ህጹጽ  ጻውዒት  ንኹሎም ኣብ መላእ ኵርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን

ክቡራት ኣብ ውጻኢ ሃገራት ትነብሩ  ኤርትራውያን

ሃገርና ኤርትራ ጽባሕ መዓልቲ መበል 25 ዓመት ናጽነታ ከተብዕል እያ። ናጽነት ሃገርና ዋላ`ኳ ብኸቢድ መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ክቡራት ደቃ ዝተረኽበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ኩሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ከግህደሉ ኣይከኣለን። በዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአ ዝኸይድ ኩነታት ዘይሓዝንን ዘይግደስን ኤርትራዊ የለን። እቲ መሪር ሓቂ እዚ ኾይኑ ፡ ኩላትና ዜጋታት ብሓባር ናጽነትና ንምርካብ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከንቱ ኮይኑ ከምዘይተርፍ ከነረጋግጽ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለና። 

ኣብ ኩሉ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡዎም ቦታታት ኩሎም ጽዑቕ ዝኾነ ምውዕዋዕ ብምግባር ኣኼባታት ብምክያድን ከባቢያዊ ተወከልቲ ብምምራጽን፣ እቶም ናይ ከባቢ ተወከልቲ ድማ ተኣኪቦም ብደረጃ ሃገር፣ እቶም ናይ ሃገር ተወከልቲ ኸኣ ተኣኪቦም  ናይ ክፍለ-ዓለም፣ ንሳቶም ተኣኪቦም ድማ ናይ ኣህጉራዊ መራሕቲ ብመንገዲ ካብ ታሕቲ-ንላዕሊ አካይዳ ንኽመርጹ ኢና እማመና ነቕርብ ዘሎና። እዚ ዕዉት ንኽኸውን፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ኩሎም ንኽሰምዑ አዝዩ ጽዑቕ ጎስጓስ ከድሊ እዩ። ዕላማ ናይዚ ተበግሶ`ዚ፡ ነተን ድሮ ተጠርኒፈን ወከልተን መሪጸን ዘለዋ ከተማታት ወይ ከባቢታት ሰጊርካ ወይ ጎሲኻ ብምኻድ ምድግጋም ናይ ስራሕ ክገብር ዘይኮነ፡ ነተን ዛጊት ተበጊሰን ዘለዋ ከተማታት ንምድንፋዕ ነተን ዘይተበገሳ ድማ ኣበጊሱ ነቲ ናይ መሰረታት ምልዕዓል (grassroots movement) ብደረጃ ዓለምለኸ ንምስፍሑ እዩ። ኣብ መስርሕ ናይዚ ምምራጽ ኣህጉራዊ መራሕቲ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ብዘይ አፈላላይ ናይ ዓሌት ፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ዕድመ፡ ብሄር፡ ከምኡ`ውን ተወዲቦም ይኹን ከይተወደቡ ዝቃለሱ ደለይቲ ፍትሒ ዘሳትፍ ንኽኸውን ኩሉ ዝከኣል ክንገብር ኢና። አብ ሃገርና ለውጢ ብመንገዲ አብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝርከቡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ከምዝመጽእ ጥርጥር የብልናን። ኮይኑ ግን፡ እቲ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ናይ መቃለሲኡ ስትራተጂ አነጺሩ ብምትሕብባር ምስ ዝሰርሕ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዝያዳ ሞራል ይህቦምን የሐይሎምን እዩ`ሞ ተሓባቢርካ ምስራሕ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ አለዎ።

ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ  ጉዳይ ሃገሮም ዝግባእ ንጡፍ ኣበርክቶ ካብ ምግባር ከልኪልዎም ዝርከብ ምኽንያት፡ ንኹሎም ኣብ ዲያስፖራ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝውክል፣ ሃገርና ንምድሓን ዝግበር ቃልሲ ዘወሃህድ፣  ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ሕጋዊ መሪሕነት ዘይምህላዉ ምዃኑ ክንኣምነሉ ዝግባእ ሓቂ`ዩ። ብሓጺሩ፡ ዓቕምን  ጸጋን ኣብ ዲያስፖራ  ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ድሕነት ሃገር ከውዕል ዝኽእል መሪሕነት የድልየና`ሎ። ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ  መሪሕነት፣  ብኻብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ (grass-root) ምንቅስቓስ ተጠርኒፍና ክንመርጾ ከም እንኽእል ምሉእ እምነት ኣለና። ኣብ ዲያስፖራ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምሉእ  ውክልና ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ንምምራጽ፣ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ፡ ብዘይ ናይ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ከባቢ፡ ጾታን ባህልን ኣፈላላይ ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝሳተፍ ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።  እዚ መስርሕ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ከተማታት፡ ሃገራትን ክፍለ-ዓለማትን ብግቡእ ክካየድ ኣለዎ። ስለዚ፣ ምሉእ ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ መሪሕነት ንምምራጽ ዘኽእለና -  ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) - ንምድልዳልን ንምዕዋትን  ክትጽንበሩና ንጽወዕ።  

ግደ ዓለምለኻውያን መራሕትና

ተራ ዓለምለኻውያን መራሕትና ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ምእላይን ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋግር ባይታ ንምጥጣሕን ዝሕግዝ ኣድማዒ ንድፊ/ስትራተጂ ምሕንጻጽን እዩ። ብግብራዊ መለክዒታት ክረአ እንከሎ፡ እቲ ሓቀኛ ለውጢ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ለውጢ ባእታታት ብምትሕብባር ጥራይ እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ብቐንዱ፡ ተራ ዓለምለኻውያን መራሕቲ ምስ ንጡፋት ናይ ደለይቲ ፍትሒ/ ናይ ተቓውሞ ውድባት ተወሃሂዱ ጥጡሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ንምክያድ ዘማእዝን ውጥን ምድላው እዩ። ምርካብ ደገፍ ናይ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን`ውን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሓላፍነቱ እዩ። ኣብ ደገ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምውካል ብሕጋዊ መንገዲ ዝምረጽ ክሳብ ዝኾነን፡ ኣብ 

 ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ወኪሉ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክዛረብን ክሰርሕን ሕጋዊ ስልጣን ክህልዎ እዩ። ኣድማዕን ጽዑቕን  ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምጥቃም፡ እዚ ናይ መሪሕነት ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት  ከቢድ ጸቕጢ ክገብር ድፍኢታት ገይሩ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ለውጢ ባእታታት ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ምሃብ ብውሑድ ክሳራ ንዝድለ መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ክጽዕት እዩ። 

መስርሕ ምምራጽ ኣህግራዊ  መሪሕነት

እዚ መስርሕ ኣብ ደረጃ ከተማ ዝጅምር ኮይኑ፡ መጀመርታ ኣብ ኩለን ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ዝተወዓወዐ ምልዕዓልን መጸዋዕታ ሓፈሻዊ ኣኼባን ክግበር ኣለዎ።  ንኹሎም ኣብ እቲ ቦታ ዝነብሩ ኤርትራውያን ንምርካብ ጽዑቕ ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ።  ንኹሎም ኤርትራውያን፣  ብፍላይ ናይ ሬድዮ ይኹን ካልእ መራኸቢ ብዙሓን ተጠቓምነት ዘይብሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ  ንምዕዳም ዕቱብ ጻዕሪ ምክያድ ይግባእ።  ሰፊሕን ኣድማዕን ጎስጓስ ብትግርኛን፣ ዓረብኛን፡ እንግሊኛን ተዳልዩ፡ ብጽሑፍ፡ ብረድዮ፡ ብመርበብ ሓበሬታ፡ ብጅምላዊ ቴለፎን መልእኽታት ክመሓላለፍን፣ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ብምካያድ ክዝርጋሕ የድሊ። ንህዝቢ ሓፈሻዊ ኣኼባ ምጽዋዕ ጥራይ ዘይኮነ፣ ተሳትፎኡ ንድሕነት ሃገር ወሳኒ ምዃኑ  ክፈልጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ  እዩ።

ብድሕር`ዚ፡ ዝተመረጹ ወከልቲ ከተማታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተኣኪቦም ብደረጃ ሃገር መሪሕነት ይመርጹ።  ነዚ ንምስላጥ፡ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ንኣኼባ ዘድሊ ውጥንን ውደባን ብዝግባእ ከተዋድድ`ውን ኣገዳሲ ይኸውን።  እቶም ብደረጃ ሃገር/ዞባ ዝተመርጹ ከካብ ዞባኦም ተኣኪቦም ኣህጉራዊ መሪሕነት ይመርጹ። ንኣብነት፥ ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝተመረጹ መራሕቲ፡ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ይመርጹ። እዚ መስርሕ ኣብ ኩለን ክፍላተ-ዓለማት ይግበር። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ መሪሕነት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ኣብ ኤውርጳ፣  ሰሜን ኣሜርካ፣ ማእከላይ ምብራቕ፣ ኤስያ፣ ኣውስትራልያ፣ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜርካን ዓለምለኻዊ  መሪሕነት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንምምራጽ ይእከቡ። 

ንሕና መን ኢና?

