ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።

 ዝኸበርካ ዶክተር አብይ፡

 ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም ድልውነቱ ዘረጋገጸ ናይ ሰላም ጻውዒት ኣመልኪትና ኣብቲ እዋን ዝተሰመዓና ባህታን እቲ ጻውዒት ሰላም ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ክወሃቦ ብዘዕባ ዝኽእል እወንታዊ ወይ ውን ኣሉታዊ ምላሽ ብዝምልከት ዘለና ስክፍታታት ብንጹር ክንገልጽ ፈቲንና ኔርና። እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገመትናዮ፡ ብወገን ኤርትራ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተሰዊሩ፡ ብገለ ውሑዳት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኤርትራን፡ ብቐንዱ ድማ ብኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ድልየትን ፋሉላዊ ዕንደራን ጥራይ ይፍጸም ብምህላዉ ድማ፡ ፍርህናን ስክፍታናን ካብ ባዶ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ኣብ ዱልዱል መርትዖ ዝተሰረተ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዝነበረ ዝያዳ ጋህዲ ኮይኑልና ኣሎ።

ዘይከምቲ ላእለዎት ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ መገሻ ክፍጽሙ ከለዉ ብመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝተገብረሎም ዉዕዉዕ ኣቀባብላ፡ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክገብሮ ወጢኑ ዘሎ መገሻ፡ ምስቶም ሃገራዊ ውሳኔታት ክህቡ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣካላት ማለት፥ ርክብ ምስ ኣባላት ባይቶን ሚኒስቴራትን፡ ሃለፍቲ ሞያውያን ማሕበራትን መሰል ሰብኣውያን ተጣበቕትን ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ሃልዩዎም ኣብ ምሕደራ ሃገርን ህዝብን ጸላዊ ተራ ዘለዎም ፖለቲካውያን ውዳበታትን ብነጻነት ሃሳቦም ዝገልጹ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣይክትራከቡን ኢኹም። ምኽንያቱ፡ ባህሪ መንግስቲ ኤርትራ ከምዚኦም ድኣመሰሉ ሃገራውያን ትካላትን ውዳበታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ክዕንብቡን ኣብ ዕብየት ኤርትራ እወንታዊ ኣበርክቶ ክህልዎም ስለ ዘይፈቅድ እዩ።

እወ፡ ምስ ሓደ ዘይቅዋማዊ፡ ስሩዕ ሓጋጊ፣ ፈጻሚን ፈራዲን ኣካላት ምስ ዘይርከቦ ቅርጻ መንግስቲ ዝግበሩ ውዕላትን ስምምዓትን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን መዐቀኒታት ሕጋዊ ተቐባልነት ክህሉዎም ከም ዘይክእሉ፡ ካባኻን ካብ ኩሎም ናይ ስራሕ ብጾትካን ዝኽወል ሓቂ ኣይመስለናን። ስለዚ ምስሓደ ንህዝቢ ወኪሉ ውዕላትን ስምምዓትን ከጽድቕ ዝኾነ ፖለቲካዊ፡ ሰብኣውን ሞራላዊ ብቕዓትን ምስ ዘይብሉ ፋሉላዊ ጉጅለ ግዜኻ ምብኻን፡ ካብ ህውተታ ሓሊፉ ኣብ ምምስራት ዱልዱልን ውሑስን ዝምድናን ዕርቕን ክልተ ህዝቢታት ከምጸኦ ዝኽእል ቀጻልነት ዘለዎ ትስፉው ለውጥን ክህሉ ከም ዘይክእል፡ ብኣግኡ ክትርደኣልና ንደሊ።

ስለ ዝኾነ፡ ሓቐኛን ነባሪ ፍታሕን ኣብ ምምዕርራይ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረጋገጽ እንተድኣ ተደልዩ፡ ምስቶም ሓሳቦምን ራኢኦምን ብነጻነት ክገልጹ ጸገም ዘይብሎም ኣብ ግዳም ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብመንገዲ ጥርናፈታቶምን መራሕቶምን ርክብ ክግበር ኣጥቢቕና ንላቦ።

