስርሒታት ብጭብጢ ንመልከት፡- 

  1. ዕለት 03/09/2009 ኣብ ቀጽሪ ሓይሊ ኣየር ሰንበል ናብ ቤ/ጽሕፈት መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ታርጌት ዝገበረ ስርሒት ተፈቲኑ፡፡ ንሰነዳትን ምሉእ ኣቑሑት ናይቲ  ኦፊስ ኣኻኺቡ  ቦምባ ኢድ ብምእታው ከቃጽል ኣብ መስርሕ እንከሎ ብኣባላት ሓለዋ እቲ ቀጽሪ ተኪሶም ስለዝሃረምዎ  ተታሒዙ፡፡ እዚ ፍጻመ እዚ በቶም ምዑታት ውዱባት ጀጋኑ ዝተፈተነ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን እቲ ጉጅለ ዝፈጠሮ ስንባደ ኣዝዩ ልዑል ኔሩ፡፡

  2. ናብ ዕለት 01/09/2009 ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ኣከለጉዛይ ኮለላን ተፍትሽን ምስ ዘካይድ ዝነበረ ኣሃዱታት  ጸላኢ ሓያል ረጽሚ ተኻይዱ፡፡ እቲ ብብርጋዴር ጀነራል እዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ) ተመሪሑ ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ለውጢ ዝተኻየደ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ዘጋጠመ ናይ ቶኹሲ ምልውዋጥ  ካብ ወገን  6 ኣባላት ክስውኡ እንከለው፡ ካብ  ጸላኢ ድማ 4 ምውታትን 7 ውግኣትን ኔሮሞ፡፡  በዚ ዝተሰናበደ ጸላኢ ምውታቱን ውግኣቱን ብሄሊኮፕተር ወሲዱ እቲ ንሱ ምቕራም ኢሉ ዝጽወዖ  ቀጺሉዎ፡፡ 

    ብኣጋጣሚ እዚ ኩነታት ጀነራል ስብሓት ቀጥታ ነቲ ስርሒት ዝመርሖ ዝነበረ ሓሊባይ ካብ መስመር ኢረፋይለ ንዙላን ገላዕሎን ዝወስድ መስመር  ዘለው ነበርቲ ህዝቢ ንደለይቲ ለውጢ ስንቅን መዕቆቢን  ከምኡ እውን ሚስጢር ብምዕቃብን ብምምጋብን ይተሓባበርዎም ከምዘለው ካብ በዓል ወዲ ካሳ ዝተረኽበ ጽጹይ ሓበሬታ ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ እዞም ነብርቲ እዚኦም ምሕረት ዘይብሉ ስጉምቲ ክውሰድ ብኣካል ከይዱ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ሂቡዎ፡፡ 

    ተወሳኺ ትእዛዝ  ጀነራል ሰብሓት እዚ ኩነታት ምስ ተጻባኢ ጉጅለ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ክኸውን ከምዝኽእል፡፡ እዚ ምንቅስቓስ እዚ ናብ ህዝቢ ሳሆን ከበሳታት ኣከለጉዛይን እንተሊሒኹ ብቐሊሉ ንምእላዩ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ፡ ህጹጽ መዕገቲ ክግበረሉ ከምዝግባእ፡ ኣብዚ እዋናውን ኣገዳስን ስርሒት እዚ ሓሊባይ ቀጥታ ክሳትፎ ከምዘለዎ ኣዚዝዎ ከምዝተመልሰ ኣብ ከርሶም ብዝነበሩ ደለይቲ ለውጢ ብኣግኡ ፈሊጥናዮ ኢና፡፡ 

  3. ኣብ መጀመሪያ ሰሙን ናይ ወርሒ 09/2009 ኣብ መራጉዝ ምምሕዳር ዓዲ ማይ-ልሓም ንነበርቲ እታ ዓዲ ኣማሓደርትኹም ምረጹ ምስተባህሉ ሎሚ ኣይንመርጽ ጽባሕ ኣይንመርጽ፡ ንመላእ ኤርትራ ዝመርሕ መንግስቲ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ኣብ ዓድታት ወሪድካ ምርጫታት ምክያድ ላግጺ እዩ፡፡ ወይ በቲ ናይ ቀደምና ሕጊ እንዳባ ክንመሓደር ኣለና ወይ ከኣ በቲ 1997 ዝጸደቐ ቅዋምና ምርሑና ዘስምዑ ሕቶታት ካብ ህዝቢ ክለዓሉ ውዱባት ኣባላት ብሕቡእ ናብ ህዝቢ ምስዘርግሕዎ እቲ ህዝቢ ነዚ ጭርሖታት እዚ ዓጢቑ ዕጭ  ሓንፊፉ  ንመደባት መንግስቲ ነጺጉ፡፡ 