ንሕና ኣብ ታሕቲ ክታምና ኣንቢርና ዘለና ውልቀሰባት፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዝመጻእናን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላተ ዓለም ንነብርን ተቓለስቲ ኤርትራውያን ኢና። ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ደገፍቲ ናይ  - ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ኢና።  “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ “ ወይ “ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroot’s Movement (GIEEGM)” ተባሂሉ ዘሎ ስምና ከምዘነጽሮ፡ ኣብ ሃገርና እወንታዊ ለውጢ ንምምጻእ ኩሎም  ኤርትራውያን ንኽሳተፉ መንገዲ  ዝጸርግ ስጉምቲ እዩ። ብሓባር ዝጠምረና  ነጥቢ - ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ምስ ኩለን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር ብምስራሕን ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ  ብምስታፍን፣ ምልኪ ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከረጋግጽ ዝኽእል  - ዝሰለጠ መንገዲ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ተበግሶና ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፣ ኣብ መጻኢ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ`ውን የብልናን። ዕላማና  ካብ ምስላጥን ምቛምን ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኤርትራ ዝሓልፍ ኣይኮነን።   

መጸዋዕታና ንመንእሰያት ኤርትራ፡-

መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምዕዋት እዚ ምንቅስቓስ ህዝብን ምርግጋጽ ተሳታፍነት ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ኤርትራውያንን መሪሕ ተራ ክጻወቱ ንጽበዮም ኣካላት ሕብረተሰብና እዮም። መጻኢ ኤርትራ ኣብ ንጡፍ ተሳታፍነት መንእሰያት ከም ዝምርኮስ ዘየጠራጥር ሓቂ እዩ።  

መጸዋዕታና ንደቂ-ኣንስትዮ  ኤርትራ

ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ብዝተጻወተኦ ጅግንነታዊ ተራ ኣብ መጽሓፍቲ ታሪኽ ዓለም ስመን ዘመዝገባ እየን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ በዚ ጨቋኒ ስርዓት ተገሊለን ክትርእየን ዘሕዝን እዩ። ብርግጽ ገለ ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ንጡፋትን ኣድማዕቲ  ተቓለስትን ተጣበቕትን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ እየን። ስለዚ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ  - ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ`ውን (grass-root movement) ንምርግጋጽ  ዲሞክራስያዊ ለውጢ   ኣብ ሃገረን መሪሕ ግደ ክጻወታ ምሉእ ምትእምማን ኣለና።  

ጻውዒትና  ንኤርትራውያን  ስነጥበባውያን  ብቐዳምነት፡ ብጉዳይ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ጾር ተሰሚዑኩም ህዝብኹም ኣብ ምንቃሕ፡ ምጉስጓስን ድምጺ ሓድነት ምቅላሕን  ክትገርብሩዎ ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ውሕሉል ኣበርክቶ ነመስግን። እዚ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ናይ ህዝቢ ምንቕቓሕን  ምጉስጓስን ዓቕሞም ፈሊጡ ብቐዳምነት ግዳያት ዝገብሮም ስነጥበባውያን አዮም። አዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣሊና  ህዝቢ ዝመሰረቱ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምትካል ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣወዳድባ (bottom-up approach) ዝመሰረቱ ህዝባዊ ከባብያውን ዓለምለኻውን ባይቶታት ንምቛም ዝዓለመ ተበግሶ፡ በቲ ተውህቦኹም ኮይኑን፡ ጽዒርኩም ዘማዕበልኩሞን ሙያ ደገፍኩም ክትገልጹን ኣበርክቶኹም ከተዕዝዙን ብኽብሪ ንጽዋዓኩም። እቶም ተባዓትን ሰብ ሕልናን ስነጥበናውያን ድሮ ኣብቲ ቅኑዕ ሸነኽ ናይ ታሪኽ ኣለኹም፣ ስለዚኸኣ፡ መጎስ ይግበኣኩም። ዜማታትኩም፡ ግጥምታትኩም፡ ሙዚቃኹም፡ ጽሑፋትኩም፡ ከምኡ'ውን  ዋዛታትኩም ከምዘለዎ ናይ ሕልና መግቢ እዩ`ሞ፡ ሃየ ደኣ ዳሕድሑዎ። እቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብታ ጃልባ ፍርሒ  ዘይሓኾርኩም ድማ ምስቶም ምዑታት መሳርሕትኹም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝኩም ባዕልኻትም እትስንዱዎ ታሪኽ ከተወቅቡ  ብኣኽብሮት ንዕድመኩም።

መጸዋዕታ ነኤርትራውያን ውሑዳን ብሄራት

እዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብማዕርነት ንኹሎም ዜጋታት ዝልግሶ ነገር እንተ ድኣ ኣልዩ፡ ግፍዕን ማእሰርትን ጥራይ እዩ። ንገለ ውሑዳን ብሄራት ሀገርና`ውን ናይ አነባብራኦም ልምድን ባህልን ብምግሃስ፡ ደቆምን ንብረቶምን እንዳመንዘዐ፡ ምስቲ ካልእ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ምትፍናንን ዘይምትእማማን ንምንጋስ ብዙሕ ቶኽቷዂ ተግባራት ምክያድ ሓደ ካብቲ በታታኒ ሸርሕታት ናይዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት እዩ። ነዚ ንምፍሻል ግን ኩልኹም አባላት ውሑዳን ብሄራት ሃገርና ምስ የሕዋትኩም ተወሃሂድኩም ብምቅላስ ክብርኹምን ክብሪ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን አብ ምምላስ እጃምኩም ከተበርክቲ ንጽውዕ።

መጸዋዕታና ንመራሕቲ ሃይማኖት

መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ኣብ ስቅያት ህዝቦም ዘለዎም ቅሬታ ኣብ ምግላጽ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም እዮም። ተሳታፍነት ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን`ውን ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ኒውዩርክ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዓቢ ሞራላዊ ምትብባዕን ድጋፍን ሂቡ እዩ። ከምቲ ናይ ዝሓልፈ፡ ሕጅ`ውን ነዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ደገፎም ክቕጽሉ ንጽውዕ።

መጸዋዕታና ንኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት

ንኹሎም ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት ብንጡፍ ኣበርክቶኦም ነዚ ምንቅስቓስ ንምዕዋት ክሰርሑ ንጽውዕ። ኣባላት ዓለምለኻዊ ስምረት ኤርትራውያን፡ ሃገራዊ መድረኽ ንዘተ ኤርትራውያን፡ ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራን ካልኦት ሲቪካውያን ማሕበራትን ነዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ከም ናይ ጸሓፍቲ፡ ሰሚናራትን ኮንፈረንስን ካልኦትን ጉጅለታት ክጽንበሩወን ንጽበዮም።

መጸዋዕታና  ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታን ፈነወታት ረድዮን መደባት ፓልቶክን

ጊዜአንን ካልእ ጸጋታተንን ንስቓይ ህዝበን ንምቅላሕን ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ መድረኽ ንምኽፋትን ዝሰውኣ ኩለን ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታን፡ ፈነወታት ረድዮን፡ መደባት ፓልቶክን ምስጋና ዝግባእ እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም፡ ንዝጻወትኦ ዘለዋ ዓቢ ተራ ኣድናቖትና እንዳገለጽና፡ ነዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ`ውን (grass-root movement) ዝተፈላለዩ ፈነወታት፡ ከም ናይ ቃለመጠይቓት፡ ቃል ኣሰናዳኣቲ፡ መደባት ዘተን ክህበኦ ንጽውዕ።

