AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና

Disclaimer - Image in video from Sudan represents conditions of despair similar to those of families and children affected by PFDJ destruction of their homes in Adi Keyih and other towns and villages of Eritrea.

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ብዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምፍራስ ኣባይቲ፡ ሓደ ኣቦ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ።

ስርዓት ህግደፍ ብ15-16ን መጋቢት አብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ  መጠነ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ አባይቲ ከፍርስ ውዒሉ'ሎ።  እቲ ትማሊ ሰንበት አጋ ወጋሕታ ዝፈለመ ወፍሪ ምፍራስ አባይቲ፡  ኣብቲ ብልምዲ  "ደቺ ሚለ" ተባሂሉ ዝጻውዕ ሰሜናዊ ምብራቕ  ከተማ ዓዲ ቐይሕ እዩ ጀሚሩ - ሎሚ ሰኑይ 16 መጋቢት  እውን  ብሰፊሑ ቀጺሉ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ ኣሎ።
 
ንነበርቲ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ብቐጥታ ኣዘራሪብና ከምዝረኸብናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ አብቲ ናይ ትማሊ ወፍሪ-ዕንወት ኣስታት 30 ዝኸውን አባይቲ  ዜጋታት ምሉእ ብምሉእ ኣፍሪሱዎ'ሎ። እቲ ስርዓት ናውቲ እቲ ኣባይቲ ሕጡብ ይኹን ብሊኮቲ ዳግማይ ንመዓላ ከምዘይውዕል ብዶዞራት ገይሩ ናብ ሓመድ ብምቕያሩ፡ ማዕረ ክንደይ ናይ ህዝቢ ጽልኣትን ንዕቀትን አሕዲሩ ከምዘሎ ጭቡጥ መርኣያ ምዃኑ እቶም ነበርቲ ኣረጋጊጾም።
 
ካብዚ ትማሊ ዝፈረሰ አባይቲ ገሊኡ ናይ ደቂ ስውአት፡  ገሊኡ ኣብ ምክልኻል ሃገር ናይ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፡ ከምኡ እውን ካብ ስደት ጨቖቕ ኢሎም ናይ ዘጥረዩዎ ዜጋታት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ግፍዒ ከኣ ኣብ ሓምሳታት ዝዕድመኡ ሓደ ኣቦ ስድራን ቖልዑኡን ዜጋ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ  ነብሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ተሓቢሩ።
 
ካብቶም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ዓዲ ቐይሕ፡ ሓደ ወዲ 80 ዓመት ዝኾኑ  አቦ " ቐደም አቦታትና ካብ ዝነገሩና ታርኽ ገዛእትን  ንሕና ካብ ዘርከብናሎም  ካብ ጣልያን ክሳብ እዛ ሎሚ፡ ህዝቢ ዓዲ ቐይሕ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ርእዩ አይፈልጥን'ዩ " ክብል ገሊጾም፡፡ 
 
እዚ ብለይቲ ሓሽከት ሰራዊት ኣዋፊሩ ህዝቢ ዘበሳበሰ ስርዓት፡  ኣብዚ ናይ ዕንወት ዕለታት ብምምሕዳራቱ ኣቢሉ፡ ህዝቢ ዓዲ ቐይሕ ንመስጊድ ኮነ ቤተክርስትያን ከይሳለም፡ አብያተ ትምህርቲ ኮነ አብያተ ንግዲ ከይክፈት ከምዝኣዘዘ ተፈሊጡ ኣሎ። ስለዝኾነ ህዝቢ ካብ ኩሉ ማሕበራውን ንግዳውን ዋኒኑ ተሓይቡ፡ መርዓ ዝነበሮም ሰብ ዕለትን መዓልትን እውን ክሳብ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቐትሪ ሰንበት ከይንቐሳቐሱን ናይ መርዓ አገባባት ከይገብሩን ተኸልኪሎም ከምዝወዓሉ ተሓቢሩ።
 
ከተማ ዓዲ ቐይሕ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ ዘስካሕክሕ ግፍዒ፡ ብጫውጫውታ ግፉዓትን ብአውያትን ብኽያትን አደታትን ሕጻናትን ተጨናኒቓ ምህላዋ ዝሓበሩ ነበርቲ እታ ከተማ እቶም ኣብቲ ናይ ዕንወት ወፈራ ዝተሳተፉ ሰራዊት፡ ኣብ ሰራዊትና ዝረአ ናይ ብሄራት ኣሰርን ምልክትን ብዘይምንባሩ፡  እቲ ሰራዊት ናይቶም ብጭካነኦም ዝፍለጡ ሰራዊት ደምሕት ከይኮኑ ዓቢ ጥርጠራ ከምዘሎን እቲ ጉዳይ ኣዛራቢ ኮይኑ ምህላዉን ሓቢሮም።
 
ንብረት ናይቶም ትማሊ ኣባይቶም ዝፈረሶም ዜጋታት ኣብ ደገ ኣውልን ዛዕዛዕታን  ስለዝወደቖ፡ ብዙሕ ንብረት ከምዝተበላሸወ ተፈሊጡ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ እታ ከተማ ነቶም ኣባይቶም ዝፈረሶም ዜጋታት ነብሶም ንብረቶምን ንምዕቋብ ሞራላዊ ሓላፍነቱ ይትግብር ከምዘሎ ነበርቲ ዓዲቐይሕ ኣረዲኦም።
 
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ  ከተማ ሰገንይቲን ሰንዓፈን  እውን ብዙሕ ዝፈርስ ኣባይቲ  ቀይሕ ምልክት ይግበረሉ ከምዘሎን እቲ ምፍራስ ናብዘን ከተማታት ከይልሕም ዓቢ ስግኣት ከምዘሎን ተፈሊጡ ኣሎ።
 
ፖሊስን ምልሻን እቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ አመሓደርቲ እቲ ዞባ፡ ኣባይቲ ንከፍርሱ ዝሃቡዎም ትእዛዝ ፈጺሞም ከምዝነጸጉዎ ዝሓበሩ ነበርቲ ዓዲ ቐይሕ አብቲ ትማሊ ዝነበረ ምፍራስ አባይቲ ናብ ስድራታት እናዞሩ፡ "ደቕኹም አጠንቕቕዎም አብ ልዕሊኦም ንዝወርድ ዝኾነ ይኹን ጉድአት ዝሕተት አካል የለን"  እናበሉ ከፈራርሑ ከምዝወዓሉ ሓቢሮም። 
 
ሎም ዓልቲ'ውን ሰኑይ 16 መጋቢት እውን ብወገን ምዕራብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ  ብርክት ዝበለ አባይቲ ፈሪሱ ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ፡፡ እዚ ሎሚ ክፈርስ ዝወዓለ ኣባይቲ አብ ትሕቲ ቤተክርስትያን  ምዕራባዊ ወገን እታ ከተማ ዝርከብ ኮይኑ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝቕመጠሉ ሓደስቲ ኣባይቲ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ምስበጽሓና ምዕባለታቱ ክንሕብረኩም ኢና።

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...