ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ሃገርና በዂሩ ዘሎ ሰብኣዊ መሰል፣ ፍትሕን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ማእከል ናይ ዕላምኡ ገይሩ ካብ ዝቃለስ እንሆ ዓመታት ኣቚጺሩ። ነዚ ቅዱስ ዓላማ’ዚ ንምዕዋት ድማ ብሓደ ሸነኽ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝብና ኣብ ምጥርናፍን ናይ ቃልሲ ወኒኡ ክብ ኣብ ምባልን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ እንነብረሉ ሃገር ምስ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ጥቡቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ ኣብ ምቅላዕ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕለል ቃልሲ ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን።

ኣብ ግዜ ብረታዊ ተጋድሎና “ቃልስና ነዊሕ እዩ፡ ዓወትና ግን ናይ ግድን” ዝብል ሰውራዊ ጭርሖ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ’ዚ ዘሎናዮ መዋእል ግን ኣብ ክንዲ “ቃልስና ነዊሕ እዩ” ጥራይ ኢልካ ምሕላፍ፡ “ቃልስና ነዊሕን ዝተሓላለኸን እዩ ዓወትና ግን ናይ ግድን” ንኽንብል የድፍረና። ምኽንያቱ ድማ ሓይልታት ተቓውሞ  ነንሓድሕድና ኣብ ምርጻም እነጥፍኦ ግዜን ጉልበትን ብቐሊሉ ስለ ዘይግመት እዩ። ናይ’ዚ ቀንዲ ምኽንያት ብዝተፈላለዩ ተዓዘብቲ ዝተፈላለየ ምኽንያት እኳ ይዋሃቦ እምበር ዘይሩ-ዘይሩ ግን ኣብ ጉድለት ንቕሓት እዩ ዝጠቓለል። ንቕሓት ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከተለሊ የኽእለካ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ምፍታሕ ሽግርካ ቀዳምነት ክወሃቦም ዘሎዎም ጉዳያት ብቐሊሉ ይሕብረካ። ነዚ ንመዋእል ዘህለኸና ናይ ፍልልያትና ሸንኮለል ፈቲሕና ዱልዱል ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ንምህናጽ ኣብ ዝተበገስናሉ እዋን ድማ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ወሲድናዮ።

ጉዕዞ ሃገራዊ ዋዕላ ብፓለቲካውያን ውድባት ዝተበገሰን ዝተሰላሰለን ገይሮም ዝወስድዎ ገርሀኛታት ኣይሰኣኑን ይኾኑ፤ እቲ ሓቁ ግን ሲቪላውያን ማሕበራት’ውን ኣብ ምላድ መንፈስ ሃገራዊ ዋዕላ ዕትብቲ ዝቖረጻ እየን። ሲቪላዊ ማሕበርና ኣድላይነት ዋዕላ ናይ እዋኑ ቀንዲ ፍታሕ ምዃኑ ብምእማን ንምዕዋቱ ዘይሕለል ኣስተዋጽኦ ካብ ዝገበሩ ሓይልታት ሓደ ምዃኑ እንሕበነሉ ታሪኽና እዩ። ዋዕላ፡ ንሽግር ህዝብን ሃገርን መፍትሒ ኢልካ ዝእመነሎም ሓሳባት ካብ ኩሉ መኣዝናት ኣብ መኣዲ ዘተ ቀሪቦም እትካታዓሉን፡ ብኣብዛሓ   ዝደገፎ ሓሳብ እትምእዘዘሉን ባይቶ ድኣ እምበር፡ ንድሌት ውሑዳት ዘርዊ መስርሕ ኣይኮነን።

በዚ ኣገባብ ዝተጓዓዘ ዋዕላ 2010 ኣዋጃቱ ከም ዝምስክሮ ዕዉት እኳ እንተነበረ፡ ብውጽኢቱ ዝተሰከፉ ኣካላትስ ኣይተሳእኑን። ብመሰረት ውሳነ ዋዕላ 2010 ሃገራዊ ጉባኤ ንምድላው፡ ሃገራዊ ኮሚሽን ህዝባዊ ጎስጓስ ኣብ እተካይደሉ ዝነበረ እዋን፡  ገለ-ገለ ውድባት መንጸብረቕታ ስክፍትኦም ዝሕብር ንሱሩዓቶም ብመንገዲ ዘዋሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፍዎ “ኣባላት ውድባት’ውን ምስ ህዝቢ ናብ ጉባኤ ወከልትኹም ንምልኣኽ ክትመርጹን ክትምረጹን ትኽእሉ ኢኹም” ዝብል መምርሒ ዘይህዱእ ኩነታት ከም ዝፈጠረ ዝዝከር እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ወኪል ማሕበርና ኣብ ኮሚሽን ግዳይ ናይ’ዚ ኮይኑ እዩ። ኣብ’ዚ ክንርስዖ ዘይብልና ሲቪካውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ናይ ሓሳብ ፍልልይ ክህልወን ባህርያዊ እዩ፤ የስራሓና እዩ ኢለን ንዝተሰማማዓሉ መስርሕ ዝጻረር ብውሽጢ-ውሽጢ ካልእ መምርሒ ምልሓዂ ግን ብመዓቀኒ ውዕላዊ ሕግን ግሉጽነትን ቅቡል ኣይኮነን።