መጸዋዕታና  ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ       

መስረትቲ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ንምምጻእ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝተበገሱ ምዃኖም ዘየተሓታትት ነጥቢ ኮይኑ፡ ውጹዕ ህዝቦም ንምድሓን ብዝገበሩዎን ዝገብርዎ ብዘለዉን መስዋእቲ ኩሉ ግዜ ክምስገኑን ክኸብሩን ዝግበኦም እዮም።  ኣብዚ ጊዜ ንኹለን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሓቚፈንኦም ዘለዋ ጉጅለታትን ኣባላትን ነዚ ነበግሶ ዘለና ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ክድግፉ ክንጽውዕ ንፈቱ። እዚ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ ምስ ኩለን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ብምትሕብባር ምስ ዝሰርሕ፡ ነዚ ውድባት ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈላሉ ዕላማ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ንምውቃዕ ኣዝዩ ዓብይ ተኽእሎ ዘለዎ እዩ። እዚ ንረብሓ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባትን ህዝቢ ኤርትራን ክሳብ ዝኾነ ኸኣ፡ ኩለን ውድባት ምሉእ ደገፍ ከም ዝህበኦ ንኣምን። ውድባት ነዚ ምንቕስቓስ እዚ ብሕማቕ ኣረኣእያ ከም ዘይጥምትኦ ምሉእ ተስፋ ኣለና። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ነዚ ምንቕስቓስ ዘይምድጋፍ ዕድመ ጨቋኒ ስርዓትን ስቅያት ህዝብን ምንዋሕ ጥራይ ስለ ዘስዕብ እዩ። መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኤርትራ ፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ከምኡ`ውን ካልኦት ፖለቲካውያን ውድባት ንሓድነት ህዝቢ ዝገብርኦ ዘለዋ ተበግሶታት ክዕወት ተስፋ ኣለና። ከምኡ`ውን ሕቡራት ፖለቲካውያን ውድባት ተቓወምቲ ኣብ ነጻ ተሳታፍነት ፖለቲካውያን ውድባት ኣብ ተረጋግጽ መጻኢት ኤርትራ ደገፍ ህዝቢ ኤርትራ ንምርካብ ዝሕግዘን ራኢአን ከሐድሳን መደባተን ክዳልዋን ንምነ። እቲ ዝምረጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምስ ኩለን ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ተሓባቢሩ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ጥጡሕ ባይታ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምክያድ ዘማእዝን ውጥን ከዳሉ ትጽቢት ንገብረሉ። በዚ ኸኣ ንኹለን ውድባት ምስ ኣሕዋት ኤርትራውያን ተሓባቢረን ንዓወት እዚ ምንቅስቓስ ኣበርክቶአን ክገብራ ንጽውዕ።                       

መጸዋዕታና ንምሁራን ኤርትራውያን

ኤርትራ በቶም ንተንኮላትን ሸርሕታትን ስርዓት ህግደፍ ተረዲኦም ንህዝቦም ብምንቃሕ፡ ነቲ ናይ ሓርነትን  ፍትሕን ቃልሲ ከቀላጥፉ ብዝኽእሉ ምሁራን ዝተባረኸት ክነሳ፡ እቶም ንህዝቦም ዝወርዶ ዘሎ ዓዘቕቲ ተሰሚዑዎም፡  ከምቲ እትጽበዮም  ኣብ ባይታ ዝነጥፉ ዘለዉ ምሁራን ኣዚዮም ውሑዳት ኢዮም እንተ በልና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ስለዚ ኩሎም ምሁራትና በብዘለዉዎ ከባቢ ምስ ህዝቦም ሓቢሮም ንምዕዋት “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ወይ “ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroot’s Movement (GIEEGM) እጃሞም ከበርክቱ ንዕድም። 

መጸዋዕታና ንኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተስፋ ዝቖረጹ ዜጋታት

ሽሕ`ዃ ኣብ ኤርትራ ብዘጓንፍ ዘሎ ስቓይ ዘይስምዖ ዜጋ ክትስእል ከቢድ እንተኾነ ፡ ብዙሓት ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክገብርዎ ዝኽእሉ ከም ዘይብሎም ብምእማን ናይ ተስፋ-ምቝራጽ ስምዒት ኣጥርዮም እዮም። ኩላትና ኣብ ሓደ ግዜ ከምኡ ዓይነት ስምዒታት ኣሕሊፍና ክሳብ ዝኾንና ኸኣ ኩነታቶም ጽቡቕ ገይሩ ይርደኣና።  እንተኾነ፡ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያት እናረኣየ ዓይኑ ዓሚቱ፡ እናሰምዐ`ውን ኣእዛኑ ሓቲሙ ክሓልፎ ናይ ቅሳነት ኣእምሮ ዝህቦ ኮይኑ ኣይረኣየናን። ስለዚ ኸኣ፡ ኩሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብዚ ኣበጋጊስናዮ ዘለና ምንቅስቓስ ተጸንቢሩ ብንጡፍ ተሳታፍነቱ እቲ ንጽበዮ ጩራ ባና ለውጢ ከድምቕ ንጽውዕ። ነቶም ብዛዕባ ብሰንኪ ተሳታፍነቶም በዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ክወርዶም ዝኽእል ሓደጋ ስክፍታታት ዘለዎም ዜጋታት መንነቶም ብስቱር ተታሒዙ ኣብዚ ምንቕስቓስ ኣበርክተኦም ክገብሩሉ ዝኽእሉሉ መንገዲ ክግበር እዩ። እንተ ወሓደ መንነቶም ከየጋለጹ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ቀንዲ ነገር እንተ`ሎ ግን ሓድነትና ዕምሪ ናይዚ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት  ዘሕጽር ምዃኑ እዩ። 

ኣረኣእያና ኣብ ማሕበረኮማት ኤርትራውያን

ኣብ ስደት፡ ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታት፡ ኣገዳስነት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ርዱእ እዩ። እዘን ማእከላት፡ ንዝተፈላለዩ ስደተኛታት ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ይህባ። ብመጀመርያን ብቐንዱን ከም መራኸብን መዘናግዕን ኤርትራውያን ኮይነን ብምግልጋል፡ ንሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መንበርን ስራሕን ምንዳይ፡ ካልኦት ንምንባር ዘድልዮም ነገራት ኣብ ምምላእን ይነጥፋ። እዘን ማእከላት ንኣብ ሓዘን ዝርከቡ ኣባላት ብምጽንናዕን፡ ናይ ስርዓት ቀብሪ ኣሰናድኦ ምግባርን፡ ከምኡ`ውን ኣብ መርዓን ካልኦት ማሕበራውያን ኣጋጣሚታትን ምሉእ ሓገዘን የበርክታ። ኣብ ርእሲ`ዚ ኩሉ ንጥፈታተን፡ ንኣብ ስደት ዝዓብዩ ቆልዑት ብባህልን ቋንቋን ሃገሮም ተዀስኪሶም ክዓብዩ ናይ ምምሃር ዓቢ ተራ ይጻወታ። ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት፣ ማሕበረኮማት ናይ መንግስቲ ባጀት ዝቕበላ፡ ዘይፖለቲካውያን ማእከላት እየን። እዚ እቲ ሓቂ ኮይኑ፡ ምስዚ ናይ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምንቕስቓስ (grass-root movement) ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምምጻእ ኢድን ጓንትን ኮይነን  ክሰርሓ ከምዝኽእላ እምነት ኣለና።  

ቅድመ-ኩነት  ዓወት  ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ   

እዚ ምንቅስቓስ`ዚ ንኽዕወት፡ ኣብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዝርከብ ናይ ክርስትያንን፡ ምስልምናን ካልእ እምነታትን፣  ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ፣ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፣ ካብ ኩሉ ብሄራት ዝተዋጸአን ኤርትራዊ ኣህጉራዊ መሪሕነቱ ንምምራጽ ክሳተፍ ኣለዎ። 

ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ንምዕዋት፡ ንጡፍ ተሳታፎን  ኣበርክቶን ኩሉ ኤርትራዊ  ኣብ ዲያስፖራ ንዕድም ኣለና። ሃገር ኣብ ምድሓን ንዝህልወኩም ኣበርክቶ፡ ዓቕምኹም ብዘይምብቃቕ ኣብዞም ዝስዕቡ ነዚ ምንቅስቓስ ወሰንቲ ዝኾኑ ንጥፈታት ተራኹም ክትጻወቱ  ንጽውዕ ኣሎና፦ 