    ድሕሪ እዚ ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ ነበር ሙስጦፋ ኑርሑሴን ንሕቶ ህዝቢ ብግቡእ ክፈትሕ ኣብ ክንዲ ምጽዓር፡ ብሓይሊ ክፈትሖ ፈቲኑ፡፡ ንኣዛዚ ግንባር ብር/ጀነራል እዮብ ሓሊባይ ዓዲ ስለ ዝኣደመት እቲ ኣድማ ከኣ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ስለዘለዎ ብኣግኡ እንተዘይተጨፍሊቑ ንመላእ ሃገር ጸላዊ ስለዝኾነ፡ ካብ 30 ክሳብ 40 ዝኾኑ ቀንዲ ወደብቲ እዚ ኣድማ ክንቅይዶም ስለዝደለና፡ ነታ ዓዲ ብምልእታ ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዶው ክነብላ ስለዝወሰና፡ እሞ እቲ ኩነታት ልዕሊ ዓቕምና ስለዝኾነ ንሓለዋ ጸጥታ ተሓጋገዙና ብምባል ሕቶ ኣቕሪቡ፡፡ 

    ሓሊባይ ብወገኑ ልዕሊ ዓቕምኻ ስለዘይኮነ ኣይንገብሮን ብምባል ተቓዊሙ ብመገዱ ንጀነራል ሰብሓት ምስሓበረ፡ ጀነራል ስብሓት ብወገኑ ንጦብሎቕሎቕ ኣማሓዳሪ ዞባ ሙስጦፋ ኮኒኑ መልሲ ናይ  ሓሊባይ ግቡእ ምኻኑ እንተኾነ እቲ ወሳኒ ፕረዚዳንት ስለዝኾነ ናቱ  መልሲ ምጽባይ ከምዘድሊ ንሓሊባይ ገሊጽሉ፡፡ ፕረዚዳንት ንእምቢታ ሓሊባይን ርእይቶ ጀነራል ስብሓትን ብመገዲ ኣመሓዳሪ ዞባ ስለዝሰምዐ ንሓሊባይ ናብ ቤ/ጽሕፈቱ ቀጥታ ጸዊዑ ኣመሓዳሪ ዞባ ዝነገረካ ጉዳይ ስራሕካ ስለዝኾነ ፈጽሞ!፡፡ ነቶም ፖለቲካዊ ሕቶታት ዘልዕሉ ወደብቲ ኣብ ዝጥዕም ቦታ ቀይድኩም ዘየዳግም  መቕጻዕቲ ሃብዎም!፡፡ ድሕሪ ሕጂ ንከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛን ጸላውን ዝኾነ ኩነታት ዘይኮነ ምስምስ ምግባር ኣየድልዮን! ብምባል ከምዘጠንቀቖ ሓሊባይ ንገለ ደቂ መዛምርቱ በጨቕ ከምዘበሎ  ብውዱባት ኣባላትና ተረጋጊጹ፡፡ 

  4. ኣብ መጀመሪያ ስሙን ወርሒ 05/2009 ኣብ ከባቢ ሸላሎ ኣብ በረኻ ዝሰፈሩ ህዝቢ ዓዲ ጸጸር ኣንጻር መንግስቲ ዝተወደበ ኣድማ ኣካይዶም፡፡ ጠንቂ ኣድማ ንጉዳይ መነባብሮ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ብወገን መንግስቲ ነዚ ንምጥባር ሓደ ሓደ መጽለሊ ቴንዳን ንጽሬት ዘድሊ ሳምናን ዓዲልዎም፡፡ ቀጺሉ ድማ ወደብቲ እዚ ሰልፊ  ዝከታተሉ ሰባት  ንስታፍ ስለያ ግንባር ተኸስተን ንሓላፊ ጸጥታ ዞባ ጋሽባርካ ኮ/ል “ርእሶም” መደብ ተዋሂብዎም ዓቕሞም ዝፈቕዶ ጻዕርታት ኣካይዶም ግን ነቲ ጉዳይ ዝመርሑን ዝወደቡን ኣባላት ክዕወቱሎም ኣይከኣሉን፡፡ 

  5. ክሳብ'ዛ ዕለት'ዚኣ  ንጸላኢ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ዝኾነ ስርሒት ኣብ ወደብ ባጽዕ ተኻይዱ፡፡ 2008 ኣብ ልዕሊ ኣብ ወደብ ምጽዋዕ ዝተኸዘነ ልዕሊ 11,000,000.00 (ዓሰርተ ሓደ ሚሊዮን ናቕፋ) ዝዋግኡ ካብ ምንጋጋ ህዝቢ ብዝተወስደ ሰልዲ ዝተዓደገ ኣብ እንዳገርግስ ተተኺሉ ናይ ዘሎ ናይ  ቴሌቭዥን ሳትላይት  ዘገልግል ንብረት ዝሓዘ መኻዚኖ ፍጹም ዓንዩ፡፡ እቲ ንብረት ፈለማ ናይ ቴሌቭዥን ዝርገሐ ዘገልግል ጥራይ መሲሉና ዝነበረ ዳሓር ከምዘረጋገጽናዮ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትራክ ቢ ተተኺሉ ዘሎ ናይ ጠለፋ መሳርሒ ኣገልግሎት ዝህብ ንብረት እውን ከምዝነበሮ ኣረጋጊጽና፡፡ 