ሃገራዊ ጉባኤ ዝጋባኣሉ ወርሓት ቀሪቡ፤ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ህዝብና ብወከልቱ ናብ ጉባኤ ንምስታፍ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ሲቪካዊ ማሕበርና ድማ ምስ ዝዛመዶም ሲቪካውያን ማሕበራት ዓለም ብእዋናዊ ሽግር ህዝብናን ሃገርናን መፍትሒኡን ብዕምቆት ብድሕሪ ምዝታዩ፡ ሃገራዊ ጉባኤ እንታይን-እንታይን ከዓውት ከምዘሎዎ፤ እንታይን-እንታይንከ ከወግድ ከምዘሎዎ ንጹር ርእይቶ ኣቐመጠ። ጽማቚ ርእይቶና ድማ ብወከልቲ ክልቲኡ ሲቪካዊ ጽላላዊ ማሕበራት ነታ ጉባኤ ትመርሕ ዝነበረት ኣካልን ካልኦት ዝምልከቶም ውድባትን ከምኡ’ውን ናይ ዋዕላ ተሳተፍትን ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ናይ ሓባር ደብዳበ ብስም መርበብ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበራት ኤውሮጳ (NECS) ከምኡ’ውን ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS) ተዋህበት።>>>

ናይ ሓባር መግለጺ
ብሲቪላዊ ማሕበራት ተጠርኒፍና ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዚሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸገማት በዲህና ሓደ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን ደሞክራስን ዝዓሰሎ  ስርዓት ንምርግጋጽ ክንቃልሰ ጸኒሕና ኣሎናን። ገለ ካብ’ቶም ዓበይቲ ዓላማታት ድማ፡-
1.    ፖለቲካዊ ስልጣን ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ንምርካብ፣
2.    ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ምርግጋጽ፡ ከምኡ’ውን
3.    ፍትሓውን ደሞክራሲያውን ስርዓት ምምስራት እዮም።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዓላማታት ንምትግባር ድማ ነዚ ሕጂ ኣቲናዮ ዘሎና መድረኽ ካብ ፈቲቫል ካስል ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ክንቃለስ ጸኒሕና። ሕጂ’ውን ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ኩሉ ዝተወደበን ዘይተወደበን ሓይሊ ንምዕዋቱ እጃምና ነበርክት ኣሎና። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ዕዉት ጉባኤና ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከማልእ ንጽውዕ፡-

1.    ኣብዚ መድረኽ’ዚ ሃገራዊ ቅዋም ከነርቅቕ ይኹን ከነጽድቕ መድረኹ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ ስልጣን እውን ስለዘየብልና ክንሓልፎ ንመርጽ፤ ከም መተካእታ ግን ነታ ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ እትምረጽ ኣካል መምርሒ ዝኸውን ውሽጣዊ ሕጊ እንተተጠቐመት ይሓይሽ ንብል፤

2.    መንግስቲ ኣብ ስደት ምእዋጅ’ውን ካብ መኽሰቡ ክሳርኡ ስለ ዝበዝሕ ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ምልዓሉ ተመራጺ ኣይኮነን፤

3.    ኣብ’ዚ ጉባኤ ዝምረጹ ፈጸምቲ ኣካላት ሙሉእ ግዜኦምን (full time) ተረፍ ጊዜኦም (part time) ዘወፍዩ እንተኾኑ ተመራጺ እዩ ንብል፤

4.    ናይ ሓጋጊትን ፈጻሚትን ኣቦ መናብር ሓላፍነታት ብንጹር ተፈላልዩ ክቕመጥ ንመርጽ።

5.    ህዝብና ብዝመሰሎ መልክዕ ተወዲቡ ክቃለስ ደሞክራሲያዊ መሰሉ ምዃኑ እናኣመንና ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ናይ ብሄር ሕቶ ክሳብ ምግንጻል ዝብል ክትዕ ምልዓሉ እዋናዊ ኣይኮነን ንብል፤