1. ጋንታ ጽሓፍቲ - ብትግርኛ፡ ኢንግሊዘኛ፡ ዓረብኛን፡ ናይ ካልኦት ብሄራት ቋንቋታትን ክጽሕፉ ዝኽእሉ ሰባት የድልይዋ። ዕማም ኣባላት እዛ ጋንታ፡ መሃርቲ ዓንቀጻት፡ ህዝባዊ ኣዋጃትን ካልኦት ነዚ ምንቅስቓስ ዝሕግዙ ጽሑፋትን ምድላው እዩ።

2. ጋንጋ ጎስጓስን ውደባን - ኣብ ምልዕዓል፡ ምውዳብ፡ ምውህሃድን ምክያድን ንኩሉ ዘሳትፍ ኣኼባታት ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለውዎ ከተማታትን ሃገራትን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ኣህጉራዊ ዋዕላ ተበግሶታት ዝወስዱ ንጡፋት የድልይዋ። ኣባላት ናይዛ ጋንታ ኣብ ምውዳብን ምክያድን ኤርትራውያን ሃገሮም ኣብ ምድሓን ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዝጉስጉስ ዘተባብዕን ሰሚናራትን ዋዕላታትን ሓላፍነት ክወስዱ እዮም።   

3. ጋንታ ዜናን ሓበሬታን - ተራ እዛ ጉጅለ ምስ ዘለዋና ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታን ናይ ሬድዮ ፈነወታትን ተሓባቢርካ ንዓወት እዚ ምንቅስቓስ ምስራሕ እዩ። 

4. ጋንታ ገንዘብን ስንቅን - እዛ ጉጅለ ካብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ምንጭታትን ገንዘባውን ካልእን ጸጋታት ኣብ ምእካብ ክትዋፈር እያ። ካብ ዓለምለኻውያን ትካላት፡ ሃገራትን ኤርትራውያንን ገንዘባዊ ሓገዝ ምሕታት ቀንዲ ሓላፍነታ ኮይኑ፡ ብግቡእ በብግዜኡ ፋይናንሳዊ ጸብጻባ ከተቕርብ እያ። ዝተኣከበ ገንዘብ ብግቡእ ክተሓዝን ኣብ ግቡእ መዓላ ከምዝወዓለ ንምርግጋጽን መቆጻጸሪ ሜላታትን ስሩዕ ኦዲትን ክግበረሉ እዩ።

5.  ጋንታ ህዝባዊ ርክባት - ሓላፍነት እዛ ጉጅለ እዞም ዝስዕቡ ይኾኑ፡-

ሀ) ምሕያል ርክባት ምስ ኤርትራውያን ኣብ ዝርከቡሉ ቦታታት ከም ኣብያተ ክርስቲያናት፡ መሳጊድን ከምኡ`ውን ኣገደስቲ ውልቀሰባት ምውዳብ። 

ለ) ንኹሉ ዘሳትፍን ውሁድን ናይ ቃልሲ ሃዋሁው ምፍጣርን ምዕቃብን።

6. ጋንታ መጽናዕቲ - እዛ ጋንታ ንዓወት ምንቅስቓስ ዝሕግዙን ዘቃላጥፉን መጽናዕታዊ ጽሕፋት ኣብ ምብርካት ክትሰርሕ ኢያ። ድሒሩ`ውን፡ ከም ኣድላይነቱ፡ ነቲ ዝምረጽ ኣካል ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ኣብ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝ ሃገራትን፡ ትካላት ዝገብሮ ርክባት ዝሕግዙን፡ ንዓወት እዚ ምንቅስቓስ ዘቀላጥፉን መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣብ ምብርካት ክትሰርሕ እያ።

ጋንታ ሕጋዊ ጉዳያት - እዛ ጉጅለ እዚኣ ምንቅስቓስ ንዘድልይዎ ናይ ሕጊ ምኽርን ሓገዝን ግቡኣ ከተበርክትን ኤርትራውያን ክኢላታት ሕጊ ክጽንበርዋን ትጽቢት ይግበር።

8. ጋንታ ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ፡ እዚ ምንቅስቓስ እብ ኩሉ ንጥፈታቱ ምዕቡል ቴክኖሎጂ ዓጢቑ ክሰርሕ ተራ ኤርትራውያን ክኢላታት ቴክኖሎጂ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እዞም ክኢላታት ግዜኦምን ፍልጠቶም ወፍዮም ነዚ ምንቅስቓስ ንምዕዋት ክሰርሑ ንጽበ።   

እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ንጥፈታት ብግቡእ ክዕመሙ እንተኾይኖም፣ ምትሕብባር ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዞም ንጥፈታት ከበርክቱ ዓቕምን ድልየትን ዘለዎም ውፉያት ኤርትራውያን የድልዩ። ንስለ ህዝቦም ክብሉ ነዚ ዝተገልጸ ሓላፍነታት ዝስከሙ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ከምዘለዉ ኸኣ ምሉእ ርእሰ ምትእምማን ኣለና። 

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ መብርሂ ምስ እትደልዩ ብኢመይልና This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ሃገርና ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልይዋ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብህጹጽ ገለ ነገር ክንገብር ኣለና።

ኣስማት ደገፍቲ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ብፊደላዊ ቅደም ትኸተል        

 

Name

City

Country

1

Abdalla   Aldin

Riyadh

Saudi Arabia

2

 Abdul   Saleh

Dallas, TX

USA

3

Abeba   Baatai

Arlington, VA

USA

4

Abraha   Tesfagaber

Oslo

Norway

5

Abraham   Efrem

Stockholm

Sweden

6

Abraham   Tesfu

Yamoussoukro

Côte d'Ivoire

7

Ahmed   Abdella

Fremont, CA

USA

8

 

Ahmed   Berhanu

Seattle, WA

USA

9

Amanuel   Berhane

Flemington, NJ

USA

10

Amanuel    Eyasu

London

UK

11

Anna   George

Jackson, NJ

USA

12

Araya   Debessay

Newark, DE

USA

13

Asgedom   Araya

Gothenberg

Sweden

14

Asihel   Butsuamlak

Fairfox, VA

USA

15

Azieb   Welday

London

UK

16

Belay   Iassu

Berwick  Novascotia

Canada

17

Berhane   Haile

Boston, MA

USA

18

Berhane   Mehari

Tel avive

Israel

19

Berhane   Wolegabriel

London

UK

20

Berhe   Fesehaye

London

UK

21

Daniel   Gabray

Djibouti

Djibouti

22

Daniel   Haile

Dartford

UK

23

 Daniel   Teklay

Sacramento, CA 

USA

24

Dawit   Tesfayohannes

Vilnius

Lithuania

25

Debesai   Kifle

Addis Ababa

Ethiopia

26

Desalegn   Berhe

Coventry

UK

27

Efrem   Beraki

Toronto

Canada

28

Efrem   Gebrekidan

Snellville, GA

USA

29

 Firke   Tsegay

 Atlantic City, NJ

USA

30

Fitsum   Mesgina

Louisville, KY

USA

31

Fetsum   Abraham

Washington  DC

USA

32

 Ghebremichael   Zeray

Boston, MA

USA

33

Gebrai    Endrias

Southfield, MI

USA

34

Gebrehiwet   Asrat

Lynnwood, WA

USA

35

 George   Ghebreselassie

Newark, DE

USA

36

 Ghirmay   G.Egziabiher

Washington, DC 

USA

37

Ghrmai   Sequar

Seattle, WA

USA

38

Habte   Hagos

London

UK

39

Habtom   Abraha

Brighton, CO

USA

40

Habtom   Hagos

Edmonton, Canada

Canada

41

Habtom   Mehari

Telaviv

Israel

42

Haddis   Hagos

Woodbine, MD

USA

43

Haile  Ghebretensae

Indianapolis, IN 

USA

44

Ibrahim   Mohammed

Amsterdam

Netherlands

45

ibrahim   Noor

London Camden Town

UK

46

Idris   kahsay

Oslo

Norway

47

 Isayas   Tekle

 Dover, DE

USA

48

Iyasu   Tesfamariam

Melborne

Australia

49

Kassahun   Checole

Trenton, NJ

USA

50

khaled   mohammedsaid

Stockholm

Sweden

51

Kidane   Araya

Houston, TX

USA

52

kidane   Beraki

Indianapolis, IN

USA

53

 Kidanemariam   Sebhat

Nairobi

Kenya

54

Kiflom   Beyene

Seewen

Switzerland

55

Maasho   Ghebru

Glen Ellyn, IL

USA

56

Mebrahtu   Sibahtu

Hillsborough, NJ

USA

57

Mengest Weldemichael

Dallas, TX

USA

58

Mehreteab   Tesfai

Ås

Norway

59

Mekonen   Teame

Sacramento, CA 

USA

60

Mengisteab   Debessay

Albany, NY

USA

61

Mengstab   Girmay

Addis Ababa

Ethiopia

62

Mesfin   Tsegay

Saint Paul, MN

USA

63

Michael   W. Eyob

Somerville, MA

USA

64

 Michael   Ghebrehiwot

Boston, MA

USA

65

Michael   Hidru

Boston, MA

USA

66

Michael   Mehari

London

UK

67

Mihret   Ghebreyesus

Addis Ababa

Ethiopia

68

Mohamed   Edris

Toronto

Canada

69

Mulugeta   Besrat

louisville, KY

USA

70

Mussie   Fesehaye

sola

Norway

71

Mussie   Yemene

Cincinnati, OH

USA

72

Neamn   Tekie

 

