ዕላማ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ሮማ እቲ ኣብ ዕለት 03/10/2013 ኣብ ገምገም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ቅዝፈት ኤርትራውያን ኣዴታት፣ህጻናትን መንእሰያትን ንምዝካርን፣ከምኡ ዝኣመሰለ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም ብምሉኡ ዘስካሕክሐ ሓደጋ ብድሕሪ ሕጂ ንኸይድገም ፣ንመንግስቲ ጥልያንን ንማሕበረ ሰብ ዓለምን ንምትሕስሳብ ኢዩ ኔሩ።በዚ መኣዝን’ዚ ክርአ ከሎ ዕውት ተበግሶ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ካብ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ካብ 1000 ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብምንባሩ ናይ ዓወቱ መርጋገጺ ረቛሒ ኢዩ።ብተወሳኺ ናይ ብዙሓት ሃገራውን ኣህጉራዊን ናይ ዜና ማዕከናት ተረኺበን ነቲ ተበግሶ ብሰፊሕ ከምዝቃላሕ ብምግባረን እቲ ክመሓላለፍ ዝድለ ዝነበረ መልእኽቲ ዕላምኡ ከምዝውቕዐ ምግምጋም ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣይኮነን።

ብዘይካ’ዚ እቶም ልኡኻት (ወከልቲ) ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ፓርላማን ናይ መንግስትን ትካላት ዘካይድዎ ርክባትን ዘብጽሕዎ መልእኽትን ኣነኣኢስካ ዝርአ ኣይኮነን። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብመራሕቲ ሃይማኖታት ክርስትናን ምስልምናን ተመሪሑ ፡ናይቶም ኣብዚ ሓደጋ ናይ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ ህጻናትን ዓበይትን ብዝሖምን ዝሕብር ክልተ ሳናዱቕ ሬሳ ብምስካም ኣብቲ ፕያሳ ብምዛር ስነስርዓት ሰላማዊ ሰልፊ ተኸፊቱ።እዚ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ መደብ ብወገን ክልቲኦም መራሕቲ ሃይማኖታት ዘካየድዎ ሃይማኖታዊ ስርዓት ድሕሪ ምዝዛሙ ድማ፣ ኣብቲ

ፖለቲካዊ ክፋል ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተእትዩ ንጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቃልዕን ፣ንመንግስቲ ጥልያንን ኤውሮጳን ሓላፍነቶም ዘኻኽርን ጭርሖታት ብዓውታ ድሕሪ ምቅላሕ ኣብ ሰዓት ሐደ ገጹ ሰላማዊ ሰልፊ ተዛዚሙ።

ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ምዝዛሙ ኣብቲ መቐበሊ ኣጋይሽ ዝተመደበ ኣዳራሽ ብምእካብ መጻኢ ዕማማት ብኤውሮጳ ደረጃ ተወሃሂድካ ብሓባር ክስረሓሉ ዝከኣል ኩነታት ንምፍጣር ዘተ ተኻይዱ።ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጹ ወከልቲ ማሕበራትን ጉጅለታትን ናይ ደገፍ መግለጽታት ኣስሚዖም። ተብግሶ ሰላማዊ ሰልፊ ሮማ ኣብ ዕለት 21/09/2013 ዝቖመ ምውህሃድ ናይ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያንን ጠላይንን ማሕበራትን ዝተኻየደ ኢዩ።ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብሓንሳብ ናይ ምስራሕ ተመክሮ ዘይነበሮም ብምዃኖምን፣እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድላው ዝነበረ ሓጺር ጊዜን ዘይርጉእ ኩነታትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዕውት ምንባሩ’ኳ ዘይከሓድ እንተኾነ ኣብ ምውዳቡ ገለ ጉድለታት

ምንባሩ ምጥቃስ ግን ንዝመጽእ ሃናጺ ምዃኑ ብምእማን ክግለጽ ይግባእ።

ገለ ካብዚ ጉድለታት’ዚ መደባት ብጽፉፍ ዘይምሕንጻጽን ናይ ጊዜን ቦታን ንጹር ሓበሬታ ንህዝቢ ዘይምሃብን ክኸውን ከሎ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ገለ ምዝንባላት ክምዝፈጠር ክንግንዘብ ክኢልና ፡ ናይ መደባት ምድርራብ ኣብ ኣተኣላልያ እቲ ኩነታት ገለ ጸገም ይፈጥር ብምንባሩ ክመሓየሽን ክእረምን ዘሎ ምዃኑ ተገንዚብናዮ ኣሎና።ንኣጋይሽ ድማ ይቕረታ ንሓትት። ከምኡውን እቲ ድሕሪ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ዝነበሮ ናይ ሓባር ኣኼባ ዘበገሶ ዕላማታት ብብሩህ መገዲ ዘይምቕራቡ ፣እቲ ክውቃዕ ዝተደልየ ናይ ሓባር ሽቶ ከምቲ ዝድለ ክበጻሕ ኣይተኻእለን።መብገሲ ዘተ ኮይኑ ኣብ በቦትኡ ኣድላዪ ምይይጥ ክግበረሉ ግን ሰብ ተስፋ ኢና።

ምውህሃድ ንደሞክራስያዊት ኤርትራ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...