እዚ መግለጺ እዚ ከነዉጽእ ዝገደደና ገለ እዋናዉን ተኣፋፍን ጉዳይ ንኹሉ ኤርትራዊ ብሩህ ንምግባር እዩ። ከምዝፍለጥ ወኪል ስርዓት ህግደፍ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፣ ዘይወግዓዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሊድስ ንምክያድ ተንቃሳቂሱ፣ ብዘቅረብናሉ ሕቶታት ዘይተሓጎሱ ገለ ዕሱባት ብዝፈጠርዎ ታዕታዕ ከምቲ ዝደለናዩ ሕቶታትና ብቁዕ መልሲ ረኺቦም፣ ብምርድዳእን ዘተን ክፍጸም ብዘይምኽኣሉ ዝተሰማዓና ቅሬታ ክንገልጽ ንፈቱ። ኣምባሳደር ህግደፍ ብጎይቶቱ ዝተላእኮ ከብጽሕ ተዘይኮይኑ ክህቦ ዝኽል ብቁዕ መልሲ ኳ ተዘይተጸበና፣ መንእሰያት ከምመጀርበብ ብላዕሊ ብዝወረደ ሓሳብ ምዝቅባብ ዘይኮነ፣ ክንታለል ከምዘይንነብር ንጎይቶቱ ከብጻሓሎም ስለዝደለና እዩ።

ንሕና ከም መንእሰያትን ሕልፊ ብዙሓት ኣዳኸርትን ናይ ታሪኽ ሓተላን፣ ሕግን ስርዓትን እነኽብር፣ ብስም ሃገር ኣብ ዝተገብረ ወራራት ኣብ ፊተ ግንባር ብምስላፍ፣ ነቶም ብተግባር መጥፋእቲ ሃገር ክንሶም ብቃላቶም፣ ተሓለቕትን ተበጀዉትን መሲሎምና ክቡር ሂወትን ዕድመ ንእስነትናን ንምኽፋል ኣብ መሳርዖም ዝነበርና ብምዃና ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ኣካይድኦምን ዕላማታቶምን ሽርሕታቶምን ንፈልጦን ንርድኦን ኢና። ብኣፍ መላጸ ዝሓለፍና ወጻእ ማዓት ብምዃና፣ ተለቂሕናን ተመሊእናን ዘይኮነ ዝዋዓልናዮን ዝራኣናዮን ሰብ ህያዉ ምስክረ-ኩነት ኢና። ስለዝኾነ ምሉእ ኣቃልቦ ሂብና ንሰርሓሉ ዕላማ ልዕልና ሕግን ፍትሕን ዝነገሳ  ሃገር ክሳብ እትትከል ብንጹህ ሕልናን ብምሉእ ዓቅምናን ንመሰልን ፍትሕን ዜጋታት  ከይተሓለልና ከምንጣበቅ ብትብዓት ከነፍልጥ ንፈቱ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ሊድስ ዘጋጠመ ዘይምርድዳእ፣ ብዋሃዮታት ስርዓት ህግደፍ ንማሕበርና ንምጽላም፣ ክትደግሞ ዘሰክፍ፣ ሕሱር ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ይንዝሑ ኣለዉ። ገለ ንምጥቃስ ‘’ ማሕበርና ኣዉራጃዊ ወይ ሃይማኖታዊ ረብሓታት ዘበገሶ ከምዝኾነ፣ ካልእ ዉን ዓዲ እገለ ተጋሩ እዮም’’ ዝብሉ ይርከብዎም’። ኣብዚ እቲ ክበርህ እንደልዮ ጉዳይ ሰብ ኤርትራዊ ይኹን ትግራዋይ ወይ ሶማላዊ፣ ማዕረ ሰብኣዊ ክብሪ ከምዘለዎ ከምንኣምን እንዳ ገለጽና፣ እዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ መግለጺታት ካብ ቀንዲ ዛዕባታትና ንምልጋስና ዝጋዉሑ ዘለዉ ምዃኖም ከምዘይንዝንግዖ ርዱእ ክኸዉን ይግባእ። እዚ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ግዚኡ ዝሓለፎ ሜላ ህግደፋዉያን ስለ ንርዳእ፣ ምስ ዝነብሕ ከልቢ ዘይኮነ ጉዳይና ምስ ዋና ከልቢ ከምዝኾነን ኣንፈትና ከምዘይንስሕትን ከነፍልጦም ንፈቱ። በዚ ሽርሒ እዚ  ክብጻሕ ተደልዩ ዘለዎ ዕላማ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዉን ህዝባዉን ሰብኣዉን ጉዳያት ገዲፉ ኣብ ነንሕድሕዱ ብዞባን፣ ኣዉራጃን ሃይማኖትን ተተፋኒኑ ክናኸስ እሞ፣ ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ነብሱ ሓራ ምዉጻእን እዩ። ሕቶታትና ሕጂ ዉን እምባኣር ብዛዕባ፣-

. እቶም ብሓምለ 1994 ን18 ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢሎም ምስወፈሩ ንልዕሊ 17 ዓመታት ዘይተመልሱን ደቆም ኣብ ወፍሪ ዘርከብዎም ዜጋታት!