Germany

73

Ogbai   Ghebremedhin

 Cambridge, MA

USA

74

Petros   Teklu

Mississauga

Canada

75

Robel   Tesfai

Thun

Italy

76

Selam  Amine

Biel

Switzerland

77

Selam  Asihel

Manassas, VA

USA

78

Semere  Mebrahtu

Freestate

South Africa

89

Senai  Misghina

Washington DC

USA

80

Solomon  Ghebrezghi

London

UK

81

Taher  Berih

Toronto

Canada

82

Tamrat  Woldu

Evanston, IL

USA

83

Teame  Kassa

Ashkelon

Israel

84

Teka  Yohannes

New York, NY

USA

85

Tekea  Haile

Bergen

Norway

86

Tekle  Kidane

Seattle, WA

USA

87

Tekleweyni  Alazar

 

Israel

88

Teklit  Kesete

Netanya

Israel

89

Tesfaldet  Meharenna

La Palma ,CA

USA

90

Tesfaldet  Tesfamariam

Tel Aviv

Israel

91

 Tesfay  Tsehaye

Jefersson City, MO 

USA

92

Tesfazion  Tesfamichael

Stockholm

Sweden

93

Tsigheyohannes  Kidane

Amsterdam

Netherlands

94

Yassin  Mahmud

Birmingham

UK

95

Yebio  Woldemariam

New York, NY

USA

96

Yohannes  Haile

Edmonton, Alberta

Canada

97

Yohannes  Tseggay

 London

UK

98

Zaid  Tesfamariam

New York, NY

USA

99

Zekarias  Kebraeb

Berlin

Germany

100

Zerat  Weldemichael

 

Australia


 


 

            نداء عاجل لجميع الارتريين في جميع أنحاء العالم

ايها الاخوة والاخوات               

سيتم الاحتفال بيوم الاستقلال الخامس والعشرين غدا .   وقد تحقق استقلال إريتريا عن طريق التضحية من مئات الآلاف من أبنائه وبناته في الكفاح المسلح. ولكن للأسف، كل ما قدم من تضحيات من أجل الاستقلال لم تحقق حلم حياة أفضل للشعب الإريتري. معظم الاريتريين  بالقلق إزاء الوضع المتدهور في البلاد. ولذلك، فإن جميع الإرتريين  طالبي العدالة، علينا واجب ومسؤولية للمساعدة في حل الوضع المزري في بلادنا.

 ونحن نعتقد أن الاريتريين في المهجر سوف يلعبو دورا كبيرا في النضال الديمقراطي من أجل التغيير  من خلال حشد  مواردهم  وتنظيم أنشطتهم باستخدام نهج من أسفل إلى أعلى.  كلما كان هناك عدد كبير من الإريتريين، يجب تشكيل  بايتو عدي وانتخاب ممثليين . فإن الممثلين المنتخبين في مختلف المدن تشكل بايتو الإقليمية  لقيادة وتنسيق على المستوى الإقلمي.   و الممثلين الإقليميين من جميع القارات سيشكلو  المجلس العالمية والهيئة التنفيذية التي ستكون مهمتها قيادة النضال الديمقراطي من أجل التغيير. وهذا يتطلب حملة مكثفة لتعبئة وتنظيم والوصول إلى جميع الاريتريين في كل مكان.

وليس المقصود من هذه المبادرة لتقويض أو تجاهل المدن التي  شكلت ،  بل هدفنا هو لتعزيزها وتوسيع الحركة الشعبية في جميع أنحاء العالم. إن نجاح هذه الجهد تعتمد على المشاركة وإشراك كل مواطن إريتري بغض النظر عن الجنس أو الدين أو العرق، اوالمنطقة اوالانتماء السياسي. نحن ندعو جميع قطاعات مجتمعنا بما في ذلك الكيانات المدنية والسياسية للتعاون وتشجيع أعضائها على أن يكونو جزءا من هذه العملية. ونحن نفهم أن التغيير سيأتي من داخل البلد، و نعتقد أن أولئك الذين يكافحون داخل البلد سيكون أكثر شجع وجرأة إذا كان الإريتريين في المهجر شكلو الحركة الجماهيرية المنظمة  من أجل التغيير الديمقراطي.             

اننا نعتقد أن ما يعيق الارتريين في المهجر من أن تشارك بنشاط في إحداث تغييرات إيجابية في بلادنا هو عدم وجود قيادة شرعية منتخبة ديمقراطيا. القيادة العالمية من شأنها أن تمثل جميع الارتريين في المهجر وتنسق أنشطتنا لإنقاذ بلدنا. نحن بحاجة إلى قيادة التي تتمكن - إطلاق العنان للطاقة والموارد  المتوفرة  للمواطنين الإرتريين.

  نعتقد أننا قادرون على انتخاب القيادة الشرعية التي تتمتع بالدعم الكامل وتفويض من الارتريين باستخدام نهج الشعبي  أسفل إلى أعلى. انتخاب القيادة العالمية يتطلب مشاركة كاملة من الإرتريين.  من المهم جدا للتأكد من أن جميع الإرتريين بغض النظر عن العرقية والمنطقة أو الدين أو الجنس أو الاختلافات الثقافية المشاركة في انتخاب قادتهم. وينبغي إجراء هذه العملية في كل مدينة، في كل بلد، وفي كل قارة أي مكان توجد فيه الارتريين. ولذلك، فإننا ندعو جميع الارتريين لامتلاك عملية انتخاب قادتهم العالمي باستخدام نهج من أسفل إلى أعلى

 

دور القيادات العالمية

دور القيادة العالمية هو رسم استراتيجية فعالة لإزالة النظام الدكتاتوري وإعداد أرضية العمل لنقل البلاد إلى الديمقراطية. فإن التغيير الحقيقي يأتي  من خلال التعاون مع وكلاء التغيير داخل البلاد. دور القيادة العالمية هو إعداد الطباعة الزرقاء للانتقال السلس إلى الديمقراطية بالتعاون مع  المعارضة الإرترية.

فإن مسؤولية القيادة العالمية  يتمثل في الحصول على دعم المجتمع الدولي والشعب الإريتري في الداخل وفي الشتات. وبالنظر إلى أن يتم انتخاب  القيادة العالمية لتمثيل الارتريين في الشتات،  و سيكون لديهم الشرعية في الكلام، في و التصرف وتمثيل الارتريين في الشتات في جميع الحالات .

 من خلال الدبلوماسية والضغط فعالة ومكثفة، وينبغي أن تكون هذه القيادة قادرة على إقناع المجتمع الدولي إلى ممارسة ضغوط مكثفة من شأنها أن تشل النظام الدكتاتوري وتقديم الدعم المعنوي واللوجستي للعناصر داخل البلاد لإحداث تغييرات جوهرية .  دور مجموعة القيادة العالمية هو رسم استراتيجية فعالة لإزالة النظام الدكتاتوري وإعداد أرضية العمل لنقل البلاد إلى الديمقراطية.  فإن التغيير الحقيقي يأتي  من خلال التعاون مع  قوى  التغيير داخل البلاد.  و دور القيادة العالمية هو إعداد الطباعة الزرقاء للانتقال السلس إلى الديمقراطية بالتعاون مع جماعات المعارضة الإرترية.

