ካብቶም 365 ብመንግስቲ ሱዳን ኣብ ሽማሊያ ፍሉይ ስሙ ድንጓላ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ካብ ዘሎዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት 5 ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተጨዉዮም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
 
እቶም ኣስታት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ምስ ዘይሕጋዉያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ብሔረ ራሻይዳ እንዳተጓዕዙ እንከለዉ ምስ ፖሊስ ሱዳን ተኹሲ ድሕሪ ምልዉዋጥ፡ ብመንግስቲ ሱዳን ተታሒዞም ህጹጽ ሓገዝን ረድኤት ድሕነትን ዝጽበዩ ዝጸንሑ ኤርትራዉያን ሕጂ እዉን ኩነታቶም ኣብ ዘሻቕል ደረጃ  ከምዝርከብ ሎሚ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
 
ብመሰረት እዚ ብቐጥታ ካብቶም እሱራት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ፡  ዛጊት ሓሙሽተ ደቂተባዕትዮ ካብቲ ቦታ ብስርዓት ህግደፍ ሓይልታት ጸጥታ ተዓፊኖም ተወሲዶም ኣሎዉ። ገለ ኣስማት ካብቶም ተዓፊኖም ተወሲዶም ዘሎዉ ኤርትራዉያን፡-
 
1. ምስግና በየነ
2. ማሕሙድ ኢብራሂም
3. ኣንገሶም  ሃለቃ
4. ገርጊስ ኢትራባይ 
 
ብመሰረት እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ካብ መንጉኦም ብዙሓት ናይ ጥሜት ኣድማ ጌሮም እኳ እንተለዉ ፡ ኩነታቶም ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ዓሪጉ ከምዘሎ ተመልኪቱ። ብፍላይ እተን ነፍሰጾራት ከይተረፈ ዘሎወአን 94 ደቂኣንስትዮን 10 ቆልዑን ኩነታቶም ዘሰንብድ ኮይኑ ከምዘሎ እቲ ሎሚ ብመገዲ ሞባይል ተሌፎን ካብ ዉሽጢ እቲ ቤት ማኣሰርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
 
ዛጊት ሽሕ እኳ ኮምሽን ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንኩነታቶም ብዝምልከት ሓበሬታ በጺሕዎ እንተሎ፡ ምስ ኩነታቶም ዝጣዓዓም ግብረ-መልሲ ስለዘይተወስደ እቶም ስደተኛታት ግዳያት ህግደፍን፡ ካልእ ንዘይሕጋዊን ዘይሰብኣዉን ተግባራት ተሳጢሖም ምህላዎም ሓቢሮም።
 
በዚ መሰረት ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ብዉልቅን እኩብን፡ ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ነዞም ኣብ  ሽማልያ ኣብ ድንጓላ ኣብ ዝባሃል ቦታ ተኣሲሮም ዘሎዉ ኤርትራዉያን ንድሕነቶም ህጹጽ ንጥፈታት ከካይዱ ኣምሪሮም ይምሕጸኑ ኣሎዉ። ሽማልያ ካብ ካርቱም 600 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ።

ዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ተንቀሳቓሲ ቁጽሪ ስልኪ ብምድዋል ምስቶም ግዳያት ምዝራብ ይካኣል።  
 
00249908555169

4 ጥቅምቲ 2011
 
መሓሪ ኣብራሃም 
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 

        


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...