ሳልሰይቲ ሕታም መቃልሕ ፎርቶ ብድርኡ ኣብ አስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን ዝርጋሔኣ ከም ዝጀመረት ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እዛ ፈለማይ ሕታማ ኣብ 18 መስከረም 2013 ዝጀመረት መቃልሕ ፎርቶ ኣብ ህዝቢ ጽቡቅ ተቀባልነት ረኺባ ከምዘላን ህዝቢ ብሚስጥር የንብባን ይዛረበላን ከምዘሎ‘ውን ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ወሲኾም ይገልጹ። በዚ ኣጋጣሚ ዓርቢ ሓርነት ንኩሎም ደልይቲ ፊትሒን ራህዋን ኤርትራ ነዛ ኣብዚ ታሕቲ ትርከብ ሊንክ ዘላ ካልአይቲ ሕታም መቃልሕ ፎርቶ ናብ ኩሎም አብ ናትኩም ዓንኬል ዝርከቡ ኤርትራዊያን ደለይቲ ለውጢ ክትዚርጊሕዋን ክትተሓባበሩዋን: ነቲ ንምሕታም ዘድሊ ከቢድ ገንዘባዊ ወጻኢታት ኣብ ምሽፋን ብትክእልዎ ዓቅሚ ናብዚ ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ዘሎ ናይ ፐይፓል ኣካውንት ወፈያኹም ብምስዳድ ክትተሓባበሩዋ ዓርቢ ሓርነት በዚ ኣጋጣሚ ትምሕጸንኩም። ብዝሒ ተሳትፎኹም ብብዝሒ ንክንሓትምን ክንዝርግሕን ሓጋዚ ይኸውን። ነቶም ክሳብ ሎሚ አብ ሮቦ-ኮል ምድዋል ይኹን መቃልሕ ፎርቶ ንምሕታም ሓገዝኩም ዘወፈኹሙላ ግዱሳት ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራውያንን በዚ ኣጋጣሚ ካብ ልቢ ተመስግነኩም።

Please help us distribute the paper inside Eritrea by sending it to your contacts and asking them to read and distribute. You can also help us share the cost of printing by contributing to our project through our paypal account. The more supporters we have for this initiative to more copies we can distribute. We thank the editorial team and the distribution teams for their tireless work.

To DOWNLOAD PDF... Right Click › Save

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...