. እቶም ካብ ጊላነት ነብሶም ሓራ ከዉጽኡ ብምፍታኖም ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ዝርሸኑ ዘለዉ ህጻናት!

. እቶም ፖለቲካዊ ለዉጢ ክግበር ብምሕታቶም ብመስከረም 2001 ምስተእስሩ ዛጊት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ዜጋታት!

. ጋዜጠኛታት ጋዜጣታት ብሕትን መንግስትን ሓንሳብ ምስተዳጎኑ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ሃላዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ዜጋታት !

. መራሕትን ተኸተልትን ዝተፋላለያ እምነታት ዝኾኑ ኣብ ኮንተይነራት ዝበልዩ ዘለዉ ዜጋታት!

. እቶም ናይ ስዉኣት ደቆም ከይተደበሱ፣ ዶብ ናይ ዝሰገረ ብጹሕ ዉላዶም 50 ሽሕ ክኸፍሉ ዝግደዱ ወይ ዝእሰሩ ዝለዉ ወለዲ!

. መሰል እተን ኣብ ንኡስ ዕድሚአን መጻወቲ ሕልና ኣልቦ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝኾናን ጌና ዝኾና ዘለዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትናን!

. ኣብ ፈቀዶ ጎረባብቲ ሃገራት ፋሕ ኢሎም ኣደራዕ ስደትን፣ መጻወቲ በደዊን ኮይኖም ዝዋረዱ ዘለዉ ዜጋትትን: ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቁን!

ካብ ምሕታት ንድሕሪት ንብለሉ ኣይክህሉን እዩ። እዚ ቅኑዕን እዋናዉን ሕቶታት ናይ ማሕበርና ጥራይ ዘይኮነ ናይ መላእ ሃገር ምዃኑ ንኣምን። ብኣቃዉማና ኮነ ዕላማታትና ስክፍታ ዘለዎ ኣካል፣ ዘለዎ ምጉት፣ ሕቶ፣ ናይ ኣራኣእያ ፍልልያት ኣብ ምጽዉዋርን ምርድዳእን ንኣምን ማሕበር ከምዃና መጠን፣ ኣኼባታትና ኣብ ነካይደሉ እዋን ይኹን ብኢመይል፣ ክንምልስ ድልዋት ምዃና ክንሕብር ንፈቱ። ማሕበርና ዝኾነ ፖለቲካዊ ጸግዕን ዕላማታት የብሉን። ዕላማናን ራኢናን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ንምርግጋጽ እዩ።

ኣብ መደምደምታ ነቶም ኣብ ሕሱር ጸለመ ተዋፊርኩም ንግዝያዊ ረብሓ፣ ወይ ጸቢብ ጊጅላዊ ስምዒታት ተዋሒጥኩም ጽባሕ ኣብ ዘሕፍረኩም ንጥፈታት ትርከቡ ዘለኹም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትነብሩ ሰብ ድርብ ገጽን፣ በላዕቲ ክልተ ስጋን፣ ነቶም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ትርከቡ መራሕትን ኣዘዝትን ሰራዊት ኮንኩም ህዝቢ ተባሳብሱ ዘለኹም ሰብ ግዜ፣ ደም ንጹሃትን ንብዓት ድኻን ከምዘይደቅሰኩም ደጊምና ነዛኻኽረኩም። ነቶም ትማሊ ዘይወግሕ መሲልዎም ህዝቢ ዝረግጹ ዝነበሩ ስርዓታት፣ ሎሚ ዓለም ከምኣፍ ዕንቂ ጸቢባቶም ዘላ ሪኢኹም ክትማሃሩ ነታሳስብ። እንተዘይ ኮነ ይንዋሕ ይሕጸር  ግዜ ዓመጸኛ ከይተሳዕረ ከምዘይተርፍ ግዜ ምሂርና እዩ። እንተ ንሕና ሕልናና ዘቅስን መትከል ተኸቲልና ንጓዓዝ ብምህላዉና ንጽባሕ ኮነ ድሕሪ ጽባሕ ዘሰክፍ የብልናን። ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኮነ፣ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ መንእሰይ ኣብ ዕላማታትና ዝሰምር ሓደ ራኢ ከምዝለዎ ዉን ኣንዳዕዲዕና ንፈልጥ ኢና።

ማሕበር መንእሰያት ኤርትራዉያን ንለዉጢ ጨንፈር ከተማ ሊድስ  25/08/2011
Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ፍትሕን ራህዋን ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዉድቀት ንስርዓት ህግደፍ!!!

**************////************

 


 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...