ዝሓለፈ ዓርቢ ማለት 11/11/11 ዓ.ም ንአብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ነቶም አብ በረኻ ሲናይ ዝሃለቑን ገና ዝሃልቁ ዘለው ደቁ ናይ ሓዘን ምሸት ገይርሎም ንኸምሲ ምጽዋዕና ይዝከር። እዚ ጻውዒት በቲ ኩሉመዳያዊ ስመረት ንምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዓቢ ጎስጓስን ጻዕርን እዩ ተኻይዱሉ። ነቲ ብሰንኪ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ሪዒዱን ተምበርኪኹን ዘሎ ህዝብና ርእሰ ተአማንነት መሊሱ አካል ናይዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምግባሩ ዝተገብረ ውሕሉል ስርሒት ድማ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓደ ብቶታሊታርያን ሚሊታሪዝም ዝመሓደር ህዝቢ አብ ሓደ ለይቲ ናዕቢ ወይ ተቓውሞ ከልዕል ከምዘይክእል ፉሉጥ ኮይኑ፣ እቲ ዝተገብረ ናይ ሓዘን ምሸት ጻውዒት ንህዝብና አብ ሓደጋ ንኸይአቱ አብ ግምት ዘእተወ እዩ ኔሩ። አብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ንቤተሰቦም የዕሩኽቶምን ማሓዙቶም እንዳደወሉ አብ ርእሲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብተወሳኺ ንብአማኢት ዝቑጸራ መንበሪ ገዛውቲ ብሃንደበት ብምድዋል ነዚ አስካሕካሒ አብ መንእሰያት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደል ድሕሪ ምዝርዛር አብዚ ናይ ሓዘን ምሸት ሽምዓ አብሪሆም አብ ቤቶም ንኸምስዩ ጻውዒት ተገይርሎም።

አብቲ ሃንደበት ዝግበር ዝነበረ ናይ ተሌፎን ምድዋል አብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና ነቲ መልእኽትና ብጽሞና ይሰምዓናን አወንታዊ መልሲ ይህበና ምንባሩ ንፍናን ቃልስና ዘበራበረ ተርእዮ ስለዝኾነ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ አይንደልን። ሓደ ሓደ ውልቀሰባት ብዘይ ፍርሒ ስሚዒታቶም ክገልጹ እንክትሰምዕ ህዝብና ማዕረ ክንደይ ለውጢ የድልዮ ምህላው ይበርሃልካ። ነዚ ኮይኮነ አይተርፍን ቡዙሓት ስድራ ቤታት አብ ቤተን ሽምዓ አብሪሀን ከምስያ እንከለዋ፤ አብ ሓደ ሓደ ቦታታት መንእሰያት ተአኪቦም ሽምዓ አብሪሆም ከምዘምሰዩ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ተረኺቡ አሎ።

ነዚ ፈላሚ ፈተነ ዕውት ንምግባሩ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ዘካየዱ ማዕከናት ዜና ብፍላይ ድማ ሬድዮ ኤረና፤ ከምኡውን ብፈይስ ቡክን ብፓልቶክን ነዚ መደብ ንምዕዋቱ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን ንዝገበርዎ ጻዕሪ ከየሞገስናዮ ክንሓልፍ አይንደልን። ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ስጉምትታት እንዳወሰድካ ነቲ አብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ራዕድን ፍርሕን ኪኖ ሓጹር ንምድርባዩ ሓጋዚ ስለዝኾነ አብ መጻኢ ብዕቱብ ክስረሓሉ አለዎ ድማ ንብል። እዛ ዝተገብረት አብ ሓጻር ጊዜ ዝተቐነባበረት ስርሒት አብ እዝኒ ሓለፍቲ ህግደፍ በጺሓ ከምዘሻቐለቶም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ አሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አባላት ማሕበር ኤርትራውያ መንእሰያት ንለውጥን ነበርቲ ቤይ ኤርያን ነቶም ግዳይ ሲናይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ንምዝካር አብቲ ዕለት እቲ ናይ ሽምዓ ምሸት አዳልዮም አምስዮም። አብቲ ብዝኽሪ ሰማእታት ዝጀመረ ናይ ሓዘን ምሸት ነዚ አብ መንእሰያት ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ሽግራትን ንምእላዮም እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ አለዎ አብ ዝብል ዛዕባ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ። ሓደሓደ ተሳተፍቲ ስምዕታና አትሪርና ናብ መንግስቲ ግብጺ ብምቕራብ ነቲ ጉዳይ አብ ዝሓጸረ ጊዜ ጠጠው ከነብሎ አለና ክብሉ ርእይቶኦም ሂቦም። አድላዩ እንተኾይኑ አብ ዝሓጸረ ጊዜ ሰላማዊ ሰልፊ ተወዲቡ ንኽግበር’ውን ከም ርእይቶ ቀሪቡ።

እቲ አዝዩ ፉሉይን ንሞራል ህዝቢ ዘለዓዓለን ሓሳብ ግና እቲ ብገለ ክፋል አባላት ማሕበር ዝቐረበ እቲ ፍታሕ ንስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ምውጋዱ ጥራይ ስለ ዝኾነ ናብ ሜዳ ወሪድና ስጋብ ህይወት ንምኽፋል ድሉዋት ኢና ዝብል እዩ ኔሩ። እቶም በዚ አብ ልዕሊ አሕዋቶምን አሓቶምን ወሪዱ ብዘሎ ሞትን ግፍዕን አዝዮም ዝጎሃዩ መንእሰያት ዘርአይዎ ናይ ቃልሲ ወኒ ንኹሉ ሰብ ፍናን አብ ርእሲ ፍናን ወሲኹሉ ክበሃል ይከአል። አብዚ ሕጂ እዋን እዚ አብ ሙሉእ ዓለም ስመር ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ኤርትራዊ አብ ዝሓጸረ ጊዜ ለውጢ ከምጽእ ምኻኑ ድማ ምንም ዓይነት ምጥርጣራት የልቦን።

ስመርርር ሕቖ ህግደፍ ንኽስበር!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ቤይ ኤርያ- ካሊፎርኒያ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...