ንዓና ንኤርትራውያን ጉዳይ ዶብ ኣዝዩ ዘገድሰናን ከም ሃገር ክንክበር ዝገብረናን ምዃኑ ገና ብዓንተቦኡ ስለ ዝተረዳእና ኢና ዶባትን ሉኣላዊ ግዝኣታት ኤርትራን ንምኽባር ንኣስታት 32 ዓመታት ሂወትና፣ ኣካላትናን ንብረትናን ነዛ ፍትውቲ ሃገር፡ ሃገረ ኤርትራን ንነጻነትን ሓርነትን ሉኣላዊ ግዝኣታታ ዝተጋደልናን ዝወደቕናን። ምእንቲ እዚ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ዶብ ማለት ትንፋስ እምበር ከም ኣርቲፊሻል ዝግለጽ ደረት ኣልቦ በረኻ ኣይኮነን።

ሃገርና ኤርትራ፡ ማዕረ እተን ኩለን መዛኑኣ ሃገራት፡ ዝተኸብረን ዝተሓፍረን መርየታዊ፡ ሰማያዊን ማያዊን ዶባት ኣለዋ እሞ፡ ዶባታ ናይ ምውሓስን ናይ ምሕላውን ሓላፍነት ድማ ብቐንዱ ንህዝባ ዝግደፍ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላምን ቅሳነትን ኣብዞም ክልተ ህዝብታት ክነግስ ሓቀኛ ድልየት እንተድኣ ሃልዩዎ፡ ነዚ ብሰንኪ ዶብ ዝመጸ ኲናትን ወረ ኲናትን ሃንሳብን ንሓዋሩን ብወግዒ ደው ኣቢሉ፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ነቲብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝተዋህበ ብይን ክትግብርን ቀዳምነት ሂቡ ክዓየሉን ይግባእ ንብል።

ብተወሳኺ፡ ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ቅሉዕ ደብዳቤና ዝሓተትናዮ፡ መንግስታትን መራሕትን ሓለፍቲ፡ ሃገራትን ህዝቢታትን ድማ ነበርቲ እዮም እሞ፡

ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህዝቦም ዝጥምቱን ብህዝቦም ዝግደሱን መራሕቲ ገና ኣይዓደሎን። ምእንቲ እዚ፡ ዝበዘሐ ክፋል ካብ ሕብረተሰብ ንሃለዋቱ ኣብ ዘይፍለጠሉ፡ ብግፍዓዊ ጭካነ ዝቕተለሉ፣ ዝግረፈሉ፣ ኣብ ፈቐዶ ሹርጓና ዝእሰረሉ፣ ኣብፈቐዶ ሃገራት ዓለምና ፋሕ ብትን ዝበለሉን ዝተሰደሉን ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ቀለብ ኣሞራ ዝኾነሉን ኣብ ማያት ድራር ዓሳ ክኸውን ዝተፈርደሉን፣ ኣዋልድና ብዘይፍቓደንን ድልየተንን ዝዕመጻሉን ኣብ እህህታን ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ዝነብራሉን፣ ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፣ ሰብኣይ'ውን ብዘይ ሰበይቲ ኣብ ዝተፈላለዩሉን፣ ውሉድ ድሃይ ወላዲ ክገብር ኣብዘይፍቐደሉን ወላዲ'ውን ተስፋን ድሃይን ውላዱ ጠፊኡዎ ዝርንዝሕ ኣብ ዝነብዓሉን፣ ኣረጋውያንና ኣላዪን ጠዋሪን ስኢኖም ብጥምየት፣ ብጽምኢ፣ ብዕርቃን ኣብ ዝሳቐዩሉን ምስ ክቱር ናፍቖቶም ኣብ ዕጹው ገዛ ዝሞቱሉን ሑመት ኢና እንርከብ ዘለና። ስለዚ፡ ንዓና ቅዱስ የውሃንስ ኮነ መስቀል ሎሚ ኣይንታይናን እዩ። ኣብ መዋእል ሓዘን እምበር ኣብ መዋእል ፍሰሃ'ውን ስለ ዘየለና፡ ከምቲ ንፌስታን ደስታን ድሉው ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክንከውን ገና ኣይበቓዕናን እሞ ኣብ ክንዲ ንሕዙን መንፈስ ብዳንኬራን ብጨፈራን ጌርካ ኣብ በዓል መስቀል ንህዝብና ምህዋጽ፡ ብመሰረት ብይን ውዕል ኣልጀርስ ዶባትና ንኽሕንጸጽ ቀዳምነት ሂብኩም እንተትዓዩሉ፡ ህዝብና ከም ናይ ሓዘኑ ደበስቲ ጌሩ ምረኣየኩም።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ክብ ኢልና ዝገለጽናዮ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ስርዓት፡ብድልየትን ባርኾትን ገዛእ ህዝቡ ናብ ስልጣን ዘይመጸ ብምዃኑ፡ ስልጣኑ ካብ ኢዱ ሸተት ከይትብሎ ጥራይ ካብዝብል ከንቱ ስግኣት፡ ኣብ መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ናይ ራዕድን ሽበራን ምሕደራ ስለ ዘተኣታተወ፡ ደቂ ሃገር ብሰንኪ ኢቲ በዚ መላኺ ስርዓት ዝወረዶም ኣደራዕ ከይፈተዉ ንዝብህጉዋ ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ፈቐድኡ ሃጽ ኢሎም ንኽነብሩን ክስደዱን ተገዲዶም ኣለዉ። ስለ ዝኾነ ድማ ሎሚ ትሕቲ ዕድመ፣ ኣረጋውያን፣ ጥርኑፋት በተሰባት፣ ስንኩላንን ደቀንስትዮን ዝርከቡዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኩለን እተን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ።