    ድሕሪ ምዕናው እዚ መናውሒ ዕድመ ስልጣን እቲ ጉጅለ  ካብ ቻይና ተቐላጢፉ ነቲ ንብረት ብምዕዳግ 2010 ኣብ ትራክ ቢ ተኺሉ ሓድሽ ናይ ጠለፋ ነቑጣ መስሪቱ፡፡ እዚ ንካልኣይ ግዜ ብወደብ ምጽዋዕ ዝኣተወ ናይ ጠለፋ ዘመናዊ ናውቲ ኣይተዓወትናሉን ኣመሊጡና እዩ፡፡ እዚ ዝስዕብ እቲ ንብረት ተኽዚነሉ ዝነበረ ብስእሊ ዝተሰነየ መረዳእታ ምርኣይ የድሊ።

     


እዚ  ዝተገልጸ ውሑድ ኣብነታት ከም መርኣያ ናብ ዝበረኸ ቅያ ስርሒት ዕደና ቢሻን ወተሃደራዊ መዓሰከር እንዳ አመሪካን ዘሰጋገረ ምኻኑ ክንገልጽ ንፈቱ፡፡ ንህዝቢ ጎስጊስካ  ኣንጻር  መንግስቲ ንምስላፍ  ዝዓለሙ  ስጉምታት ከምዝተጀመረ ገለጽቲ ኣብነታት እዮም፡፡ ከከምኣድላይነቶም ክግለጹ ዝግበኦም ብዙሓት ፍጻመታት (ፈተነታት) ከምዘለው በዚ ኣጋጣሚ ነፍልጥ፡፡ 

ኣድላይነት እዚ መግለጺ፡ ጉዕዞን ምዕባለን ደለይቲ ለውጢ ካበይ ናበይ ከምዝነበረ ንምብራህ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጸላኢ ክገልጾ ዘይከኣለ ግን ከኣ ንጸላኢ ኣዝዩ ዘጨነቐ ፍጻመታት ከምዝነበረ፡ ብወገን ህዝቢ ድማ ዝውድቦን መሪሕ ኮይኑ ኣጆኻ  ዝብሎን እንተረኺቡ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ዘረጋገጸ ፍጻመታት'ዩ፡፡ 

እዚ ኣብ ምንጋጋ ጸላኢ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ምስ ህዝቡ ዝነብር ዘሎ (ጉጅለ) ንህዝቡ በዓቱ ብምግባር ካብን ናብን እናተንቀሳቐሰን ሚስጢሩ ዓቂቡን ይቃለስ ኣሎ፡፡ ቃልሱ ብልሙጽ ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መስዋእቲ እናኸፈለ፡ መረርቲ ፈተነታት እንዳሓለፈ ኣብዚ ደረጃ እዚ በጺሑ ኣሎ።  ሓያልን ስጡምን ፖለቲካዊ መሪሕነት ክፍጠር ግን ህጹጽ ጻዊዒቱ የቕርብ፡፡ 

ንጸላኢ ቀንዲ ስግኣት ኮይኑዎ ዘሎ ድማ እዚ ፍኑው ዝመስል ግን ከኣ ዉዱብን ስውርን ውሽጣዊ ተቓዉሞ ህዝቢ እዩ፡፡ ስግኣቱ ንምውጋድ ነቲ ናይ ለውጢ መንኮርኮር ዝኾነ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ  ክይነብር ንያቱ ኣዕሪቡ ለሚሱ ንኽነብር፡ ካብኡ  ሓሊፉ'ውን  ክስደድ ከምዘለዎ ኢዩ ፈሪዱዎ። እቲ እንኮ መፍትሒ ግን ከምዚ ብውሑዳት ጀጋኑ ተጀሚሩ ዘሎ  እቲ ስርዓት ንዝፈጠሮም ሽግራት ንምውጋድ ሴፍካ ምምዛዝ ኢዩ።  

ታሪኽ ሶማል ኣብ ኤርትራ ከይድገም ዝሰግኡ ሰባት ከምዘይተሳእኑ ንፈልጥ፡ ብመንጽር ኣቃውማ ሕ/ሰብ ኤርትራ ግን ዕጫ ሶማል ኣብ ሃገርና ከይድገም ስግኣት የብልናን፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ጉጅለ ኢሳያስ ንላዕሊ ዝሓስብ ህዝቢ ኢዩ፡፡ እታ እንኮ ጸገም ንብቱን ተቓዉሞን ኣተሓሳስባታትን ህዝቢ ጠርኒፉ መኣዝኑ ኣትሒዙ እቲ ጉጅለ ዝፈጠሮም ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልያት ያዕ ኢሉ ንህላወ ህዝቡን ሃገሩን ቀዳምነት ሂቡ  ብትብዓት ዝቃለስን ዘቃልስን መሪሕ ውድብ እዩ ዝደሊ ዘሎ፡፡  

ዓወትና ብደምና!!!