ከምቲ ልሙድ ስርዓት ህግደፍ ብጓይላን ዳንኬራን፡ ብመስተን ብልዕን ንገለ የወሃት ዜጋታት የሀሚልካ ንመናዊሒ ዕድመ ስልጣካ ዝኸዉን ፊናንስያዊ ረብሓታት ንምኽዕባትን ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ንምክያድን፡ ካብ ኤርትራ `ህቡባት` ዝተባህሉ ስነ-ጥበበኛታት ንዑደት ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ሊኢኹ። ሓንቲ ካብዘን ከተማታት እዚኣተን ድማ፡ ኣብ ምዕራብ ኖርወይ እትርከብ ከተማ ስታቫንግር ነበረት።

እቲ ምርኢት ንዕለት ሓሙሽተ ታሕሳስ ክካየድ ኣቐዲሙ ተሓዝአ። ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ሓንሳብ ኣብ ዓመት ጥራይ ዝርከብ ኣጋጣሚ፡ ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ብዓወት ንኽዛዘም ኣብ ዓቢ ምድላዋት ተጸምዱ። ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ምድላዋት - ምስጢራውነት። እቲ ምርኢት መዓስ እምበር ኣበይ ከምዝካየድ ዝፈልጥ የለን፡ ብጽኑዕ ምስጢር ከምዝተሓዝ ስለዝተገብረ። ከምዚ ዓይነት ስልቲ ምጥቃም ድማ ብርቂ ፍጻመ ኣይነበረን። እዛ ጉጅለ ባህሊ ኣብዘን ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ኣዝዩ ከቢድ ብድሆ ዋላ እኳ እንተጋጠማ፡ ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት ካልእ ኣደራሽ ብምክራይ ምስ ገዚፍ ፊናንስያዊ ክሳራ ንፕሮፓጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ እቲ ምርኢት ከምዝካየድ ከምዝተገብረ ኣይርሳዕን። ነዚ ሕሉፍ ተመኩሮ ዝቐሰሙ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለዉጢ ስታቫንገር፡  ነቲ ውጥን እዛ ጉጅለ ባህሊ ንምብርዓን ማዕረ ማዕሪኦምን ቅድሚኦምን ደኣ ሰጎሙ።

ሓሙስ ዕለት ኣርባዕተ ታሕሳስ፡ ሓደ መዓልቲ  ቅድሚ እታ ምርኢት ኪካየደላ ዝተወጠነት መዓልቲ። ደለይቲ ለውጢ ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ እታ ጉጅለ ባህሊ ምርኢት ከተካይደሉ ዝተሓዝአ ሆቴል ኣበይ ምኻኑ በጽሕዎ። እታ ዓባይ ምስጢር ኣሳሰይቲ ስርዓት ህግደፍ ተኸሸሐት። ደለይቲ ለውጢ ነታ ዓባይ ማሕንቖ ኮይናቶም ዝነበረት ምስጢር ብምጭባጦም ጸባ ሰተዩ። እቲ ከመይ ጌርካ ነዚ ምርኢት ተፍሽሎ ዝብል ሕቶ ግን፡ ገና ኣይተመለሰን። ገለ ናብ ፖሊስ ተጓየዩ፡ ናብ ዝተፈላለያ ምስ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጻ ኣብያተ ጽሕፈታት ድማ ካልኦት። እቲ ግዜ እንዳሓጸረ፡ እቲ ምፍጣጥ ድማ እንዳዓበየ ከደ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ደለይቲ ለውጢ ሓደ ሓሳብ ኣመንጨው። ንሱ ድማ  ንኹሎም እቶም ምስቲ ስርዓት ይደናገጹ እዮም ዝበሉዎም ውልቀ-ሰባት፡ ብኢመይል ኣድራሽኦም ናብ’ቲ ምርኢት ንኸይከዱ ዘተሓሳስብ ጽሑፍ ምብታን ነበረ። እቲ ጽሑፍ፡ እቲ ምርኢት ኣበይ ኪካየድ ተወጢኑ ከምዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ ነበሮ። እዚ ሓበሬታ እዚ ድማ፡ በቶም ኣዳለውቲ እቲ መደብ ዝተሓረሞም ብምንባሩ፡ ስንባደ ከይፈጠረሎም ኣይተረፈን። በቲ ካልእ ድማ፡ እቲ ምስጢር ከምዝተኸሽሐ ነቶም ኣካየድቲ`ዉን ተጋህደሎም።