عملية انتخاب القيادة العالمية

نقطة الانطلاق لانتخاب القادة  يمثلون الإرتريين في كل ركن من أركان العالم، هي على مستوى المدينة.  يجب أن يتم استدعاء اجتماع عام  واسعة. وهذا يتطلب حملة مكثفة للوصول إلى جميع الاريتريين في كل مكان. وينبغي بذل جهود جدية لدعوة جميع الارتريين لا سيما الأقليات الذين قد لا يكون الوصول إلى البرامج الإذاعية الإريترية الإنترنت.  يجب أن تكون  لدعوة باللغات العربية والإنجليزية واتقرينة أو أي لغة أخرى مناسبة تستخدم على نطاق واسع في المجتمع الاريتري المحلي، مثل الألمانية، الفرنسية، السويدية، وما إلى ذلك ينبغي أن تعمم إعلان في شكل مكتوب من خلال رسائل الهاتف، والمواقع، والبرامج الإذاعية والندوات وورش العمل وعلى نطاق واسع وزعت في الأماكن التي يرتادها الارتريين، مثل الكنائس والمساجد والمراكز الاجتماعية والمطاعم والحانات. أنها ليست كافية للدعوة الى اجتماع عام. يجب أن تفهم الناس لماذا مشاركتهم ومهمة لإنقاذ ارترية و شعبها.

بعد انتخاب الارتريين في كل ركن من أركان العالم  قادتهم المحليين، الخطوة التالية  هي لهؤلاء القادة المنتخبين لتجتمع وتنتخب قادة  التي يمكن أن تمثل الإرتريين في بلد معين الذي يعيشون فيه. ينبغي أن تجرى الانتخابات في كل مدينة والبلد والقارة.

الخطوة الأخيرة هي عقد مؤتمر عالمي. ممثلين من الإرتريين في كل ركن من أركان العالم: أفريقيا وآسيا وأستراليا وأوروبا والشرق الأوسط وأمريكا الشمالية وأمريكا الجنوبية وغيرها من الأماكن التجمع في المؤتمر العالمي لانتخاب القيادة العالمية .

من نحن؟

نحن الموقعين أدناه،  مجموعة متنوعة من الناشطين الاريتريين، من جميع مناحي الحياة، مع خلفيات مختلفة تقع في زوايا مختلفة من العالم. نحن تتألف من مختلف المجموعات الذين كانوا كمجموعة أو كأفراد  يدعمون حركة الشعب من أجل الحرية باستخدام نهج من أسفل إلى أعلى.  كما يدل اسمنا، "المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإريترية (GIEEGM)" نحن نتخذ هذه المبادرة لتمهيد الطريق أمام كل الإريتري للمشاركة في إحداث تغييرات إيجابية في بلدنا. ما جمعتنا  هو قناعة بأن النهج أسفل إلى أعلى  هو نهج عملي وفعال لإزالة الدكتاتورية والانتقال إلى الحكم الديمقراطي في بلادنا.  نحن لسنا منظمة سياسية، وليس الدافع وراء مبادرة . كل ما نقوم به هو لتسهيل انتخاب القيادات العالمية من خلال إشراك الارتريين في المهجر على المستوى الشعبي.

نداء إلى الشباب الارتري

ونحن نتوقع من الشباب الاريتري للعب دور قيادي في ضمان نجاح حركة الشعب من خلال تشجيع الارتريين في مناطق كل منها للمشاركة في الاجتماعات التي ستعقد في مناطقهم. مستقبل إريتريا يعتمد على المشاركة النشطة من جانب الشباب الإريتري.

 نداء إلى المرأة الإرترية

المرأة الإرترية هي في كتب التاريخ العالم للدور البطولي الذي لعبته في النضال من أجل استقلال بلادنا. إنه لأمر محزن أن نرى تهميشهم في مرحلة ما بعد الاستقلال إرتريا. ولكن من بين الآثار الأكثر نشاطا وارتفاع نشطاء الاريتريين لا شك فيه النساء الإرترية في المهجر. لدينا الثقة الكاملة ان المراة الارترية سوف تنضم الإخوة الإرتريين في إحداث تغييرات ايجابية ديمقراطية في بلدنا من خلال المشاركة الفعالة في عملية لنجاح الحركة الشعبية.

نناشد الفنانين والموسيقيين الارتريين

أولا وقبل كل شيء نود أن نعرب عن تقديرنا العميق لما قدمو ا الموسيقيين والفنانين الاريتريين  خلال الكفاح المسلح وما وراءها بعد استقلال بلادنا في تعبئة الشعب الإريتري  من خلال أغانيهم . ليس هناك شك في أن لديكم القدرة على تعبئة وتنشيط الشعب الإريتري في نضاله من أجل التغيير الديمقراطي. هذه الحركة لا يمكن أن تنجح دون مساهمتكم.   نناشد لتعاونكم في هذه المواجهة النهائية مع الدكتاتورية حتى نتمكن من تحقيق الحرية والديمقراطية في بلدنا الحبيب في أقرب وقت ممكن .

نداء إلى المجموعات العرقية الأقلية الإرترية

ونحن نفهم النظام الدكتاتوري  قد تهمش إخواننا وأخواتنا الذين ينتمون إلى الأقليات العرقية. بالطبع، هذا النظام تخضع جميع أجزاء مجتمعنا إلى معاناة هائلة من خلال القهر والظلم.  لكننا نفهم لماذا الأقليات العرقية الإرترية  يشعرون بأنهم خص لمزيد من التعذيب والقهر. وقد صودرت أراضيهم، وقد تم تقويض ثقافتهم. ونحن نتعاطف تماما مع محنة الأقليات العرقية الإرترية. كل ما يمكننا ان نؤكد إخواننا وأخواتنا هو أننا نتقاسم الألم والمعاناة وأملنا من إريتريا بعد اسياس هو البلد الذي سوف يتعامل مع جميع أبنائه وبناته، و كل المجموعات العرقية المختلفة، بغض النظر عن وضعهم كأقلية، مع الإنصاف والعدل. رؤيتنا من إرتريا في المستقبل هي البلد الذي يعامل جميع أبنائه وبناته على قدم المساواة وإنصاف حتى يتسنى لجميع الاريتريين سوف يشعرون بالفخر لكونهم الاريتريين. تحقيقا لهذه الغاية، نناشدكم للانضمام مع إخوانكم وأخواتكم في مبادرة لوضع حد لمعاناة شعبنا. من خلال توحيد جميع الارتريين في مدن كل منا والمشاركة في تشكيل المجالس المحلية وانتخاب ممثلينا، يمكننا أن نبني إريتريا التي تعالج جميع أبنائها وبناتها على قدم المساواة والإنصاف.

نداء إلى القيادات الدينية

 وقد لعبت الزعماء الدينيين المسلمين والمسيحيين من كل الطوائف دورا كبيرا في التعبير عن استيائهم إزاء محنة الناس بطرق مختلفة. مشاركة الزعماء الدينيين، مسلمين ومسيحيين في مظاهرة الأمم المتحدة في نيويورك في تشرين الثاني الماضي، عام 2015، وكان غاية من الناحية الأخلاقية ومشجعة. ونحن  نناشد  جميع الزعماء الدينيين على مواصلة دعمها للحركة الشعبية.

مناشدة أعضاء منظمة المجتمع المدني
نناشد أعضاء مختلف المنظمات المدنية الإريترية أن تشارك بنشاط في دعم الحركة الشعبية. ونحن نتوقع أعضاء التضامن الإريتري العالمي (EGS)، الاريتريين لتسهيل الحوار الوطني (EFND)، مواطنون من أجل الحقوق الديمقراطية في إريتريا (CDRiE) وغيرها من المنظمات المدنية مماثلة للانضمام إلى فرق مختلفة، المدرجة أدناه، مثل فريق الكتاب، و الندوات والمؤتمرات  أو مجموعة الأبحاث.

نداء إلى مواقع الانترنت الإرترية، برامج راديو والمحادثات بالتوك

يرجع الفضل في هذا إلى جميع المواقع الإرترية الويب ومختلف البرامج الإذاعية الارترية والمحادثات بالتوك الذين ضحوا كثيرا من الوقت والموارد لتوفير منتدى لتبادل المعلومات ولخدمة كمنافذ للتعبير. ونود أن ننتهز هذه الفرصة لنعرب عن تقديرنا للدور الهام الذي لعبوهو حتى الآن، ونحن ندعوكم لدعم الحركة الشعبية من خلال افتتاحيات الخاص ، وحلقات النقاش والمقابلات والتغطية الإعلامية لأنشطة الحركة الشعبية.