6.    ሕቶ ቃልስና ክዓዝዝን ኣቓልቦ ክረክብን ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ዝምረጽ ኣካል ብሓፈሽኡ ምስ ዓለም-ለኻዊ ውድባት ብፍላይ ድማ ምስ ናይ ቀረባ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍርቃን ኢጋድን ዝምድናኡ ከዐዝዝ ንጽውዕ፤

7.    ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ምስ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ንደሞርራዊያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኣካላት ምስ እነካይዶ ዘሎና ቃልሲ እተወሃህድ ፍልይቲ ሽማግለ ጉባኤና ክመዝዝ ንጽውዕ። ብተወሳኺ፡-

8.    ጉባኤ ነዞም ዝስዕቡ ከተግብር ንጽውዕ፡-
ሀ. ናይ ሓባር ፓለቲካዊ ንጥፈታት
ለ. ናይ ሓባር ናይ ወጻኢ ዝምድናታት
ሐ. ናይ ሓባር ወታሃደራዊ ክንፊ
መ. ናይ ሓባር መድያ (media)
ሰ. ናይ ሓባር ፋይናንስ

ኣብ መደምደምታ እዚ ጉባኤ’ዚ ነቲ መዘና ዘየብሉ ጭቆና ህዝቢ ኤርትራ ዘድሕን ክኸውን ልባዊ እምነትና እዩ።

ጸብጻብ ሃገራዊ ኮሚሽን ብድሕሪ ምቕራቡ ጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ ንምምራጽ ኣምራጺት ሽማግለ ተመዘት። ኣምራጺት ሽማግለ ድማ መሪጻ ዘቕረበታ ሰክረታርያ ንኹለን ነተን ንጉባኤ ዘቖማ ኣዕኑድ (pillars) ዝወከለት ኣብ ክንዲ ትኸውን ንሲቪካውያን ማሕበራት ዘየሳተፈት ገይሮም ኣቕረብዋ። ኣብ ምቛም ሰክረታርያ ንሲቪካውያን ማሕበራት ዘዋሰነ ምኽንያት ንዓና ርዱእ እኳ እንተነበረ ህዝቢ ከይፈለጦ ሸለል ኢሉ ክሕለፍ ግን ኣይመረጽናን። ጉባኤ ክገብሮ ዘሎዎን ዘየብሉን ኢልና ዘቕረብናዮም ሓሳባት ብዘይካ እታ “ቃልስና ምስ’ቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኣካላት ክዛመድ ኣለዎ” እትብል ርእይቶ ካልእ ብሙሉኡ ባህግን ድሌትን ዝሰፍሐ ዋዕለኛ ብምንባሩ ከም ዘሎዎ ተተግቢሩ እዩ። እዚ ከኣ ንዓና ብሩህ መልእኽቲ ነይሩዎ። ጉባኤ ኣዋሳ እንታይ ከዓውት ኣሎዎ ኢልና ዘቕረብናዮ ርእይቶ ንውሑዳት ዘሰከፈን ንምድስካል ማሕበርና ዘጓየዮምምን እኳ ይኹን እምበር፤ ብርእይቶ ብዙሓት ከም ዝተደገፈስ ብውጽኢት ጉባኤ ኣረጋጊጽናዮ ኢና። በቲ ዝካየድ ዝነበረ መዓልታዊ ክታዓት ድማ ብዝወሓደ ክዛመዱናን ክጻብኡናን ዝኽእሉ ከነለሊ በቒዕና። ነቲ ኣብ ምቛም ሰክረታርያ ዝተሰገርናዮ ዳግማይ ከይንስገር ንምጥንቃቕ ብማለት ድማ ሲቪላውያን ማሕበራት ብሓባር ንሰክረታርያ ብጽሑፍ ኣቤቱታና ኣቕረብና።

ትሕዝቶ ጽሑፍና ተወከስ……………
>>

24 ሕዳር 201
ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ሲቪካውያን ማሕበራት ዘሎና ቅሬታ፤

