እታ ምስ ዝኽሪ መበል 12 ዓመት ምእጋድ ጋዜጣታት ብሕቲ ሃገረ ኤርትራን ምሕያር ንለውጢ ዝጸዉዑ ዜጋታትን ተታሓሒዛ ኣብ 18 መስከረም 2013 ሕትመታ ዝጀመረት፡ ብኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት እንዳ ተዳለውት ብምስጢር አትሕተምን አትዝርጋሕን መጽሔት መቓልሕ ፎርቶ ኣብ 1 ሕዳር 2013 እውን ካልኣይ ሕታማ ናብ ኣንበብቲ ከምዝዘርግሐትን ድሮ ኣብ ኣስመራን ካብ ኣስመራ ወጽእን ህዝቢ ብሱቱር የንብባን ይዛረበላን ከም ዘሎ ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ሓቢራ።

ቀንዲ ትሕዝቶ ካልኣይ ሕታም መቓልሕ ፎርቶ ኣብ’ቲ ኣብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ ዓዲ ጥልያን ዘጋጠመ ንሂወት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ግዳይ ዝገበረ ናይ ባሕሪ ሓደጋ ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ጥቅምቲ ዘጋጠመ ዘይሰብኣዊ ግፋን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ህዝባዊ ቁጣዓን ፡ ከምኡ ‘ውን ጽማቕ ናይቲ ብ ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ዝቐረበ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ስለጣኑ ክወርድ ዝጽውዕ ሃገራዊ ጻውዒትን ዘተኮረ ከምዝኾነ ዓርቢ ሓርነት ወሲኻ ተግልጽ። ዓቕሚ ጸሓፍትን ዘርጋሕትን መቕልሕ ፎርቶውን ብኽልተ ዕጽፊ ከምዝሰሰነውን ተገሊጹ ኣሎ::

Please help us distribute the paper inside Eritrea by sending it to your contacts and asking them to read and distribute. You can also help us share the cost of printing by contributing to our project through our paypal account. The more supporters we have for this initiative to more copies we can distribute. We thank the editorial team and the distribution teams for their tireless work.

To DOWNLOAD PDF... Right Click › Save

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...