ሰላም ከም ስማ ጽብቕትን ተበሃጊትን እኳ እንተኾነት፡ እዚ ዝዕየየሉ ዘሎ መስርሕ ሰላም ምስ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ምስቲ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ዘይስምዖ ግፍዓዊን መላኺን ስርዓት ይግበር ብምህላዉ፡ ኣብ ኩለን መዓስከራት ስደተኛታትን ከተማታትን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕነትን ህላወን መጻኢኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላም ዝነበሮም ቅሳነትን ሩፍታን ከም ዝርሕቕ ጌሩዎ ምህላዉን ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዘይ ውሑስ ቀጻልነትን ዓቕሊ ጽበትን ይርከቡ ምህላዎም ክንሕብረካ ንፈቱ። ምእንቲ እዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ'ውን ከም ትማሊ ድሕነትን ህላወን ናይ ኩሎም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክከታተልን፡ እንተተኺኢሉ ውን መንፈሳዊ ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምርግገኦም መደባት ክሰርዑን ብዑቱብ ክከታተሉዎንም ውሑስ ሂወት ንኸሕልፉ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ብምግባር ክተሓጋገዙዎምን ደጊምና ንምሕጸን።

ቀጻልነት ዘለዎን ነባርን ሰላም ንምርግጋጽ ዝከኣል ምስ ብህዝቡ ልዑል እምነት ዝተነብረሉ፣ ብሕግን ቕዋምን ዝምራሕ ስለ ህዝቡ ወትሩ ዝሓስብን ዝሓልን ብዘመናዊ ኣዕኑድ ዝቖመ ቅርጸ መንግስቲ ዝውንንን ህዝባዊ ተሓታትነት ምስ ዝስመዖ ኣካል ብምዝታይ እምበር፡ ምስ ልዕሊ ሕጊ እየ ኢሉ ንነብሱ ዘተዓባቢ ባርባራዊ መላኽን ህልኸኛኝ ቂመኛን ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም ንምርግጋጽ ከቶ ከም ዘይከኣል ደጊምና ነስምረሉ።

ኤልሳቤጥ ጭሩም

ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ 

ለንደን፡

ዓዲ ኢንግሊዝ።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...