ናብ ዕለት 20/03/15 ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ሰዓት 04፡30 ኣብ ክልተ መኣዝናት ሃገርና ንጸላኢ ዘርዓደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። እቶም ታርጌት ዝኾኑ ቦታታት ድማ፡_

1.    ኣብ ውሽጢ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ከባቢ ትኹል ብልሙድ ኣጸዋውዓ እንዳ ኣመሪካ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ መደበር /ተኮስትን ተተኮስትን/ ዝተኸዘነሉ ሃንገርን ኣብ ወተሃደራዊ መካይን ዝተሰቕለ ሓድሽ ማለት ኣብ ግብሪ ዘይተፈተኑ ከበድቲ ኣጽዋርን ናይቲ ጉጅለ ምስ ተሽከርከርቱ ተሃሚኹ።

2.    ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ውሽጢ ዞባ ጋሽ_ባርካ ተደኪኑ ዝርከብ መጻረዪ ወርቂ ዕደና ቢሻ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን ዓንዩ።

ፈጸምቲ ናይቲ ስርሒትን ኣፈጻጽምኡን ብዝምልከት፡ ንብዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑ ቀንዩ ኢዩ። ነቲ ስርሒት ኣብ እዋኑ ሰራሒ ኣካል ዘይምግላጽ ብመንጽር ሚስጥራውነት ስለዝተራእየን ንፈጸምቲ /ፈዳይንና/ ተኣፋፊ ብምንባሩ ተዓቂቡ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ሰዓቱ ኣኺሉ ነቲ ዝተፈጸመ ስርሒት ወግዓዊ መግለጺ ክንህበሉ ናይግድን ይኸውን።

ፈጸምቲ'ዚ ስርሒት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዝርከቡ ምዑታት ኤርትራውያን መንእሰያት'ዮም። ብመሰረቱ ነዚ ዕዉትን ንጸላኢ ዘሰንበደን ስርሒት ቀጺልና ንእንወስዶም ተመሳሰልቲ ተበግሶታትን ስጉምትታን ንምትግባር ጽፉፍ ውጥን ወጺእሉ ዓመታት ብዝወሰደ መጽናዕትታትን ኣዝዩ ኣድካሚ ወተሃደራዊ ልምምዳትን ብምውሳድ ነዊሕ መስርሕ ሓሊፉ'ዩ  ሀ  ኢሉ መደቡ ጀሚሩ ዝርከብ።

ብመሰረት ክብ ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ ውሑዳት ኣባላት ብትብዓቶምን ተወፋይነቶምን ዝተመርጹ ኣካላት ሰራዊት ኤርትራ ብምንባሮም ዉህሉል ተመኩሮ ዘጽንሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ንስርሒታት ዘድሊ ናይ ዝተፈላለየ ዓይነት ማለት ኣካላዊ፡ ስልታዊ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊምን ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር  ስልጠናታት ወሲዶም። እቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ብክልስ ሓሳብን ግብርን ዝተሰነየ ኢዩ ኔሩ። ምስ ናይ ውሽጢ ሕቡኣት ፈዳይን ዝተወሃሃደ፡ ብኣዝዩ ሓያል ድስፕሊንን ጽፉፍ ፕላንን ዝተመርሐ ስልጥናን ምድላዋትን ድማ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ተሪርን ኩሉ ዓይነት ጸገማት ናይ ምጽዋርን ንምርግጋጽ ብወተሃደራዊ ኣጸዋውዓ ም.ም.ም /ምምስሳል ምስራር ምስዋር/ ዝበሃል ስልጠና ወሲዶም። ብኹሉ ዓይነት ስልጠና ደረጃ ብቕዓቶም ኣብ ዘተኣማምን ኩነት ከምዘለዉ ድሕሪ ምድምዳም፡ ወፍሪ ንናይ መጀመርያ ተልእኾ ተወሲኑ። ቀጺሉ ድማ ነቲ ዕለት ናይ ስርሒት ኣብ ግምት ብምእታው ብኣግኡ ናብ ክልቲኡ ኣንፈት ከምዝንቀሳቐሱ ተጌሩ።

በዚ መሰረት ምዑታት ጉጅለ ፈዳይንና ኣብ ውሽጢ ምስ ዘለዉ ብጸቶም ኣብ ዘዝተወሰነሎም ቦታታት ድሕሪ ምርኻብ፡ ንመዓልታዊ ኩነታት ብደቂቕ እንዳ ኣጽንዑን እንዳ ገምገሙን ምስ ማእከላይ ኣወሃሃዲኦም በብወገኖም እንዳተራኸቡን ድሕሪ ምቕናይ፡ ብኣወሃሃዲኦም ዝተወሰነሎም ዕለትን ናይ ዜሮ ሰዓትን መሰረት ዕዉት ስርሒታቶም ፈጺሞም። ተዓዊቶም ድማ።

ኩሉ ደላዪ ለውጢ ኤርትራዊ ክርደኦ ዝግባእ ጉዳይ እንተሃልዩ፡ ውጽኢት ናይዚ ዕዉት ስርሒት ሂወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንምኽፋል ምዩቕ ዘይበሉ ውፉያትን ታባዓትን ጀጋኑ ኤርትራውያን ጉጅለ ፈዳይን መወዳድርቲ ኣልቦ ኢዩ። 