ዝኸበርኩም ኣባላት ሰክረታርያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ፣
ኣስማት ማሕበራትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ወከልቲ ሰቪላውያን ማሕበራት ንሃገራዊ ጉባኤ፡ ነቲ ብጉባኤኛ ዝተወሃበኩም ከቢድ ሓላፍነት ብዕዉት ንኸተሰላስልዎ ዘሎና ጽቡቕ ትምኒት ክንገልጽ ንፈቱ። ብምቕጻል፡ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ መወዳእታ ሸትኡ ምእንቲ ክወቅዕ  እንቋዕ ኣብ’ዚ ኣብጻሓና እንዳበልና ኣብ መስርሕ ጉባኤ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምቛም ሰክረታርያ ዝተዘንግዐ ኣገዳሲ ጉዳይ ብምልዓል ንብድሕሪ ሕጂ ማለት ኣብ ምቛም ይኹን ኣብ ምምራጽ ኣገደስቲ ትካላት እዚ ጉባኤ እዚ ጥሕሰት ምእንቲ ከይደግም ንሰክረታርያ  ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞራሲያዊ ለውጢ እዚ ዝስዕብ ወግዓዊ ስምዕታ ብምቕራብ ጉባኤ ክምዝግበልና ብትሕትና ንሓትት።

1.    ከም ዝፍለጥ ነዚ እነካይዶ ዘሎና ጉባኤን መስርሑን፤ ከምኡ’ውን ነዚ ዝፈጠረ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጥን መስርሑን ምእንቲ ክዕወት ሰብ-ብርኪ ናይ’ቲ መስርሓት ብምዃን ዘይሕለል ቃልሲ ዘካይዱ ካብ ዝነበሩን ዘሉውን ኣካላት ሲቪላውያን ማሕበራት ምዃነን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር  ኣብ ምምራጽ ሰክረታርያ ጉባኤ ዝተወስደ ኣገባብ ግን ንበርጌሳውያን ማሕበራት ከም ሰብ-ብርኪ ዘይኮነስ ብመንገዲ ዝመጹሉ ዞባ ምስ ወከልቲ ህዝቢ ብምሕዋስ መልክዕን ውክልናን ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ሰክረታርያ ዘይምንጽብራቑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ውክልና ሲቪላውያን ማሕበራት ዘየሎ ምኳኑ ጉባኤ ክፈልጠልና ነተሓሳስብ።

2.    ንሕና ሲቪካውያን ማሕበራት ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ናይ ኣገባብ ጉድለት ብኣግኡ ዝተዓዘብናዮ እኳ እንተኾነ መስርሕ ጉባኤ ምእንቲ ከይነተዓናቕፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብቐንዱ ምምራጽ ሰክረታሪያ ናይ መወዳእታ ዓላማ ናይ’ዚ ጉባኤ’ዚ ኣይኮነን ካብ ዝብል ሰፊሕ ልቦና ብምብጋስ፡ ንብድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝካየድ መስርሕ ጉባኤ ዳግማይ ጥሕሰት ከይገብርን፡ ውክልና ሲቪላውያን ማሕበራት ምስ ዝመጽዎ ዞና ይኹን ካልእ ተመሳሳሊ ውክልናታት ክረአ ከምዘይግባእ ንምትሕስሳብ ምዃኑ ጉባኤን ሰክረታርያን ክፈልጠልና ብጥብቂ ነተሓሳስብ።

ምስ ብዙሕ ኣኽብሮት
ኣድሓኖም ፍትዊ
መርበብ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበራት ኤውሮጳ (NECS)
ዶክ፡ ዮናስ መሓሪ
ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን………. (EGS)
ኣሳልጦ ስራሕ ንሰክረታርያ ሃገራዊ ጉባኤ
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ነዛ ደብዳቤ እዚኣ ክቕበለና እንከሎ “እሞ ንድሕሪት ዲኹም ንመለስ ትብሉ ዘሎኹም?” ብማለት ሓተተና። ንሕና ድማ ደብዳቤና ከም ዝሕብሮ ንድሕሪት ንመለስ ኣይብልን እዩ፤ የግዳስ ብድሕሪ ሕጂ ንዝግበር ስራሓት ሲቪላውያን ማሕበራት ሰብ-ብርኪ ናይ’ዚ ጉባኤ ስለ ዝኾና ክስገራ የብለንን ኢና ንብል ዘሎና በልናዮ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ዝምስረት ሽማግለ ሲቪላዊ ማሕበር ክህሉ ኣሎዎ ኢልና’ውን ደገምናሉ እሞ ንሱ’ውን “እሞ ንድሕሪት  ኣይንምለስን” ክብል ነታ ንድሕሪት ምምላስ ትብል ሓሳብ ደጋገማ። ብድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ጉባኤ ኣብ ምዝዛሙ ነቲ ዝተሰማማዕናሉ ቁጽሪ ኣባላት ባይቶ እትዕድል ኣምራጺት ሽማግለ ኣብ ዝተሰየመትሉ ግዜ ድማ እንደጌና ንሲቪካውያን ማሕበራት ዘይሕውስ ሽማግለ ተመርጸ።

