Image result for eritrean community santa clara

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ወርዳ ሳንታ ክላራ ናይ ኣስታት

ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ሓገዝ ተዓዊቱ

 

ቤት ጽሕፈት ንምጥያስ ስደተኛታት ወይ ከኣ ኦፊስ ኦፍ ረፊጁ ሪሰትልመንት ተባሂሉ ዝፈልጥ ፈደራላዊ ትካል ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንማሕበርኮም ኤርትራውያን ኣብ ሳንታ ክላራ በቲ ዘቐረቦ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ስራሕ ፕላን ምርኩስ ብምግባር ናይ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ($495,030) ዶላር ኣሜሪካ ፋይናንስዊ ሓገዝ ኣበርኪቱሉ። 

ነቲ ዝተረኽበ ፋይናንሳዊ ዓወት ኣመልኪቱ ንኣባላት ኣብ ዝዝርገሖ መልእኽቲ ኣቦ ወንበር እቲ ማእከል ኢንጂነር ረጋ ተኸስተ “እዚ ተረኺቡ ዘሎ ፋይናንሳዊ ዓወት ንዝመጹ ሰለስተ ዓመታት ንዝካየዱ ንጥፈታት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ነቶም ኣቀዲሞም በቲ ኮሚኒቲ ክካየዱ ዝጸንሑን ዝካየዱ ዘለውን ዝተፈላለዩ መደባት ብዝበለጸን ዝሰፍሓን መዳይ ንኸነሳላስሎም ክኽእለና እዩ”።  ኣስዒቡውን ከሉ ኣባልን ማሓዛን እቲ ኮማዊ ማእከል ነቲ ተወጢኑ ዘሎ መደባት ኣብ ምዕዋት ከይተሓለለ ክሰርሕ ተላብዩ።

እዚ ኣብ 2008 ዝተመስረተ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ወርዳ ሳንታ ክላራ፡ ካብ ኩሉ ሃይማነታዊ፡ ጾታዊ፡ ዓሌታውን ጸግዕታት ናጻ ዝኾነ ንመኽሰብ ዘይቆመ ኮማዊ ማሕበር እዩ። እዚ ማሕበረኮም ካብ ዝምስረት ክሳብ ሎሚ ን ኣስታት 5000 ዜጋታት ኣገልግሎት ሂቡን ይህብ ኣሎን።

ናብ ሳንታ ክላራን ከባቢኡ ንዝመጹ ኤርትራውያን ስደተናታት፡ ናይ ቋንቋ ደገፍ፡ ናይ ምምራሕ መኪና ትምህርቲ፡ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ፡ ን ኢመግረሽን ዝምልከቱ ምኽርታትን ሓበሬታትን ምሃብ፡ ን ኤርትራውያን ይጠቕሙ እዮም ዝብሎም ዝተፈላለዩ ኣብ ጥዕና፡ ፋይናንስ፡ ስርዓተ ሕጊ ኣሜሪካን ዝተኮሩ ዝተፈላለዩ ኣስተምህሮታትን ምድላውን ገለ ካብቶም በዚ ማእከል ዝካየዱ ስርሓት እዮም።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ www.eritreancommunity.org ተወከሱ::