 ሓያሎ ውልቀ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ናይ ወረ ማዕከናትን ዝተፈላለየ ዜና ከቃልሓ ቀንየን ኢየን፡ ሕጂ  ግን በዚ ክብ ኢሉ ተገሊጹ ዘሎ ክውንነት ክርደኣን ነዚ ሓቂ'ዚ ከቃልሓ ከምዝግበአን ንገልጽ። ጸላኢ ጸላኢ ስለዝኾነ ግን ሕፍረቱን ስዕረቱን ንምሽፋን ነቲ ስርሒት ንምኽሓድ ዓቕሙ ዝፈቕደሉ ምግባሩ ኣይገርመናን ኢዩ። ስለዚ ኣይኮነንዶ እቲ ተሳዒሩ ስዒረ፡ ወሪሩ ተወሪረ፡ ሃሪሙ ተሃሪመ እንዳበለ እልቢ ዘይብሉ ሓሶት ዝነዝሕ ጉጅለ ኢሰያስ ካልእ ጸላኢ'ውን እንተኾነ ንስዕረቱ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል የለን።

ጨንፈር ፈዳይንና ጀሚሮሞ ንዘለዉ ውሁድ ስርሒት ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣባይቲ ኣብ ክንዲ ዝሃንጽ ዝተሃንጸ ብደዞራት ዘዕኑ ጉጅለ ኢሰያስ ሕነ ዝፈዲ ፍጻመ'ዩ። መንእሰያት ተማሂሮም፡ ሰሪሖም፡ መሲሎም ከይነብሩ ብገደብ ኣልቦ ዕስክርናን ባርነትን ተፈሪድዎም ካብታ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ፍቱዋት ስድራቤቶምን እግሮም ናብ ዝመርሖም ሃጽ ኢሎም ይጠፍኡ ከምዘለዉ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ'ዩ። ግዳይ ነጋዶ ውሽጣዊ ኣካላት /በደዊን/ን እንስሳታት ማእከላይ ባሕርን ኮይና ነሕልፎ ዘለና እልቢ ዘይብሉ መከራን ስቓይን ከይኣክል፡ ጉጅለ ኢሰያስ ናብ ስደት'ውን ደድሕሬና እናሰዓበ ይህውኸና ኣሎ። ብጭቡጥ እቶም ነዚ ኩሉ ጸገማት ሓሊፎም ዕድለኛታት ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጸጊዖም ሰሪሖም ንዘጥረይዎ ንብረት ብመንገዲ ስድራቤቶም ዘስርሕዎ ኣባይቲ በቲ ጉጅለ ከም ገበን ተቖጺሩ በልማማ የዕንዎ ኣሎ።

ነቶም ብዘይ ጠዋሪ ዝተረፉ ኣረጋውያን ወለዲ'ውን እንተኾነ፡ መባድልቲ ደቆም 50.000 ናቕፋ ክኸፍሉን  ራሕሪሕናዮ ዝኸድና ጠበናጁ ክዓጥቅዎን ይግደዱ ኣለዉ። ካብዚ ዝሓስም ግፍዒ የለን፡ ነዚ ሕነ ዝፈዲ ስጉምቲ ምውሳድ ድማ ሓላል'ዩ።

እዚ ስርሒት'ዚ ሕጂ ብኣና ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኩሉ ከምዝፈልጦ ቅድሚ ክልተ ዓመት 21 ጥሪ 2013 ብጅግና ወዲ ዓልን ብጸቱን ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ምንቅስቃስ ተኻይዱ'ዩ። ጡርኑፍ'ኳ እንተዘይኮነ ካለኦት ዝተፈላለዩ ጸረ እቲ ጉጅለ ምንቅስቓሳት ከምዘለዉ'ውን ይፍለጥ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ ደላዪ ለውጢ ንዝኾነ ህዝብናን ተቓወምቲ ውድባትናን ከነመሓላልፎ እንደሊ መልእኽቲ እዚ ዝስዕብ'ዩ። ፍልልያትና ብምጽባብን ዱልዱል ስምረት ብምፍጣርን ቀዳምነት ነዚ ሰታዪ ደም ዝኾነ ብኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅለ ከም ተመን ዕዳጋ ጠፋዕ ጠፋዕ ኣቢልና፡ ነታ  ኣብ ሞንጎ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን እትርከብ ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን። ጉጅለ ኢሰያስ ፈትዩ ጸሊኡ ኣብ ቀረባ ግዜ ምውዳቑ ኣይተርፎን'ዩ። እቲ ክሕሰበሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ ግን ኪንዮ ውድቀት ጉጅለ ኢሰያስ ንዝህሉ ኩነት'ዩ። ምሁርን ፖለቲካኛን ኤርትራዊ ዜጋ ሕሰብ።

ንዘረባ ናብ ግብሪ ናይ ምቕያር ባህሊ ነማዕብል። ነዚ በሪ ዝኸፈተ /ዘግኣዘ/ ማንታ መጥቃዕቲ ንዕሰሎ። ሕድሪ ሰማእታትና ናይ ምዕቃብን ለበወኦም ናይ ምፍጻምን ግዴታ ስለዘለና።

ዓወትና  ብደምና!!!

31/03/2015