ዘረባ ኤርትራ ዘይክእሉ ኤርትራዊያን ናይ ዕለት 22 ለካቲት ኣብ ጎደና
ሐድሽ ቋንቋ አሎዋ ሃገርና

ንሐደ ካብዞም ኣብ ጎደና ዕለት 22 ለካቲት ዝውዕሉ፣ ሃገርና ኤርትራ እንታይ እዩ ቋንቋኣ ዝብል ሕቶ እንተተቕርበሉ፣ ካብ 9 ብሔራትና ቋንቋ ከምርጸና ሃሰውው ምበለ።

አብ”ዚ ሎሚ እዋን ግን ቋንቋ ሃገርና ኤርትራ ካብ 9 ቋንቋ ብሄራትና ወጻኢ ካልእ እዩ። ነዚ ቋንቋ እዚ ዝነቡን ዝርዱኡን ብዙሐት ደቃ እኳ እንተሃለውዋ ገለ ገለ ጹሉላት ናይ ጎደና ዕለት 22 ለካቲት ግን አሽንባይ ቋንቋኣ ሰሚዖም ሽግራታ ክርዱኡላን ክፈትሑላን ደማ ክውሕዝን ዓይና ክነብዕን ሃገርና ኤርትራ እንዳረኣ”ዩ እውን ብጩቕ አይብሉን። ከብዶም እቲ ምንታይ ብጥቕምን ረብሐን ስለ ዝተአስሩ ንካልኢት’ውን እንተተዛረብና እንታይ ገደሰኩም ጥራይ አይኮነን መልሰ ተግባር ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝስዕበና።

እንታይ ድአ ተመኒና ዘስራሕናዮ ቤትና አይንሰፍሮን ኢና። አብ ሃገርና ዘለዉ አረጊት አቦን አደን አይክንሪኦምን ኢናን፤ ውክልና ከይከሉኡና እዮም ዝብሉ ጉዳም ኤርትራዊያን። እዚኦም እዮም ዘረባ ኤርትራ ዘይርዱኡ ኤርትራዊያን። እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሕቶታት እዩ ቋንቋአ ሃገርና ኤርትራ። እዚ ከይትዛረቡ”ሲ ሰረቕቲ ምስራቕ ተኸልኪሎም ኢልኩም ክትምጉቱ ጉድ”ዩ ነገሩ፤

ናይዚ ሎሚ እዋን ቋንቋ ሃገርን እዋናዊ ሕቶናን ግን፤

  • ስለምንታይ ዝተሰዉኡ 10ሽሕ ንዝጠፍኡ 50ሽሕ ዝሽነኑ?
  • ስለምንታይ አብ ኤርትራ ትሕቲ ወዲ 54 ዓመት ትሕቲ ዕድመ ተቖጺሩ?
  • ስለምንታይ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 47 ዓመት ካብ ሃገር ዘይወጻሉ?
  • ስለምንታይ ብዘይ ፍርዲ ኣስታት 70 ሽሕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ይቕየዱ?
  • ስለምንታይ ብዘይካ እምነት ካልእ በደል ዘይብሎም ይሕየሩ?
  • ስለምንታይ ህዝቢ ካብ መንበሪኡ አውጺካ አባይቲ ንሐለፍቲ ይወሃብ?
  • ስለምንታይ ሐረስታይ ዝሐረሶ ምህርቲ ናብ ቖፉኡ ንከይእትዎ ተኸልኪሉ?
  • ስለምንታይ ኡንኮ ዩኒቨርስቲ አብ ሃገርና ተዓጽዩ?
  • ስለምንታይ መተካእታ ዩኒቨርስቲ መዓስከራት ዩኒቨርስቲ መሰል ተኸፊቱ?
  • ስለምንታይ ንግዳዊ ንጥፈት አብ ሃገርና ተከልኪሉ?
  • ስለምንታይ ህንጻዊ ስራሓት አብ ሃገርና ደስኪሉ?
  • ስለምንታይ ፍርዳዊ አካል አብ ኤርትራ ተበዲሉ?
  • ስለምንታይ ሃገራዊ ዕርቂ ንከይግበር ተዓጊቱ?
  • ስለምንታይ አብ ገዛእ ሃገሩ መንእሰይ መንቐሳቐሲ ክሕተት ተገሩ?
  • ስለምንታይ መንእሰያት ዝወልዱሉን ዝዝምቱሉን ጊዜኦም ተቓጺሉ?
  • ስለምንታይ ተረከብትን ወረስትን መንእሰያት ካብ ሃገር ይስደዱን ይጠፍኡ?

* መን ንህዝቢ አጊዱ አይ መንግስቲ እንድዩ ንገዛእ ህዝቡ አጊዱ
* መን አጊዱኩም አይመንግስትኩም አስቤዛ ንስድራ ከይትሰዱ ከልኪሉኩም?
* ሕሰቡሉ ዳአ ጽቡቕ ገርኩም ዳሕራይ ታሪክ ከይሐተኩም?
* ሕሰቡሉ ዳ ጹቡቕ ገርኩም ሕልናኩም ከይነብር ክወቕሰኩም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...