Google Earth Map - Massawaእዚ ብ552 ዝጅመር ናይ ስልኪ መራኸቢ ንጥዋለትን ውሽጢ ምጽዋዕ እዩ ዝምልከት።  ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ነበርትን ሓፈሻዊ ሕዝብን ኣይተነግሩን።

ወግዓዊ ወረ እዚ ናይ መራኸቢ መስመራት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ 2010 ክኽፈት እዩ ይብሉ።

እቲ ምስዚ ዝኸይድ ዘሎ ግምት እቲ ስርዓት ከም መትሓዚ ዘይብሉ ገረወይኛ ሓበሬታ የውጽእ ስለዘሎ እቲ ናይ ከበባን ፍርሕን ስግኣት ናብ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እሙናት ንምፍላይን ምክልኻልን ዝዓለመ እዩ ይበሃል።


ብተወሳኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኩል ግዜ ኣብ ስግኣት ስለዝነብር፤ ብድሕሪ ናይ ሕ.መ. እገዳ፣ ምናልባት እቲ ብእንጀራ ጥራሕ ዝሓሰብ ዘሎ ሕዝቢ ከም ገለ፣ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ስልጣኑን ብቕዓቱን፤ ብሰንኪ ናቱ ምሕደራ ወሪዱ ዘሎ መዓት፣ ዘሎን ዘየሎን ከየውሪ ምእንቲ፣ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምምኽናይን ናይ ምሕባእን ፈተነ እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቐጥታ ብሕይወቱ ፓራኖያ ካብ ዝሕዞ ነዊሕ እዋን ጌሩ እዩ። ኣሜሪካ ንኣብ ኣፍጋኒስታንን ሶማልን ዝነበሩ ሽበራውያን፣ ብናይ ኢድ (ሰል-ሞባይል) ስልኪ ኣብ ዘዝተጠቕሙሉ ቦታ ኣነጣጢራ ብሳተላይት ብምርካብ፣ ብሚሳይል ክትቐትሎም ከምዝኸኣለት ይዝከር። እዚ ዓይነት ፍርሒ እዚ ብዛዕባ ኢሳያስ መሰረት ዘይብሉኳ እንተኾነ፣ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ኤርትራ ናይ ከበባ ስምዒት ክሳብ ክንደይ ከምዝዓሰለ ጥራሕ እዩ ዘረድእ።

ሎሚ ንመጀመርታ እዋን ኣይኮነን ፕረሲደንት ኢሳያስ ንከተማ ምጽዋዕ ከም ናይ ነብሱ መጽለሊ ቦታ ዝጥቀም ዘሎ። ናይ መንበሪኡ ምርጫ ኣብ ምጽዋዕ ስለዝኾነ፣ ኣብ ኣስመራ መጫረቕን መስሓቕን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። ነበርቲ ኣስመራ፣ ርእሰ ከተማ ኤርትራ እታ ፍቅርቲ ኣስመራ ዘይኮነትስ ፍቅርቲ ምጽዋዕ እያ ክብሉ የዕልሉ። ኢሳያስ ሓደጋ ከንጸላልዎ እንከሎ ኩል ግዜ ኣብቲ ጸጥታ ምሕላው “ዝያዳ ዝቐለሉ” ሓጹር ናብ ምጽዋዕ ይፍርጥጥ።

ብፍርሒ ምስ ናይ ሳዳም ሑሰን ኢራቕ (the republic of fear) እትወዳደር ኤርትራ፤ ህላውነት ሕዝቢ ንባዕሉ ኣብ ናይ ፋሉልነት ውልቀ መላኽን፣ ኣተግበርቱን፣ ዝምርኲስ ስለዝኾነ ጽባሕ ለውጢ እውን ዘፍርሖ ድኣምበር ብኣወንታዊ ተስፋ ዝጽበዮ ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ እዚ ስርዓት ክንዲ ፍረ ጣፍ ዝኽውን ኣገባብ እውን ስለዘይኣምን፣ ከምዚ እንተኾነ ከምቲ ክኸውን እዩ ትብለሉ መጻኢ የልቦን። ዝኾነ ይኹን ዝወስዶ ስጉምቲ፣ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ፥ ክሳብ ንመንእሰያት ካብ ሳዋ ብምምላስ፣ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ምምሽኻንን፣ ውሽጢ ውሽጢ ምሓሩኒን፣ ኩሉ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ዕላማ ንምህራም ከምዝኾነ ብሩህ እዩ ይብሉ ተዓዘብቲ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...