ጉዳዩ ደንጺዩና ንገለ ኣባላት ሰክረታርያ እንተተወከስናዮም ብዛዕባ እታ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ንኣቦ መንበር ሰክረታርያ ዝሃብናያ ደብዳበ ኣፍልጦ ከም ዘየብሎም ሓበሩና። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ክልተ ተወከልቲ ካብ EGS ክልተ ተወከልቲ ድማ ካብ NECS  ንኣቦ መንበርን ምኽትል ኣቦ መንበርን ሰክረታርያ ብሓንሳብ ረኺቦም እታ ቅድም ዝሃብናካ ናይ ጥርዓን ደብዳቤና ንምንታይ ንመሳርሕትኻ ኣባላት ሰክረታርያ ዘየካፈልካዮም? ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ድማ  “ንድሕሪት ክንምለስ ስለ ዘይደሌኹ ኣየካፈልኩዎምን” ክብል መለሰ። ተወከልቲ ሲቪላውያን ማሕበራት ኪኖ መልሱ ኣብ ልዕሊ ማሕበራቶም ዝተጠጅአ ነገር ከም ዘሎ ተረዲኦም፡ “ዳሓን ካብ ኣፍካ ክንረኽቦ ብማለት ድኣ እምበር፡ ኣብ ርእሲ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝግበር ዘሎ ግህሰትስ በጺሕናዮ ኣሎና” ብምባል ተፈላለዩ።

ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ትሕቲ ከም’ዚ ዝተጠቕሰ ዘይህዱእን ኣሰካፍን ኩነታት ናብ ናይ  ምዕዳል መናብር መድረኽ ኣተዋ። ኣብ ምዕዳል መናብር ዝተራእየ ኣድልዎ ድማ ነታ ስፍሓታ ኣብ ግምት ተኣትዩ ክንዲ ሓሙሽተ ፓለቲካውያን ውድባት መመዝገቢ ንኽትከፍል ዝተበየነላ ማሕበርና፡ ክንዲ ፍርቂ ናይ ሓንቲ ውድብ’ውን ከይቆጸሩ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ መንበር ከም ዝግባኣና ሓበሩና። ነገሩ “take it or leave it” ምዃኑ ኣይሰሓትናዮን ኮይኑ ግን ነቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ህዝባዊ ሓላፍነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ዝበሃል ዘሎ ክልተ ኮይኑ ክወሃበና ጥራይ ሓተትና። ናይ መናብር ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ ንሕቶና ክትምልሶ ስለ ዘይከኣለት ድማ ሕቶና ብጽሑፍ መልክዕ ናብ ኣቦ መንበር ሰክረታርያ ኣብጻሕና………….።

ኣብ ርእሲ ማሕበርና ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ብይን ምድስካል ናይ ባይቶ መንበርና፡ መቐጸልታ ናይ’ቶም ብዝርዝር ገሊጽናዮም ዘሎና ጉባኤ ተጀሚሩ ክሳብ ዝፍጸም ዘጓነፉና ተጻብኦታት ዳኣ እምበር ነቲ ኣብ ምዕዳል መናብር ዝተኸስተ ተረኽቦ ዝምልከት ኣይኮነን። ጉዳዩ ብዛዕባ ሕጊ ነይሩ እንተዝኸውን ነቲ ብጉባኤ ዝተዋህበና መንበር ልዕሊ ጉባኤ ስልጣን ተጠቒሙ ንኻልእ ዝዓደለ ምሕታት ምቐለለ ነይሩ። ኣብ ሰነዳት ውዕልና ሃሰስ ኢልካ ዘይርከብ ብሕጊ ደቂ-ሕድርትና ዝተበየነ ምድስካል መንበርና ፓለቲካዊ ውሳነ ምዃኑ ንምግንዛብ ዘጸግም ኣይኮነን፤ ኮይኑ ግን ንኸምጽኦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ተሓተትቲ ከም ዘይኮንና እንዳፍለጥና፡ ነዚ ብይን እዚ ዝወሰነ ኣካል ህጹጽ መኣረምታ ክገብረሉ ደጊምና ንጽውዕ።……………………………ይቕጽል

ዓለም-ለኻዊ ሓድነት ኤርትራውያን (EGS)
March 17, 2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...