نداء إلى الأحزاب السياسية المعارضة

ليس لدينا أي شك كان الدافع مؤسسي مختلف المنظمات السياسية الارترية رغبتهم في الديمقراطية ، وعلينا أن نحيي ومنحهم وأعضائهم الائتمان لسنوات عديدة من التضحية التي قدموها من أجل مصلحة شعوبهم . في هذه المرحلة، نود أن نناشد جميع الأحزاب السياسية المعارضة، وجماعات المعارضة وأعضائها لتقديم الدعم الحماسي والتشجيع لحركة الشعبية. ونحن نعتقد أن الحركة الشعبية لديها فرصة أفضل لتحقيق الأهداف التي كنت  تضحى كثيرا لفترة طويلة، في وقت أقصر من ذلك بكثير. ونحن نعتقد بصدق أنه هو لصالح الأحزاب السياسية الإرترية ولما فيه خير الشعب الإرتري أن هذه الجماعات السياسية تعطي الحركة الشعبية أقصى دعمها. نناشد الأحزاب والتنظيمات المعارضة أن لا يعتبرون الحركة الشعبية بأي شكل من الأشكال السلبية . عدم دعم والحركة الشعبية لن يؤدي إلا إلى إطالة عمر النظام الدكتاتوري ومعاناة شعبنا.

نأمل مبادرات المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي، والأحزاب والكتل السياسية الأخرى أن تبذل المساعي لتوحيد التنظيمات سوف تنجح. نأمل أيضا أن الأحزاب السياسية المندمجة سوف تستخدم الوقت لتحسين رؤيتهم وإعداد البرامج والسياسات التي من شأنها مساعدتهم في الحصول على دعم من الشعب الإريتري الخاصة بهم عندما يصبح إريتريا ديمقراطية متعددة الأحزاب. نتوقع أن يعمل قادة العالمي مع جماعات المعارضة في إعداد الطباعة الزرقاء لنقل إرتريا إلى الديمقراطية. في هذا الوقت، فإننا نتوقع أن جماعات المعارضة للانضمام وا التعاون مع زملائهم الاريتريين للعمل لنجاح الحركة الشعبية.

 

 

نداء إلى المثقفين الإرتريين

إنه لأمر محزن أن نرى بعض المثقفين والأكاديميين الإرتريين الذين يبدو أنهم غافلين عن معاناة الناس في ظل النظام الدكتاتوري الذي تقوم به الكثير من الضرر لبلدنا وشعبنا. كان من المفترض المثقفين الإرتريين إلى فهم أفضل من أي شخص آخر عن الضرر النظام الدكتاتوري . كان ينبغي أن يكونو في طليعة للتعبير عن معارضتهم للسياسات الديكتاتورية لنظام ومن المتوقع أن تكونو صوت من لا صوت له . ولذلك، فإننا نناشد جميع المثقفين والأكاديميين الارتريين  ليكونو على الجانب الصحيح من التاريخ. نناشدكم لدعم المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية (GIEEGM) والمشاركة بنشاط في المواقع الخاص بكم في عملية من أسفل إلى أعلى لانتخاب القيادات العالمية المشروعة.

نناشد أولئك الذين تخلوا عن إريترية

على الرغم من أنه من الصعب أن نتصور وجود الإرتري الذي لا يشعر بالألم لما يجري في إريتريا، هناك العديد من الارتريين في المهجر الذين يعتقدون أنهم غير قادريين على تقديم أي شيء.  ونحن نتعاطف تماما مع أولئك الذين تشغل هذا المنصب منذ البعض منا قد شعرت بنفس الطريقة أكثر من مرة. ولكن كما تعلمون جميعا، فإنه ليس من السهل أن تعطي أذنا صماء وغضت الطرف عن كل الفظائع التي تجري في إريتريا.  نناشدكم للانضمام الى الحركة الشعبية، وإذا قمت بذلك، سوف بالتأكيد  في نهاية النفق سيكون اكثر اشراقا مع مشاركتكم الفعالة.

بالنسبة لأولئك الذين لديهم مخاوف بشأن التدابير العقابية التي يجوز توقيعها عليهم، ينبغي أن يجرؤ على السفر لزيارة أفراد أسرهم في إريتريا، أو الذين يخشون على أمان من ذويهم وأفراد الأسرة بسبب ارتباطهم مع الحركة الشعبية ، يمكن إجراء ترتيبات تسمح بالمشاركتهم دون الكشف.  

 عرض على المراكز المجتمعية إلارترية

ونحن نفهم الحاجة إلى  المراكز المجتمعية حيثما يعيش الارتريين بأعداد كبيرة. توفر مراكز المجتمع عددا من الخدمات الأساسية للمجتمعات المهاجرين. أولا وقبل كل شيء، أنها بمثابة أماكن اجتماع للإرتريين إلى الاختلاط والتواصل مع زملائهم الارتريين بهم. مراكز المجتمع لتقديم الدعم للاجئين، وإيجاد أماكن وفرص العمل وغيرها من الضروريات. أحد الدور الهام للمراكز المجتمعية هو المساعدة في ترتيبات الحزن ، والمساعدة في الأعراس، والمناسبات الاجتماعية الأخرى. خدمة مراكز كأماكن لتعليم الأطفال الإرتريين، لغتهم وتراثهم الثقافي بين الأنشطة الأخرى.  وتلقي المراكز المجتمعية التمويل الحكومي وأنها كيانات غير سياسية. وما دام الأمر كذلك، فإنها يمكن أن تتعايش جنبا إلى جنب مع الحركة الشعبية الذي هو سياسي الهدف  أي لإحداث تغييرات ديمقراطية في إريتريا.

المتطلبات الأساسية لنجاح الحركة الشعبية

للحركة الشعبية لتحقيق أهدافها، كل الإرترية في كل ركن من أركان العالم. المسلمون والمسيحيون وغير ، من الإناث والذكور، صغارا وكبارا. وجميع الأقليات العرقية الإريترية ينبغي أن يشارك في انتخاب القيادات العالمي.  ولذلك، فإننا ندعو  مشاركتكم والمشاركة الفعالة لضمان نجاح حركة الشعبية. واسمحوا لنا أن نعرف إذا كنت يمكن أن تلعب دورا في أي من الأنشطة التالية التي لا غنى عنها لنجاح الحركة الشعبية.

 

1. فريق الكتاب : نحن بحاجة الكتاب الذين يمكن أن يكتب باللغة  العربية والإنجليزية، وتقرينة  واللغات العرقية الأخرى. وسيكون دور هذا الفريق من الكتاب أن يكون لكتابة مقالات تربوية، والنشرات الصحفية  وغيرها من المواد اللازمة التي من شأنها تعزيز نجاح الحركة الشعبية.
2. فريق تعبئة والندوات والمؤتمرات: نحن بحاجة إلى الأفراد الذين سوف تأخذ زمام المبادرة للمساعدة في تعبئة الارتريين على المستوى المحلي، تخطيط وتنظيم وتنفيذ شاملة للجميع اجتماعات الارتريين في مدن و المحليات والمؤتمرات في جميع أنحاء البلاد، و مؤتمر عالمي. وأعضاء هذه الفريق تحمل المسؤولية لتنظيم المؤتمرات والندوات وورش العمل السلوك لتثقيف وتشجيع الارتريين إلى أن تشارك بنشاط في إنقاذ بلدهم.
3. وسائل الإعلام وفريق الاتصالات: سيكون دور هذا الفريق للعمل مع المواقع الإرترية والبرامج الإذاعية لتعزيز حركة الشعبية .
4. فريق المالي واللوجستي: سيكون دور هذه الفريق  جمع الأموال والموارد من مجموعة متنوعة من المصادر لمختلف الأنشطة. وهذه المجموعة مسؤولة عن تقديم طلبات التمويل من المنظمات  والارتريين . وسوف نحتاج أيضا مدققي الحسابات من بين هذه المجموعة  لضمان إعداد التقارير المالية بشكل صحيح و الضوابط المعمول بها لضمان حضانة السليم للأموال الواردة والتي يتم احتساب النفقات بشكل صحيح.
5. فريق  التواصل : ستشمل مسؤوليات هذه الفريق:
ا. التواصل مع مختلف المساجد والكنائس والشخصيات البارزة و المنظمات.
ب. تعزيز بيئة والانسجام شاملة للجميع.
6.  – قريق الابحاث :  . مسؤوليات هذه الفريق ستكون إعداد أوراق من شأنها أن تساعد  الحركة الشعيسة  في رسم استراتيجيات فعالة وفي رسم مخططا حول كيفية انتقال بلدنا إلى الديمقراطية.
7. الفريق القانوني: مسؤوليات هذه الفريق - تقديم المساعدة القانونية للحركة الشعبية . نتوقع المحامين الارتريين للانضمام إلى الفريق القانوني.
8. مجموعة تكنولوجيا المعلومات: دور فريق تكنولوجيا المعلومات (IT) أمر بالغ الأهمية في مساعدة الحركة الشعبية لاستخدام التكنولوجيا الحديثة في جميع جوانب الأنشطة الشعبية. نتوقع خبراء تكنولوجيا المعلومات الارترييين للتطوع خبراتهم لنجاح الحركة الشعبية.

