ኤርትራውያን ብዝጋጠሞም ዝንቡል ምሕደራዊ ህግደፍን ዘኸትሎ ዘሎ ዘይሰብአዊ ተግባራትን ንደቂ ሃገር ንጹር ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ብአንጻሩ ብአሽሓት ዝቕጸሩ መንእስያትን፣ ትሕቲ ዕድመን ከምኡውን’ ኣረጋውያንን ደቂአንስትዮን ዝርከብዎም ካብ ሃገር ይስደዱ ምህላዎም ንአብ ገዳም ዝሰፍር ባሕታዊን ከይተረፈ ስውር ኣይኮነን። ኤርትራውያን ካብ ዝስደድሎም ሃገራት ሓንቲ ደቡብ ሱዳን ኮይና ኣብኡ’ውን ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዘጋጥሙ ሽግራት ምህላዎም ንምሕባር ዓለምለኻዊ ኮምሺን ንስደተኛታት ኤሪትራውያን (ICER)ነዚ መጠንቀቕታት ከቃልሕ ይግደድ። ካብ ዝሓለፈ ሕዳር 2011 ጀሚሩ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ቁጽሮም ብርከት ዝበለ ስደተኛታት ብኢድ ዘይተፈልጡ ሰባት ሂዎቶም ምሕላፉ  ካብ ደቡብ ሱዳን ምንጭታትና ይሕብሩ። መብዝሕቶኣም ተቐማጥቲ እቲ ሃገር ዝኾኑ ኤርትራውያን ግን እቲ ዘይሰብአዊ ሓደጋ ካብ ዜጋታት እታ ሃገር ምፍናዉ የተንብሁ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሸሞንተ አዋርሕ እዚ ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ዝርከብ ሓደጋታት ተፈጺሙ።

1. ዕድሜኡ 29 ዝኾነ መንእሰይ ዳዊት ፍሰሃየ ገብረመድህን ኩነታቱ ንምግላጽ ብዘሸግር ኣገባብ ኣብ ከተማ ጁባ ሕዳር 11, 2011 ሂወቱ ሓሊፋ ተረኺቡ። ዳዊት ብዓል ኩዶፈላሲ ሰራየ ኮይኑ ኣብ ጁባ ንብዙሕ ጊዜ ከምዘይተቕመጠ ይንገረሉ።

2. ዕድሚኡ 40 ዓመት ዝግመት ቴድሮስ ከምኡ’ውን ወዲ 41 ዓመት ዝኾነ በረኸት ኣብ መፋርቕ ጥሪ 2012 መንነቶም ብዘይተፈልጡ ሰባት ወይ ሰብ ምቕታሎም ኣብ ጁባ ዝርከብ ምንጭና ይሕብር። ናይ ኣቦታቶም ኣስማት ይኹን ዝተወልድሉ ኣከባቢ ግን ክሕበረልና ኣይተኻእለን።

3. ካልእ ፍጹም ገብረመስቀል ዝተባህለ ዕድሜኡ 41 ዝኾነ ወዲ ሃገር ሚያዝያ 9, 2012 ብዘሰክሕ ኩነታት ኣብ ጁባ ምቕታሉ ይንገር።

4. ገረ ይስሓቅ ዝተወልደሉ ዓዲ ገድለ ኣከለጉዛይ ብኻራ ተዘልዚሉ ከምዝሞተ ይፍለጥ። ገረ ዝወደቀሉ ኣከባቢን ጊዜን ብርግጽ እኳ እንተዘይተፈልጠ ዕድሜኡ ወዲ 32 ምዃኑ ምንጭና ይሕብር።

5. ኣክሊሉ ዝተባህለ ስደተኛ ካብ ከተማ ጁባ ናብ ኑሚለ ዝተባህለት ካልእ ከተማ ክጓዓዝ እንከሎ ብዕለት 13 ግንቦት 2012 ብጥይት ተበሳሲዑ  ምሟቱ ይፍለጥ። ናይ ኣክሊሉ ሬሳ በቲ ስሩዕ በረራ “ናስአይር” ካብ ጁባ ንኣስመራ ምፍናዉ  ተወሳኺ ሓበረታ ኣሎ።

6. ወዲ 60 ዓመት ዝኾኑ ሽማግለ’ውን ‘ ብሓደጋ’ ኣብ ጁባ  ብመጋቢት 2012 ምሟቶም ይንገር። ሽማግለ ተወልደ ሃይለ ገብረመስቀል  ዘጋጠሞም ‘ሓደጋ’ ታሕሳስ 2011 ኮይኑ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ግን ድሕሪ 3 ወርሒ እቲ ‘ሓደጋ” ምግጣሙ ኢዩ።

7. ዝሓለፈ ቀዳም ሰነ 23, 2012 ገብረየሱስ ገብረስላሴ ገብረዮሃነስ ዝተብህለ ስደተኛ ብጠያይት ሁሮምታ ኣብ ጥቃ ሓደ መኻዚኖ ምቕታሉ ዝበጽሕና ወረ ይሕብር። ገብረየሱስ ወዲ 30 ዓመት ኮይኑ ዓዱ ድማ ኮኾባይ ኣከለጉዛይ ኢዩ።

ካብ’ዚ ቀጺሉ ንሂወት ብዘስግእ መንገዲ ዝተሃርሙ/ ዝተወቖኡ፣ ፈጸምቲ እቲ ባርባራዊ ተግባር’ውን ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ምዃኖም ዝንገረሎም እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

ወዲ 31 ዓመት ዝግመት ምስግና ሰራሕተኛ ‘ኣኩና ሎጅ’ ብሓደ ደብብ ሱድናዊ ዜጋ  ክልተ አእዳዉ ብምእሳር ብማኪና ከም ዝተጎተ እሞ ኣብ ዘስግእ ኩነታት ምህላዉ ይፍለጥ። ምስግና ዘጋጠሞ ሽግር ኣብ መጀመርያ ወርሒ ግንቦት 2012 ኢዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ወዲ 24 ዓመት ዮሃንስ ዘርኢሰናይ፡ ብዕለት 20 ወርሒ መጋቢት 2012 ከባቢ 8.30 ናይ ምሽት ኣብ ዞባ ኣትላይ ባራ ከተማ ጁባ ብኸቢድ ናይ ርእሲ ማህረምቲ ይሳቐ ምህላዎ ይንገር። እዚ መንእስይ’ዚ ከም ብአሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኤርትራ ሃገር ራሕሪሑ መጀመርያ ናብ ኢትዮጵያ ቀጺሉ ድማ ናብ ኬንያ ምእታዉ ምንጭታትና ይሕብሩ። ዮሃንስ ካብ ኬንያ ናብ ጁባ ዝአተወሉ ቀንዲ ምኽንያት ስራሕ ንምንዳይ ኢዩ።

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...