እታ ነዚ ምርኢት ከተተኣናግድ ተሓዚኣ ዝነበረት ሆቴል ፓርክ ኢን፡ ካብ ዝተፈላለዩ  ኣብያተ ጽሕፈት፡ ነቲ ፖሊቲካዊ መልእኽቲ ዝሓዘለ ምርኢት ኣብ ቅርዓታ ከይካየድ ዘማሕጽን መልእኽታት ወሓዛ። ድሕሪ እዚ እምበኣር እያ፡ እታ ኣካያዲት ስራሕ እቲ ሆቴል፡ ነቲ ምርኢት ክትስርዞ ነግ ፈረግ ዘይበለት። እዚ መልእኽቲ ናብቶም ኣወሃሃድቲ እቲ መደብ ከምዝበጽሕ’ዉን ገበረት። ቁጥዐኦም ሰማይ ዓረገ፡ እንተኾነ ተስፋ ግን ኣይቆረጹን። ዓወትን ፍሽለትን እዚ ምርኢት ዘመሓላልፎ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። በዚ እምበኣር ምስ’ቲ ከም ጎቦ ኣብ ቅድሚኦም ተፋጢጡ ዝነበረ ብድሆ ገጠሙ። እታ ብድሆ ዝተሰምየት ጉጅለ ግን ከምሽማ ነዚ ብድሆ ክትብድህ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣይተሰርዐትን፡ ከም ሰባ ደኣ ነቲ ምጥምጣም ብድሕሪት ብሻቕሎትን ብኣንክሮን ትዕዝብታ ቀጸለት። 

ዓርቢ ንግሆ፡ እቲ ምርኢት ኪካየድ ተመዲብሉ ዝነበረ ግዜ፡ ካብ መዓልታት ናብ ሰዓታት ተሰጋገረ። እቲ ወጥሪ ድማ ማዕረ ማዕሪኡ እንዳበረኸ ከደ። ወይ ንሕና ወይ ንሶም! ሎሚ ወይ ዓርቢ ሓርነት ወይ ዓርቢ ባርነት! ዝወለደት ክትወልድ ኢያ! ብዘድምጽ ፍኽክር ከተማ ስታቫንገር ተኣኮተት።

ዛጊት ደለይቲ ለውጢ ሓደ ዓቢ ዓወት ተጎናጺፎም ኣለው። እቲ ምርኢት ኪካየደሉ ዝተሓስበ ኣዳራሽ ኣብ ምዉት ግዜ ከምዝኽልከል ብምግባሮም። ኣንተኾነ በዚ ዓወት እዚ ግን ኣይተዘናግዑን። እቲ ምኽንያት፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ዓወት ተጎናጺፎም ኔሮም ኢዮም። እንተኾነ ግን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት ኣዳራሽ ቀይሮም፡ እቲ ምርኢት ከምዝካየድ ብምግባሮም ከም ምሉእ ዓወት ዝቆጽርዎስ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ እዮም ድኻሞም ከይጸብጸቡ፡ ኣብ ካልእ ሓያል ጻዕሪ ሻቡ ዝተጸምዱ። ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፈል፡ እዚ ምርኢት ደው ክብል ኣለዎ! ኣብ ዝብል መርገጺኦምን ጸንዑ። ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ዝተኸፍለ ገንዘብ ይከፈል ፍሽለት እዚ ምርኢት `ርእሰ-ቕትለት`ዩ` ኣብ ዝብል። ሕጂ’ዉን እታ ዓባይ ኣጽዋር ’ምስጢራዉነት’ ኣጽኒዖም ሓዝዋ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ ኣዳራሽ ከምዝተሰረዘ፡ ደገፍቶም ብደለይቲ ለዉቲ ስለዝተሓበሩ፡ እቲ ምርኢት ከምዝካየድን እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝካየደሉ ቦታ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ምጅማር እቲ መደብ ከምዝሕበሮም ብምግላጽ፡ ኣብ ተጠንቐቕ ክጸንሑ ኣመቱሎም።

ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ፡ ጸሓይ ዓሪባ መሬት ብጸላም ተኸድነት።  ምጅማር እቲ ምርኢት ድማ ሰለስተ ሰዓት ጥራይ ተረፎ። ደለይቲ ለውጢ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝናት፡ ኣብ ማእከል ከተማ ስታቫንገር ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ክተኣኻኸቡ ጀመሩ። እቲ እናሻዕ እንዳደጋገሙ ዘልዕልዎ ዝነብሩ ጉዳይ ድማ፡ ”ከመይ ጌርና ነዚ ምርኢት ነፍሽሎ” ዝብል ነበረ። ሕቶኦም ሓደ፡ መልሶም ግን ዝተፈላለየ። ገለ ኣብ ቅርዓት እቲ ኣደራሽ ሰለማዊ ሰልፊ ክንገብር ኣለና፡ ካልኦት ድማ ኣብ ውሽጢ ክንኣቱ ዝኽልክለና ክንሪኦ ኢና ዝብል። ገለ ካልኦት ግን ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ነበሮም። ነቲ ኣቐዲሞም ዝተጠቕምሉ ሜላ ብምድጋም፡ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን እቲ ምርኢት ከምዝብርዕን ምግባር ዝብል። እንተኾነ እቲ ምርኢት ዝካይደሉ ሰዓት እንዳቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ህሞት፡ ነቲ ምርኢት ዝካየደሉ ቦታ ዝሕብር ሰብ ግን ጥርቅም በለ። ነዚ ሓበሬታ ክምግቡ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ሰባት ተዋፈሩ። እንተኾነ እቲ ንሶም ሒዞሞ ዝመጹ ሓበሬታ ንሓድሕዱ ዝገራጮ ብምንባሩ፡ ንደለይቲ ለውጢ ሩፍታ ዝህብ ኣይነበረን። እቲ ርጡብ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ጻዕሪ ግን፡ ብኹሉ ሸነኻት ተጠናኺሩ ቀጸለ።

እቲ ምርኢት ክጅመር ሓደ ሰዓት ተረፎ፡ ጽጹይ ሓበሬታ ድማ ዛጊት ኣይተረኽበን። ገለ ታናንገር ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ገለ ካልኦት ድማ ካብ ስታቫንገር 15 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከተማ ሳነስ ዝርከብ ሆቴል እዩ ኪካየድ  ዝብል ሓበሬታ መጸ።  ነዚ ሓበሬታ ንምጥላል ላዕልን ታሕትን ኮነ። ገለ ተለፎን ዝድውሉ፡ ገለ ካልኦት ድማ ብኣካል ንምርግጋጽ ናብቲ ቦታ ተላእኩ። ኣብዚ ህሞት፡ እቶም በቢሓደ ዝተኣኻኸቡ መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደቀንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ደለይቲ ለውጢ፡ ብዝሖም ናብ ዓሰርተታት ክብ በለ፡፡ እንተኾነ እቲ ግዜ ካብ ሰዓት ናብ ደቂቕ፡ ካብ ደቒቕ ናብ ካሊኢት እንዳቐረበ ኣብ ዝመጻሉ ዝነበረ ህሞት፡ ውቅዒት ህርመት ልቦም ማዕረ ማዕሪኡ ወሰኸት። 

ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት፡ ደለይቲ ለውጢ እቲ ምርኢት ዝካየደሉ ቦታ ኣረጋገጹ። ኣብ  ከተማ ሳነስ ዝርከብ ’Quality Residence Hotel’ ምኻኑ ተበጽሐ። ኣብ ኣፉን ዕርበቱን እቲ መደብ ከምዝቓረጽ ንምግባር ዘሎ ተኽእሎታት ግን፡ ንቡዙሓት ተስፋ ዘቑረጸ ነበረ። እንተኾነ እቶም እዚ ክውንነት ክምህ ዘይበሎም ግን፡ ኩሉ ጻዕርታቶም ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ቀጸሉ። ተስፋ ዝህብ ግን ከቶ ኣይነበረን። ገለ እዚ ኩሉ ጻዕሪ ተኻይዱ ከብቅዕ፡ እቲ ምርኢት ደው ክብል ዘይምኽኣሉ ፈጺሙ ክወሓጠሎም ኣይከኣለን። ካልኦት ግን ነቲ ኣቐዲሙ ዝተመዝገበ ውጽኢት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምዓወት ብምቑጻር ነብሶን ኣደዓዓሱ። እቲ ንዝምልከቶም ኣካላት ኣዘራሪብካ ነቲ መደብ ከምዝብርዕን ናይ ምግባር ጻዕሪ ግን ገና ኣየኽተመን።

ሰዓት ሸሞንተን ፈረቓን፡ እቲ ምርኢት ክካየደሉ ዝተወጠነ ግዜ ብፍርቂ ሰዓት ሓለፈ። ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝደናገጹን ናይ ጓይላን ሳዕሲዒትን ክቱር ወልፊ ዘለዎምን ወገናት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ዝተዋህቦም ሓበሬታ፡ ናብቲ ኣደራሽ በቢሓደ ክውሕዙ ጀመሩ። ሕልሞም ጋህዲ ዝኾነሉ ሰዓት ብምእካሉ፡ እቲ መደብ ንኽይስረዝ ዝነበሮም ሻቕሎት ተቐንጠጠ። እንተኾነ ምሉእ ግን ኣይነበረን። ካብታ ዝፈርሕዋ’ውን ኣየምለጡን። ልክዕ ሰዓት ትሽዓተ ናብ ሓደ ካብቶም ገዳይም ተቓለስቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተለፎን ተደወለ። ኩሉ እቲ ኣብ ዕላልን ዋዕዋዕታን ተጸሚዱ ዝነበረ፡ ኣብ ማይ ከም ዝኣተወት ኣንጭዋ ድምጹ ከመ ቅጽበት ጸጥ ኣበለ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ብዓውታ ”ተዓወት ተዓወት” ዝብል ድምጺ ደርጒሖ። እቲ ኩነታት እንታይ ምኻኑ ንምርዳእ ብሃንቀውታ ዝጸናጸኑ ዝነበሩ ድማ ሻቡ፡ ”ህግደፍ ተኸልኪሎም!” ዝብል ሕቶ ኣዝነብሉ። ”ጸባ ስተዩ ደቂ ኤረ፡ እወ ብርግጽ ተኸልኪሎም” ብምባል ኣበሰሮም። ልክዕ ኤርትራ ነጻነታ ክትጎነጻፍ እንከላ ዘዘኻኽር ፈንጠዝያ ሰፈነ። ዝጭድር ጨደረ፡ እትዕልል ዓለለት። በዚ እምበኣር ዓርቢ ሓሙሽተ ታሕሳስ 2014: ሓመድ ድበ ህግደፍ ኣብ ከተማ ስታቫንገር ጋህዲ ዝኾነሉ ዕለት ኮይና ሓለፈት። 

ህዝባዊ ርክባት ንደለይቲ ለውጢ