لضمان نجاح الواجبات المذكورة أعلاه، فإننا سوف نحتاج إلى تعاون الجميع. سنحتاج خبراء من ذوي الخبرة الذين يمكن أن يلعبو الأدوار المذكورة أعلاه. ونحن على ثقة، هناك الارتريين في مختلف بلدان العالم القادرين وعلى استعداد لمواجهة التحدي من أجل شعبهم. 

نرجو ملء هذه النموذج على الانترنت (انظر أدناه).  كما يمكنكم الاتصال بنا من خلال عنوان البريد    الإلكتروني:   This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 تواجه بلدنا الحبيبة إرتريا خطرا محدقا.  و نحن بحاجة إلى مواجهة التحدي مع شعور كبير من الإلحاح. الاستجابة الفورية لدعوتنا سيكون في غاية الامتنان.

 

 

 

 

اسم:_________________________________________________________
عنوان_______________________________________________________

عنوان البريد الإلكتروني:_____________________________________________________
#هاتف________________________________________________________
اسم سكايب:_______________________________________________________
مجالات الاهتمام / الخبرة:_______________________________________________________

ونحن نفهم أن البعض منكم قد يريدو أن يكون ارتباطوم سريي .  إذا كان الأمر كذلك، دعونا نعرف  و سنحترم رغبتكم في عدم الكشف عن هويت

الموقعون حسب الترتيب الأبجدي                                     

 

Name

City

Country

1

Abdalla   Aldin

Riyadh

Saudi Arabia

2

 Abdul   Saleh

Dallas, TX

USA

3

Abeba   Baatai

Arlington, VA

USA

4

Abraha   Tesfagaber

Oslo

Norway

5

Abraham   Efrem

Stockholm

Sweden

6

Abraham   Tesfu

Yamoussoukro

Côte d'Ivoire

7

Ahmed   Abdella

Fremont, CA

USA

8

 

Ahmed   Berhanu

Seattle, WA

USA

9

Amanuel   Berhane

Flemington, NJ

USA

10

Amanuel    Eyasu

London

UK

11

Anna   George

Jackson, NJ

USA

12

Araya   Debessay

Newark, DE

USA

13

Asgedom   Araya

Gothenberg

Sweden

14

Asihel   Butsuamlak

Fairfox, VA

USA

15

Azieb   Welday

London

UK

16

Belay   Iassu

Berwick  Novascotia

Canada

17

Berhane   Haile

Boston, MA

USA

18

Berhane   Mehari

Tel avive

Israel

19

Berhane   Wolegabriel

London

UK

20

Berhe   Fesehaye

London

UK

21

Daniel   Gabray

Djibouti

Djibouti

22

Daniel   Haile

Dartford

UK

23

 Daniel   Teklay

Sacramento, CA 

USA

24

Dawit   Tesfayohannes

Vilnius

Lithuania

25

Debesai   Kifle

Addis Ababa

Ethiopia

26

Desalegn   Berhe

Coventry

UK

27

Efrem   Beraki

Toronto

Canada

28

Efrem   Gebrekidan

Snellville, GA

USA

29

 Firke   Tsegay

 Atlantic City, NJ

USA

30

Fitsum   Mesgina

Louisville, KY

USA

31

Fetsum   Abraham

Washington  DC

USA

32

 Ghebremichael   Zeray

Boston, MA

USA

33

Gebrai    Endrias

Southfield, MI

USA

34

Gebrehiwet   Asrat

Lynnwood, WA

USA

35

 George   Ghebreselassie

Newark, DE

USA

36

 Ghirmay   G.Egziabiher

Washington, DC 

USA

37

Ghrmai   Sequar

Seattle, WA

USA

38

Habte   Hagos

London

UK

39

Habtom   Abraha

Brighton, CO

USA

40

Habtom   Hagos

Edmonton, Canada

Canada

41

Habtom   Mehari

Telaviv

Israel

42

Haddis   Hagos

Woodbine, MD

USA

43

Haile  Ghebretensae

Indianapolis, IN 

USA

44

Ibrahim   Mohammed

Amsterdam

Netherlands

45

ibrahim   Noor

London Camden Town

UK

46

Idris   kahsay

Oslo

Norway

47

 Isayas   Tekle

 Dover, DE

USA

48

Iyasu   Tesfamariam

Melborne

Australia

49

Kassahun   Checole

Trenton, NJ

USA

50

khaled   mohammedsaid

Stockholm

Sweden

51

Kidane   Araya

Houston, TX

USA

52

kidane   Beraki

Indianapolis, IN

USA

53

 Kidanemariam   Sebhat

Nairobi

Kenya

54

Kiflom   Beyene

Seewen

Switzerland

55

Maasho   Ghebru

Glen Ellyn, IL

USA

56

Mebrahtu   Sibahtu

Hillsborough, NJ

USA

57

Mengest Weldemichael

Dallas, TX

USA

58

Mehreteab   Tesfai

Ås

Norway

59

Mekonen   Teame

Sacramento, CA 

USA

60

Mengisteab   Debessay

Albany, NY

USA

61

Mengstab   Girmay

Addis Ababa

Ethiopia

62

Mesfin   Tsegay

Saint Paul, MN

USA

63

Michael   W. Eyob

Somerville, MA

USA

64

 Michael   Ghebrehiwot

Boston, MA

USA

65

Michael   Hidru

Boston, MA

USA

66

Michael   Mehari

London

UK

67

Mihret   Ghebreyesus

Addis Ababa

Ethiopia

68

Mohamed   Edris

Toronto

Canada

69

Mulugeta   Besrat

louisville, KY

USA

70

Mussie   Fesehaye

sola

Norway

71

Mussie   Yemene

Cincinnati, OH

USA

72

Neamn   Tekie

 

Germany

73

Ogbai   Ghebremedhin

 Cambridge, MA

USA

74

Petros   Teklu

Mississauga

Canada

75

Robel   Tesfai

Thun

Italy

76

Selam  Amine

Biel

Switzerland

77

Selam  Asihel

Manassas, VA

USA

78

Semere  Mebrahtu

Freestate

South Africa

89

Senai  Misghina

Washington DC

USA

80

Solomon  Ghebrezghi

London

UK

81

Taher  Berih

Toronto

Canada

82

Tamrat  Woldu

Evanston, IL

USA

83

Teame  Kassa

Ashkelon

Israel

84

Teka  Yohannes

New York, NY

USA

85

Tekea  Haile

Bergen

Norway

86

Tekle  Kidane

Seattle, WA

USA

87

Tekleweyni  Alazar

 

Israel

88

Teklit  Kesete

Netanya

Israel

89

Tesfaldet  Meharenna

La Palma ,CA

USA

90

Tesfaldet  Tesfamariam

Tel Aviv

Israel

91

 Tesfay  Tsehaye

Jefersson City, MO 

USA

92

Tesfazion  Tesfamichael

Stockholm

Sweden

93

Tsigheyohannes  Kidane

Amsterdam

Netherlands

94

Yassin  Mahmud

Birmingham

UK

95

Yebio  Woldemariam

New York, NY

USA

96

Yohannes  Haile

Edmonton, Alberta

Canada

97

Yohannes  Tseggay

 London

UK

98

Zaid  Tesfamariam

New York, NY

USA

99

Zekarias  Kebraeb

Berlin

Germany

100

Zerat  Weldemichael

 

Australia

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...